ድለ

ማርኮ ሩፕኒክ ካብ ኢየሱሳውያን ማሕበር ይስጎጉ ማርኮ ሩፕኒክ ካብ ኢየሱሳውያን ማሕበር ይስጎጉ  (Carlo Dani)

ማርኮ ሩፕኒክ ካብ ኢየሱሳውያን ማሕበር ይስጎጉ

ኣባ ቨርሹርት ይብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ማርኮ ሩፕኒክ ነቲ ካብ ማሕበሮም ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ብተደጋጋሚ ከም ዘይቅበልዎ ድሕሪ ምግላጾም፡ እቲ ጉዳዮም ዝከታተል ኣካል ዝተረፎ ሓደ መፍትሒ ኮይኑ

እቶም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝነበሩ ስነ ጥበባዊ - ናይ ስነ ቅብኢ ሊቅን ሰባኬን ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ገዳማውያት ኣሃት ጾታውን ስነ ኣእምሮኣውን ዓመጽ ፈጺሞም ዝብል ዝቐረበሎም ክሲ ስዒቡ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብይን ክሳብ ዘመሓላልፍ “ማሕበረሰብን ክቕይሩን ኣብ ጽሞናን ጸሎትን ክጽመዱ ዝብል” ካብ ማሕበሮም ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ኣይቅበልን ብምባሎም ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን “ስጉግ” ዝብል ውሳኔ ዕለት 14 ሰነ ከም እተመሓላለፈን ንሶም እውን ናይ ይግባይ ሕቶ ከቕርቡ ናይ 30 መዓልታት ዕድል ከም እተወሃቦም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ገዳማውያት ኣሓት ስነ ኣእምሮኣውን ጾታውን ዓመጽ ፈጺሞም ብዝብል ገበን ዝተኸሱ ፍሉጥ ስነ ጥበባውን ናይ ስነ ቅብኢ ሊቅ ሰባኬን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ ካብቲ ኣባል ዝኾኑሉ ማሕበር ኢየሱሳውያን ከም እስተሰጒ ኣብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝሰፈረ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኣባ ዮሓን ቨርሹረን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓፈሻዊ ባይቶ ኣባልን ኣብ መንጎ ናይ ዞባውያን ቤተ ተልእኾ ማሕበር ኢየሱሳውያን ውስጠ ርክባትን ዕዮን ማሕበር ኣብ ሮማ ልኡኽ ፥ “እቲ ስጉግ” ዝብል ውሳኔ ብመሰረት ሕገ ቀኖና ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ ድማ ጠንቂ ናይ ተኣዝዞ ማሕላ ናይ ዘይምኽባሮም እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣባ ቨርሹርት ይብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ማርኮ ሩፕኒክ ነቲ ካብ ማሕበሮም ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ብተደጋጋሚ ከም ዘይቅበልዎ ድሕሪ ምግላጾም፡ እቲ ጉዳዮም ዝከታተል ኣካል ዝተረፎ ሓደ መፍትሒ ኮይኑ ድማ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ክለቁ” ዝብል እዩ፡ ስለዚ ዕለት 14 ሰነ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ስጉግ ዝብል ውሳኔ ብጽሑፍ ከም እተለኣኸሎምን ናይ ይግባይ ሕቶኦም ከቕርቡ ናይ 30 መዓልታት ዕድል እውን ከም ዘለዎም እቲ መግለጺ ኣመላኺቱ፥ “ኣባ ማርኮ ሩፕኒክ ካብ ማሕበር ምልቃቖም ውዱእ እንተኾይኑን ምስ ኮነን ዝያዳ ነገራት ምፍላጥ ዝከኣል እዩ፡ “ኣብዚ መሪር ጉዳይ እዚ ንዝተገብረ ዘተን ደገፍን ምስጋናኦም” ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ወግዓዊ መርበብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

17 June 2023, 15:35