ድለ

ኡጋንዳ፥ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት መደብር ተለቪዥን ኣበጊሱ ኡጋንዳ፥ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት መደብር ተለቪዥን ኣበጊሱ 

ኡጋንዳ፥ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት መደብር ተለቪዥን ኣበጊሱ

እዛ ሓዳስ ተለቪዥን ብኸፊል ንሓድሽ ኣገባባት ልምዓትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ምላሽ ከም ዝኾነ

እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ፈነወ ፈተና ዘካየደ ናይ ኡጋንዳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት መደብር ተለቪዥን ለምዘበን ኣብ ክብረ በዓል ሰማእታት ኡጋንዳ ብወግዒ ተመሪቑ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ኣገልግሎት ተለቪዥን እዚ ዜናታትን ስብከተ ወንጌልን ቀጥታዊ ጳጳሳዊ ፍጻሜታትን ናይ ህንጸትን መደባት ዘጠቓልል ኮይኑ ንኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልን ዘነቓቕሕን ንናይ ሰብኣዊ ክቡር ኣስተንፍሶ ዘቃልሕን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናብ ሰፊሕ ተዓዛቢ ምብጻሕ

ኣብ ክብረ በዓል ሰማእታት ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ናይ ኪዪንዳ ሚታያን ጳጳስን ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቡጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣንቶኒ ዝዚዋ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እዛ ሓዳስ ተለቪዥን ብኸፊል ንሓድሽ ኣገባባት ልምዓትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ምላሽ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፥ ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ጉዳያት ሽማግለ ኣቦ መንበ ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ተለቭዥን ኣካየድቲ ስራሕ ሓላፍን ብጹዕ ኣቡነ ጁሰፐ ፍራንዘሊ እቲ ሓድሽ መደብር ተለቭዥን ዘላቕነቱ ውሑስ ንምግባር ኣብ ፈነወ ልልያ ንግዳዊ ፍርያት እውን ዝዋፈር ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ብተወሳኺ ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ኣገዳስነት መራኸቢ ብዙሓን ዕሽሽ ክትብሎ ከም ዘይትኽእል ገሊጾም፡ ከም ተለቪዥን ዝኣመሰሉ መድርኻት መራኸቢ ብዙሓን ንውጽኢታዊ ምብጻሕን ምስ ሰፊሕ ተዓዛቢ ንምትእስሳርን ወሳኒ ምዃኑ ከም ዘሰምሩሉ ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ኩሎም ኡጋንዳውያን ዘራኽብ ትሕዝቶ

እቲ ናይታ ተለቭዥን ውጥናት ኣካያዲ ስራሕ ኣባ ፊሊፕ ኦዲ እቲ ናይቲ መደብር ተለቪዥን መርሓ ግብርታቱን ትሕዝቶኡን እንኮላይ ንማሕበራውን ዕቤቱን ካልእ ድሌታትን ዝምልከት ቃለ መሕትት ኣቢሉ ምስ ተዓዘብቲ ጥብቂ ርክብ ከምስርት ከም ዝደሊ ገሊጾም፥ እዚ ኣብ ንሳምቢያ ዋና መደብሩ ዝገብረ ተለዥን ብጹዓን ጳጳስት ኡጋንዳ፡ ኣብ ምባራራን ቶሮሮን ጉሉን ሊራን ብዝርከብ ንኡሳን መደበራት ዝድገፍ ኮይኑ፡ እዘን ንኡሳን መደበራት እዚኣተን ካብ እተፍላለየ ዞባታት ናይታ ሃገር ትሕዝቶ ዝእክባ ኮይነን፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍጻሜታት ናይ ምቕራብ በዓል መሰል ብዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓንን ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓንን ፍቓድ ከም እተወሃቦን፡

መንግስቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይንእድ

ኣብቲ ምጅማር ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት መደብር ተለቪዥን ዕዱም ዝነበሩ ናይታ ሃገር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይን ሃገራውን መምሪሒ ኡጋንዳ ሚኒስትር ክሪስ ባሪዮሙንሲ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንኢዶም፥ ካቶሊካዊ መደብር ተለቭዥን ኡጋንዳ ንኡጋንዳ ዘይተኣደነ ክቡር ዋጋ ዘምጽእን ዝውስኽን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

10 June 2023, 16:29