ድለ

ኣጒያር፥ ነቶም ኣብ ዓ.ቅ.መ. ክሳተፉ ዘይክእሉ ፍልስጥኤማውያን ቅርበቶም ይገልጹ ኣጒያር፥ ነቶም ኣብ ዓ.ቅ.መ. ክሳተፉ ዘይክእሉ ፍልስጥኤማውያን ቅርበቶም ይገልጹ 

ኣጒያር፥ ነቶም ኣብ ዓ.ቅ.መ. ክሳተፉ ዘይክእሉ ፍልስጥኤማውያን ቅርበቶም ይገልጹ

ሓደ ካብቶም 21 ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ዝስመዩ ተራዳኢ ጳጳስ ኣጒያር፥ “መንእሰያት ዕንቅፋታት ኣብ ምብዳህ ናይ ጽንዓትን ቆራጽነትን ኣብነት እያቶም፡ ምስቲ ኩሉ ዘሎ ጸገም ዘተን ርክብን ዝከኣል ምዃኑ መርኣያ እያቶም”

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቅድሚ ብወግዒ ምጅማሩ ሒደት ማዕልታት፡ ኣብ ፖርቱጋል ናይ ርእሰ ከተማ ሊዝበን ተራዳኢ ጳጳስ ኣጒያር ነቶም ኣብቲ ፍጻሜ ክሳተፉ ዘይክእሉ ፍልስጥኤማውያን ከምቲ ኣብ ዩክሬይን ዝገበርዎ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ሰላምታን ቅርበትን ንምብጻሕ ኣብ ቤይት ጃላ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ከምኡ እውን ናይ ላቲን ስረዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላ እውን ህላወ መንእሰያት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ምልክት ህያውነት እያቶም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ከተማ ሊዝበን ተራዳኢ ጳጳስ ኣሜሪኮ ኣጒያር ናይቲ ኣብ ሊዝበን ናይ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ኣቦ መንበር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከምቲ ኣብ ዩክሬይን ዘካየድዎ፡ ናብ ቅድስቲ መሬት ምብጻሕ ብምካየድ ምስ ፍልስጥኤማውያን መንእሰያት ከም እተራኸቡን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ካብ ዝስመዩ ሓደ ሊቀ ጳጳሳት ቢዛባላ ነቲ ብናይ ፍልስጥኤም ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ዝተዳለወ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝኽበር መብጽዓ

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ነቶም ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክሳተፉ ዘይክእሉ ሓደራ ከይርስዑ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ መሰረት፡ ነዚ ቃል እዚ ብምኽባር፡ ከምቲ ቅድም ክብል እውን ዝኣተውዎ መብጽዓ፥ ናብ ቅድስቲ መሬት ብምኻድ ምስቶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ ዘይክእሉ ፍልስጥኤማውያን ተራኺቦም፡ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ከም ዘረጋገጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኵላትና ኣሕዋት

ሓደ ካብቶም 21 ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ዝስመዩ ተራዳኢ ጳጳስ ኣጒያር፥ “መንእሰያት ዕንቅፋታት ኣብ ምብዳህ ናይ ጽንዓትን ቆራጽነትን ኣብነት እያቶም፡ ምስቲ ኩሉ ዘሎ ጸገም ዘተን ርክብን ዝከኣል ምዃኑ መርኣያ እያቶም” እንክብሉ ገሊጾም፥ ብመንፈስ እቲ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ዘሎ ኣድማሳዊ ሕውነት መሰረት መንእሰያት ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክስተፉን ተቐባልነት እውን ክስምዖም ኣገዳሲ እዩ። ላቲናዊ ፓትሪያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላ እውን ነቲ ናይ ፍልስጥኤም ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ንመንእሰያት ዘዳለዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዖ ስብከት፥ ነቶም ቅድስቲ መሬት ወኪሎም ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ፥ “ናይ ሰበኻና ምልክት ህይወት” እያቶም እንክብሉ ገሊጾም፡ እቶም መንእሰያት ምሉእ ግዚኦም ኣብቲ ፍጻሜ ክውፍሩ ድማ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝተሰርሐ መቑጸሪያ ንዓ.ቅ.መ.

90 ካብ ዮርዳኖስ፡ 50 ካብ ገሊላ፡ 200 ካብ ፍልስጥኤም ከምኡ እውን ንመጀመሪያ ግዜ 20 ካብ ቆጵሮስ ዝመጹ ብድምር 360 ካብ ቅድስቲ መሬት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ እዮም። ከምቲ ኣብ ፓናማ ኣብ ዝተኻየደ ሎሚ እውን ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ቅድስቲ መሬት ብናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢየሩሳሌምን ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ሓገዝ ዝተሰርሐ መቑጸርያ ክዕደል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

27 July 2023, 16:08