ድለ

ኣብ ፍሎሪዳ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ፍሎሪዳ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 

ኣብ ፍሎሪዳ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ ፒየር፥ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ቀጻሊ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ክነጥፉ ኣተባቢዖም

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባኦም ኣብ ከተማ ፍሎሪዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣገዳስነት ርክብን ምስማዕን ተልእኾን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘስምዕዎ መደረ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ፍሎሪዳ ዕለት 15 ሰነ ተበጊሱ ዕለት 16 ሰነ ከም እተዛዘመን፡ እቲ ብፍሉይ ሊጡርጊያን ስረተ ትምህርትን ባህላዊ ብዙሕነትን ካልእን ኣተኩይሩ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ቤት ምኽሪ ንኡሳን ሽማግለ ኣብ ዘቕረብዎ ብርክት ዝበሉ ናይ ዕዮ ነጥብታት ድምጺ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ መደረ

ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ ፒየር፥ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ቀጻሊ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ክነጥፉ ኣተባቢዖም፥ ነዚ መስርሕ እዚ ዝኸውን ድማ ሰለስተ መገድታት ከም ዘመላኸቱን፥

ብቐዳምነት “ንኽትፋለጥን ክትረዳዳእን ቢልካ ምርኻብ” ቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን “ናብ ዓለም ዝተላእከት” እያ፡ ነቲ ዝተቐበለቶ ተልእኾ ሒዛ ድማ ናብ ዓለም ትኸይድ፥ ነቲ ድሮ እንፈልጦ ነገራት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሓቂ እንታይ ከም ዘሎ ንምርካብ ገዛእ ርእሳ ከፊታ ብግልጺ ክትጽዕር ኣለዋ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፥ ኣስዒቦም፥ “ንዕላማ ሓድነት ምስማዕ” ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ “ነቲ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ንምስናፍ ማለት ንሓሳባዊ ውልትውና ናብ ሓደ ንምምጻእ ንሓድሕድና ንኽንሰምዕ ብሓባር ንኽንዓዪ ከምኡ እውን ብሓባር ኴንና “ኣብ ትሕትን ምስን ጴጤጥሮስ ንኽምነላለስ ክንመሃር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ቅዱስ ቝርባን ከም ተልእኾ ምንባር ከም ዘድሊ ገሊጾም፥ ነቲ ኣብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝክየድ ዘሎ ቀጻሊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ተሓድሶ ጠቒሶም፥ እቲ መስርሕ ብሓቂ ዕዉት ዝኸውን “እቶም ምእመናን እቲ ዝቕበልዎ ቅዱስ ቁርባን ተልእኾ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ እንተፈሊጦም ጥራይ እዩ - እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ክርስቶስ ናብቲ ንጐይታ ዘይፈልጥ ህዝቢ ከብጽሑ ዝኽእሉ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ቅዱስ ቁርባንን ተልእኾን ዘለዎ ስሙር ጥምረት ብሰፊሕ ብዘብርሕ ሓሳብ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

17 June 2023, 15:37