ድለ

ተመዛበልቲ መንእሰያት ኣብ ርእሰ ሰበኻ ባንጋሎር ምጽንናዕ ይረኽቡ ተመዛበልቲ መንእሰያት ኣብ ርእሰ ሰበኻ ባንጋሎር ምጽንናዕ ይረኽቡ 

ተመዛበልቲ መንእሰያት ኣብ ርእሰ ሰበኻ ባንጋሎር ምጽንናዕ ይረኽቡ

መንእሰያት ንምድጋፍን ውሑስ መዕቆቢ ንምሃብ ንጡፍ ስጉምታት ከም ዝወሰደን ትምህርቲ መጽለልን ስራሕ ናይ ምርካብን ሓገዝ የቕርብ

ኣብ ህንዲ ደቡባዊ ግዝኣ ካርማታካ ማእከል ከተማ ናይ ዝኾነት ባንጋሎረ ርእሰ ሰበኻ ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓሌታዊ ወጥርን ዓመጽን ንዝተምዘበሉ ተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተይናታት መእለይን መደብ ሓገዝን የሳልጥ ምህላዉን እዞም ተመዛበልቲ መንእሰያት ኣብ ባንጋሎረ ዘገልግሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጀምስ ባይፓይ ይመሓደሩ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ባንጋሎረ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ፔተር ማቻዶ፥ እቶም መንእሰያት ሓገዝ ከም ዘድልዮም ምስ ሰምዑ ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ የቕርቡ ከምዘለዉን ኣብ ርእሰ ሰበኻ ባንጋሎረ ኣብ ዝርከባ ናይ ሃገረ ሰበኻታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትካላት ኣብ ዝኾና ኣቢያተ ትምህርቲ ብናጻ ክመሃሩን ከምኡ እውን ዘድልዮም መሳለጥያታት ክወሃቦም ከም ዝገበሩን ነቶም ካብ ማኒፑር ገዛእ ርእሶም ካብ ዓሌታዊ ወጥሪ ንኸድሕኑ ዝተመዛበሉ ህዝቢ ማኒፑር ምሉእ ሓገዞም እውን ገሊጾም መላእ ርእሰ ሰበኻኦም ነቶም ዝመዛበሉ ንምሕጋዝ ድልውነቶም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማኒፑር ኣብ ዘለዉ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ትካላትን ንመጥቓዕቲ ተቓላዕቲ ስለ ዝኾኑ ንብዙሓት ውሑስ ናብ ዝኾነሉን ገሊኣቶም ናብ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ዘለዎን ባንጋሎረ የግዕዙ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ሰበኻ ባንጋሎር ብሓፈሻኡ ነቶም ካብ ማኒፑር ዝመዛበሉ መንእሰያት ንምድጋፍን ውሑስ መዕቆቢ ንምሃብ ንጡፍ ስጉምታት ከም ዝወሰደን ትምህርቲ መጽለልን ስራሕ ናይ ምርካብን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎን የመላኽት።

15 June 2023, 15:53