ድለ

ጳጳሳት ደ.ረ.ኮንጎ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናጻን ግልጽን ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ይጽውዑ ጳጳሳት ደ.ረ.ኮንጎ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናጻን ግልጽን ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ይጽውዑ 

ጳጳሳት ደ.ረ.ኮንጎ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናጻን ግልጽን ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ይጽውዑ

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣርኣእያ ዘይቅብሉን ከም ጸላእቲ ዝቖጽርዎ ብዓመጽ ዘጥቅዑን ፖለቲካዊ ኣኽራርነትን ዘይምጽውዋርን ዝኣመሰሉ ጸገማት የስፍሕ ኣሎ”

ኣቡናት ደሞካሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዝሳተፉ፡ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ዜጋታት፡ ንመጻኢ ናይታ ሃገር ዝጠቅም ሓቀይናን ብቑዓትን ሕጹያት ብሓላፍነት ክመርጹ ጻውዒት ዘቕረብሉ መግለጺ ወግዓዊ ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ሓፈሻዊ ምርጫ ንኸተካይድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ጳጳሳት እታ ሃገር ዜጋታት ኮንጎ ንብቕዓትን ግብረ ገባዊ ቅንዕናን ዓብይ ግምት ብምሃብ ከድምጹ፡ ከምኡ እውን በዚ መሰረት ድምጺ ክህቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እቲ  ዕለት 20 ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ዜጋታት ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ኣባላት ባይቶን ኣባላት ዞባዊ ባይቶን ናይ ንኡስ ዞባታት ባይቶን ክመርጹ እዮም፥

ተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ቅልውላው

ኣባላት ሃገራዊ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ኮንጎ - ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዝዛም መበል 60 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ሃውት - ካታንጋ ሉቡምባሺ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ካብ 1960 ዓ.ም. ናጽነታ ጀሚራ ምስ ሕጋውነት ትካላታን ኣመራርሓኣን ብዝምልከት ምስ ዝፍጠሩ ክትዓት ዝተኣሳሰሩ ተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዓ ከም ዝጸንሐት ኣዘኻኺሮም፥ ምርግጋእን ሰናይ ህይወትን ህዝቢ ኮንጎ “ኣብ ናይ ብሓቂ ናጻን ንኹሉ ዝሓቁፍ ግሉጽን ሰላማውን ምርጫ እዩ ዝምርኮስ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስክፍታ ብዛዕባ ዕጡቓት ጉጅለታት

ብጹዓን ጳጳሳት ኮንጎ፥ ኣብታ ብግጭት ዝተዋሕጠት ሃገር ሰላም ንምምላስ መንግስቲ ኮንጎ ዝገብሮ ዘሎ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተበግስቶታት ኣፍልጦ ሂቦም፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢ እታ ሃገር እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይውሕስነት ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም፥ እቲ ኤም - 23 ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ንይህወትን መነባብሮን ሚሊዮናት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእትወሉ ምብራቓዊ ዞታ ዘኪሮም፡ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራባዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንደሞክራስን ማሕበራዊ ምዕባለን ጥምረት እተሰምየ ፍልዩ ብርጌድ ጨንፈር ናይቲ ገዛኢ ፖለቲካዊ ውድብ ዝኾነ፥ ሓድሓደ ግዜ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካ ኣባላትን ነቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ዝነቕፉ ግዱሳት ዜጋታት ዝፍጽሞ ሃድን ዘሰክፎም ከም ዝኾነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ፖለቲካዊ ውልትውና

