ድለ

ኣብ ፓኪስታን ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምንዳድ ቁርዓት ኣብ ሽወደን ኣብ ፓኪስታን ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምንዳድ ቁርዓት ኣብ ሽወደን  (AFP or licensors)

ኣብ ፓኪስታን ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምንዳድ ቁርዓት ኣብ ሽወደን

መብዛሕቲኡ ግዜ ከም ወኪላት ምዕራባውያን ተገይሮም ዝረኣዩ ፓኪስታናውያን ክርስቲያን

ዕለት 28 ሰነ ኣብ ሽወደን ሓደ ውልቀ ሰብ ቁርዓን ብሓዊ ድሕሪ ምንዳንዱ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም እተኻየደን ገና እውን ይካየድ ምህላውን፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ንድሕነት ክርስቲያን ዓቢይ ስክፍታ ይፈጥር ከምዘሎ በዚ ምኽንያት እዚ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ፓኪስታን ሓለዋ ይሓትቱ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓኪስታን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ዘጋጠመ ፍጻመ ምንዳድ ቁርዓን ሓደ ኣብ ፓኪስታን ብሕጊ ከይንቀሳቐስ ዝተኸልከለ ኣስላማዊ ጉጅለ ዘበገሶ ናይ ተቓውሞምን ናይ ምፍርራሕን ተግባር ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን የተባብዕን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንሓደጋ የቃልዕ ምህላዉ ሓቢሮም፡ ሓለዋ ከምዝሓተቱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝተለዓዓለ ስግኣት

ኡካ እተሰምየ ኣብ ኣስያ ካቶሊካዊ ሕብረት ኣገልግሎት ዜና ከምዝሓበሮ፥ ናይ ፓኪስታን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሽማግለ ሰላምን ፍትሕን ሓላፊ፥ ካብ ሱናዊ እስላማዊ ዕጡቓት ጉጅለ ዘስግእ ግብረ  መልሲ ክወሃብ ከም ዝኽእል ንዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ፓኪስታን ከምዝሓበሩን ኣብ ልዕሊ ማሕበርሰብ ክርስቲያን ፓኪስታን ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ዝሓቀነ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባር ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረበን፥ እቲ ኣብ ሽወደን ሓደ ውልቀ ሰብ ዝፈጸሞ ቁርዓን ናይ ምንዳንድ ተግባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝኾነነቶ እውን ገሊጾም፥ ኣብ ፓኪስታን ከም ውሑዳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ሕውነትን ሰላም ኢና እንነብር . . . ተሃዋሲ ሕግታት ምጥሓስ ፈጺምና ዘይንሓስቦ ጉዳይ እውን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኡካ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

ስክፍታ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ፓኪስታን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 3 ሓምለ ኣብ ሰበኻ ፋይሳላባድ ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ካሊድ ራሺድ ኣሲ ኣብቲ ኣስታት 4 ሺሕ ክርስቲያን ዝቕመጥሉ ዞባ ምስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ከምእተራኸቡን ኵሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካህናትን ገዳማውያንን ንጸጥታ ሰበኻታቶምን ኣባይቲ ትምህርትታቶምን ካልኦት ናይ ግብረ ሰናይን ጥዕናን ትካላትን ኣብ ዝርከቡሉ ዞባ ምስ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ርክብ ክገብሩ ከምዝሓተቱን . . . “ኣብ ሎዕሊ ዝኾነ ይኹን ቅዱሳን መጻሕፍቲ ሃይማኖታት ዝፍጸም ናይ ምርካስ ተግባራት ንኹንን” ቢሎም፥ “ናይ ሰላምን ስኒትን ባህሊ ንምሃንጽን ንምስፋሕን ክንጽዕር ኣሎና፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ኣውራጃ ፑንጃን ደገፍቲ ላሽካር ንጃንግቪ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ፡ ቁርዓን ረኺሱ ዝብል  ክሲ ከም ዝቐረበ ምስ ሰምዑ ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ 10 ምእመናን ከም ዝቐትሉ የዘኻኽር።

