ድለ

ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር፥ ሰማእታት ኣሓት ኣብ የመን ‘ፍቕሪ ኢየሱስ ዝመስከራ እያተን!’ ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር፥ ሰማእታት ኣሓት ኣብ የመን ‘ፍቕሪ ኢየሱስ ዝመስከራ እያተን!’ 

ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር፥ ሰማእታት ኣሓት ኣብ የመን ‘ፍቕሪ ኢየሱስ ዝመስከራ እያተን!’

ምናልባት ሓደ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ክትምራሕ ትኽእል ኢኻ፡ ንጐይታ ድማ ሓይሊ ክህበኒ ሓይሊ ክህበና ምሕታት የድልየና

ልሂቅ ሓዋርያዊ መስተናብር ዞባ ደብባዊ ሃግራት ዓረብ ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሂንደር ዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ዘቖምዎ ናይ እዋንና ውስጠ ኣቢያተ ክርስቲያን ገድለ ሰማእታት እምነት ዝከታተ ሽማግለ መሰረት ገይሮም ኣብ የመን ሰማእታት እምነት ደናግል ኣባላት ማሕበር ደቂ ፍቅሪ - እናተ ተረዛ ዘካልኵታ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እተን ደናግል “እነሆ ፍቕሪ ኢየሱስ ዝብል  ምስክርነት እምነት ዘጉለሓ፡ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዋጋ እምነት ብቓልን ህይወት ዝመስከራ” እንክብሉ ዘኪሮም፥ እተን ኣሓት ኣብቲ ዋላ እውን ፍሽኽታ ዘድልዮ ዘይመስል ጽንኩር ኩነታት “ፍሽኽታ ዘይተፈልየን - ናይ እምነት ሓሴት ዝነበራ” እንክብሉ ገሊጾም፡ እተን ደናግል ሰማእነት ኣብ ዝተቐበላሉ እዋን ኣብ ዞባ ደቡናዊ ሃገራት ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝነበሩ ፖል ሂንደር፥ ነተን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ የመን ወደባቲት ከተማ ዓደን ኣብቲ በተን ደናግል ዝምራሕ ናይ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣካለ ስንኩላንን ድኻታትን መእለዪ ማእከል ብዝወረረ ዕጡቓት ሓይሊ ዝተቐትላ ኣርባዕተ ሰማእታት ላኡካነ ወንጌል ኣሓት ግብረ ሰናይ - ደቂ እናተ ተረዛ ዘኪሮም፡ እዘን ሰማእታት ኣሓት ንኽርስቶስን ንካልኦትን ዓሚቝ ናይ ፍቕሪ ምስክርነት ውርሻ ዝሓደጋ እንክብሉ ገሊጾም . . . ናይ እዋንና ሰማእታት ክርስዑ የብሎምን” ይብሉ።

እዞም ተወላዲ ስዊዘርላንድ የመን ዘጠቓልል ናይ ዞባ ደቡባዊ ሃገራት ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝነበሩ ፖል ሂንደር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ግምት ብምእታው ዝርዝር እቶም ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንኽርስቶስ ንኽምስክሩ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ጥራይ ዘይኮነስ ኵሎም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰማእታት ጉዳያት ዝከታተል ብናይ ቅዱስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ሽማግለ ክቐውም ምግባሮም፡ እዚ ሽማግለ እዚ ካቶሊካውያንን ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዘመንና ሰማእታት ስም ዝርዝር ዝንበሮ ገድለ ሰማእታት ዘሰናድው ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 19 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ነተን ኣብ የመን ዝተቐትላ ኣሓት ሰማእታት ደቂ እናተ ተረዛ፥ ኣንሰልም፡ ማርገሬት፡ ረጂነትን ጁዲትን “ናይ ዘመንና ሰማእታት” እንክብሉ ከምዝዘከርወን፡ የመን ንብዙሓት ዓመታት ብዘስካሕክሕን ዝተረስዐን ኲናት ዝቖሰለት ብዙሕ ሞት ዘስዕብን ክሳብ ሎሚ ብዙሓት ብፍላይ ድማ ህጻናት ንዓቢይ ስቓይ ዝዳረጉላ ሃገር” ምዃና ር.ሊ.ጳ. ከም ዘመላኸቱን፥ “ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ሰማእት ዝኾና፡ ኣብታ ሃገር ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበላ ፦ ህያዋን እያተን እንክብሉ ከም ዝገለጽወን ብጹዕነቶም ይዝክሩ።