ብድሆታት ጸጥታ ጎኒ ጎኒ “ምብዛሕ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ . . . ኣብ ጸጥታን ሃገራዊ ምትእስሳርን ዝሃብዎ ለበዋታት ግምት ዘይግብረሉ ብምዃኑ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፡ “ህዝቢ ኮንጎ ሰላም ፍትሒ ማዕርነት ይደሊ፡ በዚ ድማ ንምዕባለ ሃገሩ ክዓዪ እዩ ዝደሊ . . . ብተወሳኺ ኣብ ፖለቲካዊ መድርኽ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ሓደገይና ውልትውናን ከም ዘሕዘኖምን እዚ ድማ ምስቲ ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ትሺሰከዲ ኣብ መጀመርታ ስልጣኖም ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝሃብዎ እወታዊ ምልክታት ዝጻረር” ምዃኑ ሓቢሮም፥ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት እቲ መልእኽቲ “ዘሕዝን ምንቁልቋል” ፖለቲካዊ ሃዋህው “ብዓመጽ ዓፈና ሰልፍታት ተቓወምቲ፡ ምድራት ናጽነት ምንቅስቓስ ተቓወምቲ፡ ፍተነታት ምህንዳስ ኣድልዎ ዝመልኦ ሕግታት መጋበርያ ፍትሒ ምግባርን ኢደወነናዊ ማእሰርትን ዝልለ እዩ” እንክብሉ ምረቶም ግለጾም፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣርኣእያ ዘይቅብሉን ከም ጸላእቲ ዝቖጽርዎ ብዓመጽ ዘጥቅዑን ፖለቲካዊ ኣኽራርነትን ዘይምጽውዋርን ዝኣመሰሉ ጸገማት የስፍሕ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሓላፍነትን ንቕሓትን

ኣብዚ ጽንኩር ኩነታት እዚ እቶም ጳጳሳት ኣብ ዝመጽእ ምርጫ መራጺ ህዝቢ ብሓላፍነት ክዋሳእ ሓቲቶም እዚ ድማ ንመጻኢ ሃገር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓፈሻዊ ምርጫ፥ ዜጋታት “መራሕቲ ሃገርን ብጽቡቕ ዘገልገላ ትካላት እምነትና ከነሐድስ ግን ከኣ ንረብሓታቶም ብምግልጋል ብጌጋ ዘመሓደሩ እገዳ ክንገብር” ዕድል ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም፥ እቶም ሕጹያት ተመረጽቲ “ንዕላማዊ መዐቀንታት ብቕዓትን ግብረ ገባዊ ቅንዕናን” ቀዳምነት ክህብሉ፥ መራጺ ህዝቢ ካብ ቀቢላውን ነቶም ወገነይ ወገንካን ብላዕን ዝኽተሉ ከምኡ እውን ንውልቃዊ ረብሓታት ንምስዓብ ፖለቲካዊ መትከላቶም ካብ ዝቐያይሩ ክጥንቀቑ ሓደራ ቢሎም፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝሓለፈ ምርጫታት ዘጋጠመ ዘሕዝን ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታው . . . ዜጋታት ኮንጎ ንቑሓት ክኾኑን ኣብ ናቑጣ ምርጫ ድምጾም ክሕልዉን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግሉጽነት

እቲ ዝካየድ ምርጫ ዘውህቦ ውጽኢት ክኽበርን እቲ ናይ ምርጫን ድምጺ ህዝቢ ተቖጻጻሪ ናጻ ሽማግለ ብመሰረት ድምጺ ሰዓርን ተሳዓርን ኣብ ናይ ምሕባር ሓላፍነቱ ብግብኡ ከተግብርን ከምቲ ዝሓለፉ ምርጫታት ዘስዕቦ ዝነበረ ምስሕሓባት ከወግድ ዘኽእል ግሉጽነት ከቐድም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብ ቆጸራን ደሓር እውን ስዓርን ንምግላጽ ዝግበር ኣሰራርሐ ውሕስነት ዘለዎ ክኸውንን ኣብ መንጎ ሕጹያት ተመረጽቲ እቲ ናጻ ናይ ምርጫ ተቖጻጻሪ ኣካል ዝህቦ ውሳኔ ከኽብሩን ኣብ ሉኣላውነት ሕጊ ክኣምኑን ካልእ ሓድሽ ምስሕሓብ ከሀሉ ካብ ዝኽእል ንህዝብን ሃገርን ካብ ዘይጠቅም ተግባራት ክቑጠቡ ተላብዮም፥ ዘይሰማማዕሉ ጉዳይ እንተሎ ንዝምልከት ላዕለዋይ ፍርዲ ኣቤት ክብሉን ኩሉ ብሕጋዊ መገዲ መልሲ ክረክብ ዝብል ሰላማዊ መገዲ ክስዕቡ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 June 2023, 16:23