ንልዕሊ 20 ዓመት ዒላማ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ፓኪስታን

መብዛሕቲኡ ግዜ ከም ወኪላት ምዕራባውያን ተገይሮም ዝረኣዩ ፓኪስታናውያን ክርስቲያን፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ወራር ካብ ዘካየደትሉ 2001 ዓ.ም. “ንጽሕና እስላም” ብዝብል ኣርእስቲ ጸረ እስልምና ፊልም ካብ ዝተዘርገሓሉ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ኣብ ፓኪስታን ዒላማ ሓያሎ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኮይኖም ከምዘለዉን ኣብዚ ኣብ ዳሕረዋይ ፍጻሜ ኣብ ስቶኮልም ድማ ዕለት 28 ሰነ ኣብ መላኣ ዓለም ቤተ እስላም ዝኽሪ መስዋዕቲ ኣብርሃም ንምኽባር ዒድ ኣል ኣድሃ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ በዓል ኣብ ዘብዓለሉ ዕለት ሓደ ወዲ 37 ዓመት ዒራቅዋው መበቆል ዘለዎ ስዊድናዊ ዜጋ፡ ስቶኮልም ኣብ ዝርከብ ዓቢይ መስጊድ ደገ “ቁርዓን ቀዳዲዱ ደሓር እውን ብሓዊ ከም ዘንደደን” እዚ ሰብ እዚ እውን ብዓሌታውን ብሔራውን ጽልኢ ብዝብል ገበን ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን፡ እቲ ዝፈጸሞ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ኣብ ዝተፈላለያ ሓያሎ ሃገራት ኣስላም ተኸታታሊ ተቓውሞታት ዘበገሰ ኮይኑ፥ እቲ ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምዳድ ተግባር ዝምልከት እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቲ ናይ ኣል ኢቲሓድ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ሓማድ ኣል ካቢ ዕለት 2 ሓምለ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ተግባር ዘቖጥዕን ፍንፉንን” እንክብሉ ኮኒኖም፥ ዝኾነ ይኹን መጽሓፍ ብሰዓብቲ ሃይማኖታት ቅዱስ ተገይሩ ዝሕሰብ መጻሕፍቲ ንሰዓብቱ ወይ ምእመናን ካብ ዘለዎ ኣኽብሮት ተበጊሱ ክኽበር ኣለዎ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ድማ ንኻልኦት ንምንዓቕ ከም መመኽነይታ ፈጺሙ ክውዕል የብሉን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ምፍቓድ ክንጸግን ክኹነንን ኣለዎ” ከም ዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥

ጸረ ሃይማኖታዊ ተግባር እዩ!

ኣብ ሽወደን ጨንፈር ባይቶ ኣቢያተ ክርስያን ዓለም ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፥ “ከም ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን መጠን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ እምነቱ ናይ ምንባር መሰሉ ነኽብርን ንኸላኸልን - ቁርዓን ምንዳድ ኮነ ኢልካ ናይ ኣስላም እምነትን መንነትን ምጥሓስ እዩ፡ እንተኾነ ግን ከም ሓደ . . . ኣብ ልዕሊ ኩላትና ናይ እምነት ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን እዩ! ስለዚ ምስቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘሎና ቅርበት ነረጋግጽ፡” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘስመረሉን፥ እቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ሽወደን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ስቶኮልም ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣንደርስ ኣርቦሬልዮስ፥ ኣብ ሽወደን ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ማርቲን ሞደውስ ናይ ሉተራናዊ ምንቅስቓስ መራሒ ላሰ ስቨንሶን ኣብ ሽወደን ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ በንያሚን ዲዮስኮሮስ ኣታስ ኣብ ሽወደን ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ዋና ጸሓፊት ሶፊያ ካመሪን ክታም ዝተነብሮ ምዃኑን ይሕብር።

መራሔ መግንስቲ ሽወደን፥ ናብ ልብና ክንምለስ ይግባእ!

ናይ ሽወደን መራሔ መግንስቲ ኡልፍ ክሪስተርሶን እውን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብ ሽወደን ብሓቂ ናብ ልብና ክንምለስ የድሊ” ቢሎም፥ ኣብ ሽወደን ካብ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዙ ጸረ ቁርዓን ዝኣመተ ሰልፍታት ይካየድ ከም ዘሎን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ፊት ህንጻ ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ቱርኪ ተመሳሳሊ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ከም እተፈጸመን ብዙሕ ጸገም እውን ከም ዘስዓበን ነዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተፈጸመ ኩኑን ተግባር እዚ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክህሉ ይኽእል ብዝብል ፍርሒ ከይካየድ ዝብል ሓሳብ ዘይቅቡል እንክብል፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ፍቓድ ሂቡ ከም ዝነበረን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

05 July 2023, 15:56