ድለ

እንግሊዘይና ቋንቋ ተጠቀምቲ ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ብሓጎስ ይቕበሉ እንግሊዘይና ቋንቋ ተጠቀምቲ ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ብሓጎስ ይቕበሉ 

እንግሊዘይና ቋንቋ ተጠቀምቲ ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ብሓጎስ ይቕበሉ

ብጹዕ ካርዲናል ግረች ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምስማዕ ንጉስነታዊ ዕዮ ጳጳሳት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይኣትው ምፍራሕ ኣየድልን”

ኣብ መላእ ዓለም ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ዝመጽእ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ንዘካይዶ ዘተ ዝመርሕ ዕለት ዕለት 20 ሰነ ብወግዒ ዝቐረበ “Intrumentum laboris – ናይ ዕዮ ሰነድ” ብሓጎስ ይቕበልዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ኣውስትራሊያ ካናዳ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዝጅምር ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ “መዛተይ ሰነድ” ብሓጎስ ከም እተቐበልዎን ከምቲ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ነቲ ሰነድ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ዝገለጽዎ፥ እቲ “መዛተዪ ሰነድ” ፍረ ናይቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝተበገሰ ቀዳማይ፥ “ናይ ምስማዕ ምዕራፍ ሲኖዶስ እዩ።” ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ “መበገሲ” ዝብል ንኻልኣይ ምዕራፍ ሲኖዶስ ዝዓለመ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ዘማእከለ ክኸውን እዩ።

ብጹዕ ካርዲናል ግረች ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምስማዕ ንጉስነታዊ ዕዮ ጳጳሳት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይኣትው ምፍራሕ ኣየድልን” ከም ዝበሉን፡ “ብኣንጻሩ መስርሕ ሲኖዶስ ንጳጳሳት ከም ጓሶት ኣብያተ ክርስቲያን ከም ኣባላት ናይተን ናይቲ ምምኽኻር ኣበርክቶ ብጥንቃቔ ንምፍላጥ ዝተጸውዓ ጉባእያውያን ኣካላት ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት መሊሱሎም እዩ።”

መልሲ ጳጳሳት

ሕትመት “ናይ ዕዮ ሰነድ” ኣብ ኣመሪካ ብናይ ብራውንስቪል ተክሳስ ጳጳስ ዳኒኤል ፍሎረስ ብሓጎስ ተቐባልነት ረኺቡ፡ እቲ ሰነድ ንህዝበ እግዚኣብሔር ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እንታይነት ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተማህርናዮን ነዚ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ክንሓቁፎ ከም እንኽእልን ከስተንትንዎ ዘኽእል ዘደንቕ ዕድል እዩ፡  ኩሉ ሰብ ነዚ ኣገዳሲ ሰነድ ብመንጽር እቲ ካብ ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ዝተረኽበ ምስትውዓል፡ ከንብቦን ክጽልዮን ክዛተየሉን ጽውዒት የቕርቡ።

ናይ ኣውስትራሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቴዎስ ኮስተሎ፥ እቲ ሕታም ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ “ኣዚዩ ትርጉም ዘለዎ ምዕራፍ” ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ “ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ቀጻሊ ምስትውዓልን ምስ ኩሉ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለም ለኻዊ ምምኽኻር ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ቀጻሊ ምስትውዓልን ተጸሚድካ ንምጽናሕ ዕድመን ዕድልን እዩ ዝውክል” ይብሉ።

ጳጳሳት ካናዳ ንሕትመት “ናይ ዕዮ ሰነድ” ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ነቲ ሰነድ ብሓጎስ ከም እተቐብልዎን፡ እቲ ሰነድ “ከም መርገጺ መግለጺ ወይ ንፍሉያት ሕቶታት መፍትሒ ዘይኮነስ ከም መሳርሒ ዝስትውዓል እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ንዅሎም ካቶሊካውያን “ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኣቦ ኩላትና ከኽብሩ ምእንቲ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጅምር ሲኖዶስ ዕውትነት ክጽልዩ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

22 June 2023, 15:49