ብጹዕነትኩም ብናይ እምነት ሰማእታት ልኡካነ ወንጌል ኣሓት ግብረ ሰናይ ኣብ የመን ዝተወሃበ ሕድሪ ምስክርነት ኣንታይ እዩ? ምስክርነተን ክሳብ መወዳእታ ኣብ ኩነታት ውግእን ሓደጋን ተኣማንነት ንኽርስቶስ ዝገልጽ እዩ፡ ኣብ የመን ብፍላይ ኣብ ዓደን ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝነበራ ኣሓት ምስክርነት ንዓይ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምቕታለን ኮነ ደሓር እውን ህያው እዩ! ምስቶም ክከናኸንኦም ዝግበአን ድኻታት ህዝቢ ኣብቲ ኣዚዩ ጽንኩር ኩነታት ዝነበራ፡ ብተወፋይነትን ብሓሴትን ዘገልገላ፡ ነቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣካለ ስንኩላንን ብተኣማንነት ዝተወፍያ፥ እዚ ወትር ዝምስጠኒ ሰናይ ተግባረን እዩ። . . .

እተን ኣሓት፥ ፍቕሪ ክርስቶስ እንሆ ቢለን ዘርኣያ እየን!

ክርስቶስ ኣብ ኣነባብረአን ኣገልግሎተን ኩሉ ተግባራተንን ምስክርነተን ስጋ ለቢሱ እዩ . . . ኣብታ እስላምዊት ሃገር ብዛዕባ ወንጌል ብዙሕ ብግልጺ ክትዛረብ እውን ዝከኣል ኣይኹን፡ ህይወተንን ኣካይደአንን ተግባራተንን ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብን ይውንግልን። እዚ እውን ኣብ ኩሉ እቲ ኣብ የመን ዝነበርኩሉ ዓመታት ዝረኣኽዎ ኣባይ ዓቢይ ጦብላሕታ ዝሓደገ ተመክሮ እዩ!

ብዛዕባ እተን ሰማእታት ኣሓት እንታይ ፍሉይ ተዘክሮ ኣለኩም? ተኣማንነትንን ፍሉዩ ሓጎሰንን . . . ይዝክር፥

እዘን ኣሓት እዚኣተን ወትሩ ፍሽክ ክብላ ይርእየን ነይረ፡ ዋላ እኳ እቲ ኩነታት ፍሽኽታ ዝመልኦ ክኸውን ዘይከኣል ይመስል እንተነበረ ካብ ገጸን ፍሽኽታ ዘይፍለየን ምንባረን እዝክር!

ኣብ ቅድሚ ኩሉን ምስ ኩሉን . . . ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ምትእስሳር እቲ ኣብ ደም ሰማእትነት ዘሎ ባይታ ዝሓየለ ፍሉይ ምትእስሳር ምዃኑ ከስተውዕል ዝገበረንን፡ ኣብ ዓደን ይኹን ኣብ ካልኦት ቦታታት ኣብ ኩሉ ኣብቲ ዘገልግላሉ ኩሉ ክበጽሕ እንከለኹ ዝዕዘቦ ዝነበርኩ ክንየው ጸገምን ሓደጋታትን ዝኽይድ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረን ሓሴት ብቐረባ ዝርእዮ ዝነበርኩ ልዑል ምስክርነተን እዝክር።

እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ሽፋን ዘይረክብ ይውን እንተኾነ ግን ኣብ ልቢ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ እዘን ልኡካነ ወንጌል ደቂ ፍቕሪ - እናተ ተረዛ ዝነብረኦን ዝምስክርኦን ዝነበረ ፍቕሪ ኣብ ልብ ኩሎም እቶም ብቐረባ ዝረኸብኦምን ዘገልግለኦምን ተቐሪጹ ዝተረፈ ምስክርነት እዩ!

