ድለ

ኣውስትራሊያ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣልቦ ስቓይ ሞት ዝፈቕድ ንድፈ ሕጊ ትቓወሞ ኣውስትራሊያ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣልቦ ስቓይ ሞት ዝፈቕድ ንድፈ ሕጊ ትቓወሞ 

ኣውስትራሊያ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣልቦ ስቓይ ሞት ዝፈቕድ ንድፈ ሕጊ ትቓወሞ

ሕይወት ክግበረሉ ዝግብኦ ክንክን ኮነ ሓለዋ እናጥፈአ ህይወት መከላኸሊ ዘይብሉ ኮይኑ ክተረፍ ዝድርኽ

ኣብ ኣውስትራሊያ ትግቡር ዝኾነ መድሃኒት ብዘይተረኸብሉ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ህሙማን ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስቓዮን ንኽላቐቑ ንኽሞት ምስዝሓትቱ ተደጊፎም ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ፍቑድ ዝብል ሕጊ፥ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝምልከት ዝነበረ ሕጊ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ህሙማን ከጠቓልል ይኹን እንክብል ዘቕረቦ ሓሳብ ናይ ሲድነይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፊሸር ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 እቲ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝፈቅድ ሕጊ ገና መድሓኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝተጠቕዑ ብናጻ ፍቓድ ምስ ዝሓትቱ ኣብ ልዕሊኦም ትግብሩ ከም ዝኸውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሊቀ ጳጳሳት አንቶንይ ፊሸር፥ መግንስቲ ነቲ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝምልከት ሕጊ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ዘጠቓልል ክኸውን ዝብል ዝቐርቦ ዘሎ ሓሳብ፥ “ዝኾነ ክመውት እደሊ ንዝብል ኩሉ” እቲ ሕጊ ትግቡር ክኸውን ናብ ዝኽእል ምገዲ ዝመርሕ እዩ እንክብሉ ከም ዝነቐፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መድሃኒት ብዝተይተረኽቦ ሕማም ዝሳቐ ብፍቓዱ ስቓይ ኣልቦ ሞት ክሓትት

ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዕለት 31 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ መድሓኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝሓመመ ካብ ዝሳቐ ሞት እመርጽ ብዝብል ናጻ ፍቓዱ ካብዚ ዓለም ብሞት ክፍለ ምስ ዝሓትት፥ ብፈውሲ ዝተደገፈ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክመውት ዝፈቕድ ሕጊ ጸዲቑ ኣብ ተግባር ክውዕል ከም ዝጀመረን፥ ኩለን ዞባታት ኣውስትራሊያ እቲ ሕጊ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ህሙማን ዝምልከት ክኸውን ዝተሰማማዑሉ ጉዳይ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ነዚ ናይ ዕድመ ገደብ ናብ 14 ዓመት ዕድመ ክወርድ ዝፈቅድ ሓሳብ ይቐርብ ከምዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነዚ ናይ ሕጊ ንድፊ ዝድግፋን ነዚ ዝቐረበ ማዕቅፍ ዝመርሓ ዘለዋ ሚኒስትር ሰብኣዊ መሰላት ታራ ቸይነ፡ ብዛዕባ እቲ ንድፈ ሕጊ ኣማእኪለን ኣብ ናይ ሃገረን ዜና ማዕከናት ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፥ “ህጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም፥ ከም ኩሎም ዓበይቲ ብምኽንያት እቲ ገና መድሃንቲ ብዘይተረኽቦ ህማም ዘጋጥሞም ስቓይ ከብቕዕ፥ ካብ ዝሳቐዩ ዘይብሉ ሞት ኣብ ልዕለኦም ክፍጸም ናይ ምሕትታት መሰሎም ክሕሎ ኣለዎ” ቢለን፥ እዚ እውን ከምቲ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሕጊ ዝእዝዞ ገና መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝተጠቕዑ ናይ ምንባር ዕድሎም ካብ 6 – 12 ወርሒ ጥራሕ ንዝኾኑ ህሙማን ዝምልከት እዩ” ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

ህይወት ናይ ምልክኻል ሓላፍነት ይጠፍእ ኣሎ

መድሃኒት ብዘይተረኽበሉ ሕማም ዝተጠቕዐ ካብ ዝሳቐይ “ስቓይ ዘይብሉ ‘ጥዑም’ ሞት ምሃብ” ብዝብል ናጻ ፍቓድ ተሓጊዙ ክመዉት ዝፈቕድ ሕጊ ዘንብሮ ናይ ዕድመ ገደብ ናብ 14 ዓመት ዕድመ መንሰያት ምውራድ ዝብል  ሓሳብ በቢ ቅሩብ ሕይወት ክግበረሉ ዝግብኦ ክንክን ኮነ ሓለዋ እናጥፈአ ህይወት መከላኸሊ ዘይብሉ ኮይኑ ክተረፍ ዝድርኽ እዩ። መኪና ናይ ምዝዋር ፍቓድ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሃገር ህዝባዊ ምርጫ ትሕቲ 18 ዓመት ከም ዘይፍቀደሎምን መኪና ንምዝዋርን ድምጺ ንምሃብ እናኸልከልካ ናይ ህይወትን ሞትን ዝምልከት ውሳነ ክወስዱ ምፍቃድ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ሰብኣዊ ህይወት ምክልኻል ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 July 2023, 15:37