ድለ

ዙፒ፥ ጻዕርና ህጻናት ዩክሬይን ናብ ቤቶም ንምምላስ እዩ! ዙፒ፥ ጻዕርና ህጻናት ዩክሬይን ናብ ቤቶም ንምምላስ እዩ! 

ዙፒ፥ ጻዕርና ህጻናት ዩክሬይን ናብ ቤቶም ንምምላስ እዩ!

ካርዲናል ማተዮ ዙፒ፥ “እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዃኑን፡ ብፍላይ ድማ ንሕጻናት!

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍሉይ ልኡከ ሰላም ኣብ ዩክሬይንን ሩሲያን ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ናይ ፕሮፈሰር ሪካርዲ ሓዳሽ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምርቓ ጎድኒ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኪየቭን ኣብ ሞስኮን ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝምልከት ካብ ግዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነታ “ኣውያት ሰላም” ዘርእስታ ናይ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍትሓ ንኽርከቦ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላም ጻዕሪ ልኡኽ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማተዮ ዙፒ፥ “እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዃኑን፡ ብፍላይ ድማ ንሕጻናት! . . . ሕጻናት ዩክረይን ናብ ቤቶም ንኽምለሱ ዝሕግዝ መገዲ ምድላይ ሓደ ካብቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳያት እዩ። ከም ዝብሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ብሞንጎይናነት ዝመርሑ ፕሮፈሰር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣቦ መንበር፡ ጋዜጠይና ማርኮ ዳሚላኖ፡ ናይ ኢጣሊያ ማሕበረ - ቁጠባዊ ምርምር ትካል ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ጁሰፐ ደ ሪታ፡ ፕሮፈሰር ዶናተላ ዲ ቸሳረ መደረ ከም ዘስምዑን፥ ካርዲናል ዙፒ፥ . . . እታ መጽሓፍ ብሓቂ ጠቓሚት እያ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ እቲ እንነብሮ ዘሎና ህሞት ንቕሓት ከነማዕብል ስለ እትሕግዘና። . . . ፕሮፈሰር ደ ሪታ እውን ብወገኖም፥ ውግእ ክተርፍ ዘይኽእል ከም ዘይኮነን ወይ ግድን ዘይምዃኑ ከነስተውዕልን ካብኡ ሓሊፉ እውን መፍትሒ ከምዘይኮነ እተመላኽት መጽሓፍ እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ነዚ እምንቶ እዚ ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ከተስርጾ ኣብርቲዓ ከም እትዓይን ካብ ኢጎነት ናብ ህንጸት ‘ንሕና’ ትመርሕ ኣላ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣንድረያ ሪካርዲ፥ “ሰላም እንታይ ማለት ምዃኑ ናብ ምሕሳብ ክንምለስ” ግዚኡ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ውግእ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓደ ኣባል ኣጋር ሰራዊት ዝበሎ፥ “ንኹሉ ትሕቲ መሬት ዝቐብር እዩ . . . በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ራእይ ኲናት ክሰዓር እዩ ዘለዎ፡ . . . ናብ ሰላም ዝወስድ ድርኺት ዳግማይ ምርካብ የድሊ። ብወገን ፖለቲካ ንርሑቕ ዝጥምት ሰፊሕን ራእይ የድሊ . . .  ንስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዓቢይ ዕድል ዝህብ ፖለቲካ ምህናጽ የድሊ። ናይ ሰላም ባህሊ ምህናጽን ምስፋሕን ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕን ወሳኒ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 July 2023, 15:51