ሎሚ እውን ከምአን ኣብታ ብኩናት እትሳቐ ዘላ የመን መዓልታዊ ሰማእትነት ዝኸፍሉ ኣለዉ።

ቤተ ክርስቲያን ነቶም ሓደስቲ ሰማእታት እንኮላይ እዘን ሰማእታት ኣሓት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእንቲ እምነትን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን ህይወቶም ዝሃቡ ኣፍልጦ ምሃብ እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ኩሉ ግዜ ተዘክሮታትና ሓጺር ተዘክሮ ኮይኑ ናይ ምትራፍ ሓደጋ ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን እዚ፡ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ብቕልጡፍ ስለ ዝቐርብ . . . እቲ ሎሚ ተዘክሮ ዝገበርካዮ ጽባሕ ይጠፍእ . . . መሰኻኽር እምነት ናይ ርሑቕ ህሉፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑን ምስትውዓል የድሊ፡ ስለዚ እቲ ዝኽሪ ህያው ምግባር ብመሰረት እቶም ናይ ርሑቕ ሰማእታት ጥራሕ ዘይኮነስ ብእዋናውያን ሰማእታት እውን . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሰነ ኣብ መንበር ሓዋርያዊ መስተናብር ገና ብወግዒ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዘይኣወጀትሎም ናይ እዋንና ሰማእታት መሰረት እተን ሰማእታት ኣሓትና ንዝክር። እዚ እውን ነቶም ኩሎም ቅድስና ገና ዘይተኣወጀሎም ሰማእትነት ዝቕበሉ ዘለዉ ኩሎም ሓሳብ ዝገብር እውን እዩ። . . . ክሳብ እታ ናይ ምወዳእታ ህሞት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማዕትነት ዝተጻወሩን ክጻወሩ ድልዋት ዝኾኑን ክንርስዕ የብልናን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ዘመንና ሓደስቲ ሰማእታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተዛሪቦም እዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ እውን፡ ግን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት እውን። ሎሚ ግን ምእዋጅ ናይዚ ጭቡጥ ተበግሶ ሽማግለ ንሓደስቲ ሰማእታትን ነቶም ምእንቲ እምነት ዝሞቱ ወይ ዝተቐትሉ ካቶሊካውያንን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብትን ተዘክሮ፡ ዘለዎ ዋጋ እንታይ ይመስል? ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ወለዶ እምነት ክርስትና ጥራይ ዘይኮነ ናይ ካልኦት ክቡራት ዋጋት ምስክርነት እውን ኣሎ። ምስክርነት ወንጌል ብህይወቶም ይኸፍሉ፡ ብርግጽ ኩሉ ግዜ ክሳብ ክንድዚ ርኡይ ኣይኮነን።

ነዚ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግምት ብምእታው ንነፍሲ ወከፍና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ካልእ መዳያት ወንጌል ጥራይ ኢና ንሓስብ። “ኣነ አፍቅረካ እየ ኢየሱስ” ምባል ግን ናይ ምልኡ ህይወትና ፍጹም ተወፋይነት ዝሓትት እዩ፥ ብተፈጥሮኣዊ ድሌታትና ዘይንኽዶ መገዲ ኣብ ዝመርሓና ክስንዕቦ ማለት እውን እዩ፡ እዚ ካልእ ክርስቲያናዊ ህይወት እዩ።

እተን ሰማእታት ኣሓት ደቂ ማድረ ተረዛን እቶም ኣብ የመን ዘለዉ ሰማእታት እውን ተመሳሳሊ ክውንነት ምሂሮምኒ ኣዮም። ብድሆ እውን እዩ፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ክትምራሕ ትኽእል ኢኻ፡ ንጐይታ ድማ ሓይሊ ክህበኒ ሓይሊ ክህበና ምሕታት የድልየና፡ ክንሃድም ዘይኮነስ ኣብኡ ብተኣማንነት ክንህሉ፡ ዋላ ኣብ ትሕቲ መስቀል ኣብ  ጎልጎታ ኣብ ዝኾነሉ ስፍራን እዋንን፡ እተን ሰማእታት የመን ደቂ ማድረ ተረዛ ነዚ እየን ዝመሃራኒ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

06 July 2023, 16:21