ድለ

ኬንያ፥ ካቶሊካውያን ጳጳሳት መንግስትን ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘተ ከቐድሙ ይላበዉ   ኬንያ፥ ካቶሊካውያን ጳጳሳት መንግስትን ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘተ ከቐድሙ ይላበዉ  

ኬንያ፥ ካቶሊካውያን ጳጳሳት መንግስትን ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘተ ከቐድሙ ይላበዉ

“ሓይሊ ጸጥታ ሓይሊ ግብረ ጭካነን ክጥቀሙ የብሎምን ከምዚ ዓይነት ተግባራት ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክጽወር እውን የብሉን፡ ጭካነ ሓይሊ ጸጥታ ንመሰረታዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሕን ልዕልና ሕግን እዩ ዘዳኽም”

ኣብዚ ሰሙን እዚ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ መግንስትን ተቓወምትን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ዝሓንጸጾ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይረኸበ ዛዕባ ክፍሊት ግብሪ ዝምልከት ሕጊ ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ዝፈጥሮ ዘሎ ወጥሪ ብዘተ ክፈትሕዎ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ” (1ጴጥ.3፡9) እዚ ናይ ኬንያ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሕመረት ክኸውን እንከሎ፥

ዘተ እምበር ግጥም ኣይሃሉ

እቲ ብናይ ሞምባሳ ሊው ጳጳሳት ማርቲን ኪቩቫ ሙሶንደ ዝምራሕ ናይ ኬንያ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ርእሰ ብሔር ከንያ ዊልያም ሩቶን መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምትፍናን ዝመስል ኩነት ንምውጋድ ሰላማዊ መገዲ ከናድዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዙሕ ሞትን መጉዳእቲ ዕንወት ንብረትን ዝፈጠሮ ስንባደ ዝተሓወሶ ርኡይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዝተራእዮ ምዃኑ ጳጳሳት ኬንያ ኣስተቢሎም፥ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣድመይናታት ንሰለስተ  መዓልቲ ዝኸይድ ካብ ዕለት 19 ሓምለ ዘበገስዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ምጅማሮም መንግስቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዘዋፈረን እዚ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ከምኡ እውን መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓንጸጾ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይረኸበ ዛዕባ ግብሪ ዝምልከት ሕጊ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ዝተፈጥሪ ግጭት ንምቁጽጻር ሓይሊ ጸጥታ ዝወስዶ ስጉምቲ ከቢድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኬንያ፥ “ዓመጽ ርትዓዊ ምኽንያት ዘይብሉ ምርጫ እዩ፡ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምውፍር ውልቀሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ይኹን ንኽእሎት ጉድኣት ከየብጽሑ ቅሬታቶምን ስክፍታታቶምን ክገልጹ ከምዘኽእሎም ንፈልጥ ኢና። ብሓቂ ድሕሪ እቲ ኣብ ኩሉ ዝሓለፈ ሰልፍታት ዝነበረ ተመኩሮ ሰልፍታት ሰላማዊ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ክንገርብ ንኽእል ዲና? ንመራሕትን ሃገርን ዘይጎነጻዊ መገዲ ክስዕቡ ንጽውዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ኬንያ ብጹዓን ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ነቲ ናይ ቁጠባ ሕጊ ምድምሳስ

እቶም ጳጳሳት ኬንያ ክልቲኦም መራሕቲ ርእሰ ብሔር ዊልያም ሩትን ናይ ተቓወምቲ መራሒ ራይላ ኦዲንጋን ንዘተ ዕድል ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም። “እቲ ዝፈሸለ ክሌኣዊ ዘተ” እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ገለ ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ኣካላትን “ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ዳግማይ ክብገስ ይሓትቱ ከምዘለዉን፥ “እዚ ኸኣ ከቢድ እውን ይኹን ብዘየገድስ ብዘተ ክፍታሕ ዘይኽእል ሽግር ከምዘየለ ንኣምን . . . ብዝኾነ ይኹን ዋጋ፡ ህይወት ሰባት ከብ ምጥፋእ ክንርሕቕ ኣሎና። ተወሳኺ ደም ክፈስስ የብሉን” ከም ዝበሉ ዝሕበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ሩቶ ነቶም ድሮ ኣብ ጭንቀት ዝርከቡ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዕድለይናታት ዘይኮኑ ዜጋታት ዘላቒ ጾር የስዕብ ዝብልዎ ሓድሽ ናይ ቁጠባ ሕጊ ክስርዝ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “እቲ ልዑል ዋጋ መነባብሮ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ኣባይቲ ስድራን ጾር ፈጡሩ፡ መሰረታዊ ድሌታቶም ንምምላእን ምቕሉል ደረጃ መመናብሮ ንምዕቃብን ኣጸጋሚ ኮይኑዎም ኣሎ። ብዙሓት ኣገደስቲ ንዋትን ኣገልግሎትን ንምሽማት ርጉእ ስራሕ ንምርካብ ይቃለሱ ከምዘለዉ ወይ ድማ ንትምህርትን ተበጻሕነትን ክንክን ትዕና ዝጸሉ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘጋጥሞም ንርድእ ኢና” ከምዝበሉ የመላኽት።

ጳጳሳት ንጭካነ ሓይሊ ጸጥታ ይኹንኑ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ ኣብ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጸም ጭካነ ሓይሊ ጸጥታ ብትሪ ኮኒኖም። ኣንጻር ተግባራት ዓመጽን ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ጽኑዕ መረገጺኦም ምዃኑ ገሊጾም፡ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ክንድኡስ ነቶም ኣድመይናታት ተመሲሎም ነቶም ገበን ክፍጸም ዝቱኽቱኹ ገበነይናታትን ናይ ሕዝቢ ቅኑዕ ሕቶ መሰረት ገይሮም ግጭትን ሁከትን ዘነቓቕሑ ክቆጻጸሩ ኣለዎም። ስለዚህ “ሓይሊ ጸጥታ ሓይሊ ግብረ ጭካነን ክጥቀሙ የብሎምን ከምዚ ዓይነት ተግባራት ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክጽወር እውን የብሉን፡ ጭካነ ሓይሊ ጸጥታ ንመሰረታዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሕን ልዕልና ሕግን እዩ ዘዳኽም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳሳት፥ ሓይል ጸጥታ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ንሰልፈይናታት ኣብ ምቁጽጻር ሞያዊ ብቕዓቶም ክጥቀሙ ከምዘለዎም ኣዘኻኪሮም፥ ነቶም ብዓመጽ ዝተሃስዩ ኬናውን ቅርበቶም ገሊጾም፥ “ነቶም ዝተጉድኡ ቅርበትና ንገልጽ ኣብ ኢድ እቶም ንህዝቢ ንምሕላው ሓላፍነት ዝተዋህቦም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝፈጥርዎ ቃንዛን ስንባደን በደልን ኣፍልጦ ንህብ . . . ኩሉ ብዘተን ብመገዲ ሰላምን ክፍታሕ ጽዋዒት ነቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም 27 ጳጳሳት ኬንያ፥ ዋላ’ኳ እታ ሃገር ብድሆታትን ዘይርጉጽነትን እንተሃለዋ ዜጋታት ኬንያ ጸገማታ ንምፍታሕ ከባቢያዊ ፍታሕ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ከምዘለዋ ክዝክሩ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ ብተወሳኺ ዜጋታት ተስፋ ኣጥፊኦም ኣብ ቀቢጸ ተስፋነት ክወድቑ የብሎም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

22 July 2023, 16:58