ድለ

2023.03.18 አፍጋኒስታውያን ስደተኛትት ብመንገዲ ናይ ገብርቲ ሰናይ ማሕበረሰብ ናብ ኢጣልያ ክአተኡ ኢዮም 2023.03.18 አፍጋኒስታውያን ስደተኛትት ብመንገዲ ናይ ገብርቲ ሰናይ ማሕበረሰብ ናብ ኢጣልያ ክአተኡ ኢዮም  (Vatican Media)

አፍጋኒስታውያን ስደተኛትት ብመንገዲ ናይ ገብርቲ ሰናይ ማሕበረሰብ ናብ ኢጣልያ ክአተኡ ኢዮም

ክሳዕ ሕጂ እዚ ናይ ገበርቲ - ሰናይ መንገድታት ልዕሊ 6,300 ስደተኛታት ማለት (ካብዚኣቶም 5,400 ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ዘለዉ) ብውሑስ መንገዲ ናብ ኣውሮጳ ንኽመጹ አኽኢሉ ኢዩ

ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ነቶም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት፣ ካብቲ አብ ሃገሮም ዘሎ ስደትን ዓመጽን ሓዲሞም ካብ ኢስላምአባድ ዝስደዱ ዘለዉ 22 አኾኑ አፍጋኒስታዊያን ስደተኛታት ሓንጐፋይ ኢሉ ንምቕባልን፣ ብውሑስን ሕጋውን መንገዲ ናብ ኢጣልያ ከም ዝአትዊ ንምግባርን ይሰናዶ ምህላዉ ተገሊጹ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ 20 ሓምለ ካብ ኣፍጋኒስታን 22 ሰባት ዝርከብዎም ጕጅለ ስደተኛታት ብመንገዲ ገበርቲ ሰናይ ማሕበረሰባት ቅዱስ ኤጂድዮን ካልኦት ማሕበራት ቤተ-ክርስትያንን ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ብምስምማዕ ብዘካይድዎ ዘልዉ ናይ ግብረ-ሰናይ ተበግሶ ናብ ሮማ ክአትዉ ኢዮም።

እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ኣብ ኢስላምአባድ ፓኪስታን ዝርከብ ዘይሕጋዊ ሰፈር ስደተኛታት አስታት ክልተ ዓመታት አሰቃቒ መነባብሮ ድሕሪ ምሕላፍ ብመንገዲ ማሕበረሰብ ግብረ ሰናይ ናብ ኢጣልያ ዝአትዉ ዘለዉ ኢያቶም።

ካብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ዓመጽ ጣሊባን ምህዳም

እዚኣቶም ካብቶም ኣብ ነሓሰ 2021 ስርዓት ጣሊባን ንሃገሮም ካብ ዝተቖጻጸራ ኣትሒዞም ናብ ፓኪስታን ዝሃደሙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣፍጋናውያን ስደታኛታት ምዃኖም ዝፍለጥ ኢዩ።

እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ንኡሳን ቀቢላታትን ሃይማኖታትን ዝወርድ ጭካነ ዝመልኦ ውግእ ብዘይምቍራጽ ስለ ዝቐጽል ዘሎ፣ ብዙሓት ከይጥረዙ ብምፍራሕ አብ ካልኦት ሃገራት ኮይኖም ዑቕባ ንምርካብን ሕጋዊ መሰል ስደተኛታትን ንመካብን ይጽበዩ ከም ዘልዉ ተፈሊጡ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ሮሜ ምስ ወረዱ ኣብ ሰለስተ ኢጣልያዊ ዞባታት (ላዚዮ ሊጉርያ ሎምባርዲ) ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክቕመጡ ምዃኖም ተፈሊጡ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣባይቲ ሕጋዊ ሓገዛትን ናይ ቋንቋ ትምህርትን ንደቆም ድማ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ  ምዝገባ ከምኡውን ናይ ስራሕ ዕድላት ዘጠቓልል ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ክነብሩ ዘኽእሎም መደባት ክግበረሎም ምዃኑ ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ዚቕጽል ቀረባ መዓልትታት ውን ካብ ኢስላምአባድ ዝመጹ አስታት 20 ስደተኛታት ክውሰኽዎም እዮም ።

መንገድታት ማሕበረ ሰብአዊ ገብርቲ ሰናይ

እዚ መንገድታት ማሕበረ ሰብአዊ ገብርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ኢጣልያ ዝርከባ ኣብያተ - ክርስትያን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ከምኡውን ምስ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻን ከምኡ ውን  ውሽጣዊ ጕዳያትን ኢጣልያ እተገብረ ስምምዕ ዝካየድ ዘሎ መደብ ግብረ ሰናይ ኢዩ ።

እዚ እማመ እዚ ብ2013 ኣብ ገማግም ላምፐዱሳ ካብ እተሰብረት መርከብ ልዕሊ 300 ስደተኛታትን ብዜሕዝን ኩነታት ምስ ሞቱ እተወስደ ስጉምቲ ኢዩ ዝነበረ።

ንመሳኪን ተነቀፍትን ሰባት ውሕስነትን ሕጋውን አብ ኣውሮጳ ንምርካብ

እዚ መንገዲ እዚ በቶም ውዱባት ማሕበረሰብ ገበርቲ ሰናይ ምሉእ ብምሉእ ዝምወልን፣ ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ጕዕዞ ስደተኛታትን ምስ እዚ ውን ንግዲ ደቂ-ሰባት ዘካይዱ ገበነኛት ዚገብርዎ ምዝመዛን ንምክልኻል ከምኡውን ንሰባት ብፍላይ ድማ "መሳኪንን ነቶም ተነቀፍቲ ሰባትን" (ግዳያት ስደትን አደዳ ውግእን ዓመጽን ዝወርዶም ዘሎ ቈልዑን ኣረጋውያን ሕሙማትን ስንኩላን) ብውሑስ መንገዲ ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝዓለመ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ መደብ እዚ ከም ዝድግፍዎን ዘተባብዕዎን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብምግላጽ፣ ብቐንዱ ድማ ሰፊሕ ዝኾነ ውሕስነት ዘለዎ መገድታት ንምድላው ከምኡውን ንስደተኛታትን ነቶም ዕቝባ ዝደልዮምን፣ ዕቝባን ውሕስነትን ንምሃብ ብሓባር ስጕምቲ ኽወሰድ ጻውዒቶም ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ።

ክሳዕ ሕጂ እዚ ናይ ግበርቲ - ሰናይ መንገድታት ልዕሊ 6,300 ስደተኛታት ማለት (ካብዚኣቶም 5,400  ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ዘለዉ) ብውሑስ መንገዲ ናብ ኣውሮጳ ንኽመጹ አኽኢሉ ኢዩ፤ ካብዚኣቶም ድማ አስታት 800 ዝዀኑ ስደተኛታ ኣፍጋኒኣውያን ከም ዝኾኑ አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

19 July 2023, 16:15