ድለ

ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ኮኒኑ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ኮኒኑ 

ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ኮኒኑ

“ኢየሩሳሌም ናይ ሓባር ቅድስቲ ከተማ ሰለስተ ሃይምኖታት ማለት ኣይሁድን ክርስትናን እስልምናን እያ”

ዋና ጸሓፊ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን መጋቤ ጀሪ ፒላይ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክስቲያን መንፈሳዊ ፍጻሜ ዝቃወም ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝፈጸመዎ ዓመጽ ዘሕደረሎም ስክፍታ ገሊጾም፡ ኢየሩሳሌም ናይተን ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ከተማ ምዃና ብምድጋፍ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መጋበርያ ሰላም እያተን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ባይቶ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ዕለት 28 ግንቦት ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተኻይደ ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፍጻሜ ዝቓወም ናይ የማን ጸንፈይና ፖለቲካዊ ርእየት ዘንጸባርቑ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝፈጸመዎ ዓመጽ ኮኒኖም፡ እዚ ተግባር እዚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ካብ ዝፍጸሙ ብርክት ዝበሉ ናይ ዘይምጽውዋርን ምግፋዕን ተግባራት ኣካል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ዓመጽ

እቲ ዝተኻየደ ፍጻመ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መናፈሻ ስነ ጥንቲ ኢየሩሳሌም ማእከል ዳቪድሰን ምስ ምዕራባዊ መንደቕን ቅዱስ ቦታ ኣይሁድ ደብረ ቤተ መቕደስን ኣብ ዝዳበው ቦታ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ወንጌላውያን ደገፊት እስራኤላውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ክርስቲያን ንጸሎት ተኣኪቦም ዝነበሩ፡ እቶም ጸንፍይናውያን ናይ የማን ፖለቲካ ሰዓብቲ ኣኽራርያን ኣይሁድ ዓመጽ ከም ዝወረዶምን ኣብቲ ግብረ ዓመጽ ናይ ርሑቕ የማናዊ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ  ራባይ ዝቪ ታኡ ናይ ማሕበር ኣተረት ክሆኒም ኣቦ መንበር ማቲያሁ ዳንናይ ኢየሩሳሌም ከተማ ከንቲባ ኣራሕ ኪንግ “ኣብ ቤተ ክርስቲያኖም ኮይኖም ይጸልዩ እምበር ኣብቲ ንኣይሁዳውያን ቅዱስ ስፍራ ክፍጽምዎ የብሎምን” ከም ዝበሉን ካብቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ዓሰርተ እውን ብሓይሊ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝእተዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብኽረርቲ ኣይሁድ ዝቐርብ ንዑቕ ናይ ጽልኢ መደረ

እቲ ዓመጽ ዝመሎኦ ተቓውሞ በቶም መኽረርቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ጸንፍይናውያን ናይ የማን ፖለቲካ ደገፍቲ ኣንጻር ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ክርስቲያን ዘካይድዎ ስርዓት ኣምልኾን ስግደትን ንዕቀት ዝለምልኦ ናይ ጽልኢ መግለጺ ምዃኑ” ዋና ጸሓፊ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን መጋቤ ጀሪ ፒላይ ነቲ ዕለት ዕለት 27 ግንቦት ዝተፈጸመ ጸረ ክርስቲያን ተግባር ኮኒኖም፥ “ኢየሩሳሌም ናይ ሓባር ቅድስቲ ከተማ ሰለስተ ሃይምኖታት ማለት ኣይሁድን ክርስትናን እስልምናን እያ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ከምዚ ዝኣመሰለ ጸረ ክስቲያን ተግባር፡ ዓመጽ ዘስፍሕ ማሕበርዊ ናብራ ዝዝርግ እዩ ቢሎም፥ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ኢየሩሳሌም መሰል ኩሉ ህዝቢ ኣብ ቅድስቲ መድሪ ዝኽበረላ ከተማ ክትከውን ኣለዋ” ከም ዝበሉን ናይ እስራኤል ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ነቲ ተቓውሞ ብግልጺ እኳ እንተዘጠቐስዎ፥ “ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ይኹን ምግሃስ ናጽነት ሃይማኖትን ኣምልኾን ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ሃይማኖት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹም ዓመጽ” ከም ዝኾነኑ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ትሒት እናወሰኸ ዝኸይድ መጥቓዕቲ

ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከባ ኣቢያት ክርስቲያን ብጸንፈይና ባእታታት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቓዕትን ምግፋዕን ከምኡ እውን ኣብ ህላወ ክርስቲያን ኣብቲ ዞባ ዘስዕቦ ከቢድ ሓደጋታት ብተደጋጋሚ ስክፍታአን ይገልጻ ከም ዘለዋን፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ንብረት ክርስቲያንን ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ብጀካ እቲ ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝግበር ኣካላዊ መጥቃዕትን ጸርፍን ኣብዚ ቀረባ እዋን ስሩዕ ተርእዮ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣብ ታሪኽ እስራኤል እቲ ዝበዝሐ የማናዊ ኣኽራሪ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ካብ ዝደይብ ዝፍጸም ከም ዝኾነን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፍልስጥኤማውያን ኣል ናክባ -  ጸኣት ፍልስጥኤማውን ኣብ ዝዘከሩሉ ዕለት 15 ግንቦት ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምድጋፍ ሓለዋ ኩሎም ማሕበረሰባትን ቅዱሳት ቦታታትን  ብመሰረት ሕጊ ህልዊ ኹኔታ ኣብ ምዕቃብን ምኽባርን ክተግሁ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

01 June 2023, 16:24