ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ሎሪ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ድልድል ሃናጺ እዩ! ሊቀ ጳጳሳት ሎሪ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ድልድል ሃናጺ እዩ! 

ሊቀ ጳጳሳት ሎሪ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ድልድል ሃናጺ እዩ!

ብጹዕነቶም፥ “ኣብዛ እናዐበየት ትኸይድ ዘላ ብዛዕባ ርእሳውነት ምትኳርን ምግምማዕን መለለይኣ ዝኾነት ዓለም ኣገዳስ ተልእኾ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ልዑል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም

ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ባልቲሞር ካብ ዕለት 7 – 9 ሰነ ምክያዱ ክሕበር እንከሎ፥ ናይታ እቲ ዓውደ ኣኼባ ዘአንገደት ከተማ ባልቲሞር ሊቀ ጳጳሳት ዊሊያም ሎሪ፥ “ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ካብ ጸሎት ብዝምንጭው ሓይሊ ኣቢለን ኣብቲ እናወልተወ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ድልድል ዝሃንጻ ክኾና ኣለወን” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዋዕላ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ረቡዕ ዕለት 7 ሰነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት መሪላንድ ከተማ ባልቲሞር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ሩፊኒ ብዘስምዕዎ መደረ ተበጊሱ፡ ዕለት 9 ሰነ ከም እተዛዘመን፡ ብጹዕ ኣቡነ ዊሊያም ሎሪ ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን መንነተን ዓቂበን ኣብቲ እናተገማምዐ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ዘራኽብ ድልድል ናይ ምዃን ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለወን የዘኻኽሩ።

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንግዜ የብርህ

ብጹዕነቶም፥ “ኣብዛ እናዐበየት ትኸይድ ዘላ ብዛዕባ ርእሳውነት ምትኳርን ምግምማዕን መለለይኣ ዝኾነት ዓለም ኣገዳስ ተልእኾ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ልዑል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን መጋበርያ ስብከተ ወንጌል፡ ብስራት ዘካፍልን ሓቅን ሰናይን ጽባቐን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመሓላልፍ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሰብ ሞያ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን “ንህዝብን ፍጻሜታትን ዘመንና ብርሃን ናይ ምቕራብ ተልእኾ ዘለዎን ከምኡ እውን ንሰባት ዝሕግዝ፥ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዘተባብዕ፥ ኩነታት ዓለም ብመንጽር ወንጌል ናይ ምንባብ ሓላፍነት” ዘለዎ እውን ምዃኑ የመላኽቱ።

ጸሎት ንዕዮታትና ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ

እዞም ናይቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ብቑጠባ ልዑል ሓገዝ ናይ ዝገብር ኮሎምቦስ ፈረሰይናታት ማሕበር ዓቢይ ኣበ ነፍስ ዝኾኑ፥ ኣብ ውዳቤ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃ፥ “ንነፍሲ ወከፍና እውን ቀዳምነት ዘለዎ ጉዳይ ጸሎት እዩ፡ ምስ ጐይታ ምዝራብ፡ ጐይታ ብመንፈስ ቅዱስ ክመልኣና ብቐጻሊ ምልማንን መጋበርያ ብስራት ምዃንና ከይሰሓትና ናይ ክርስቶስ ብርሃንን ሓቅን ከነስፍሕ ዝተጸዋዕና ምዃንና ርግጸይና ካብ ምዃን ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ፡” ስለዚ “ክርስቶስ ዘማእከለ እዩ” ኢሎም።

ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝጸንዐ መራኸቢ ድልድል ምህናጽ

ኣገዳሲ ካልእ ረቛሒ ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታት “ዝምድናታት ምህናጽ” ዝብል እዩ፡ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን ሰራሕተይናታት ምስ መራሕቲ ርእይቶን ዓለማውያን መራኸቢ ብዙሓንን ዝምድና ክሃንጹ ዓዲሞም፥ እዚ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ዓለማውያንን መራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ምትእስሳር ሓድሓደ ግዜ በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ገሊጾም፥ “እንተኾነ ግን እቲ ድልድላት ምህናጽ ዝብል ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣገልግሎት ኣብ ዝኾነ ይኹን በዳሂ ኩነት እውን ከይተረፈ ቀጻሊ እዩ። ፈጺመን ክስሕቶኦ የብለንን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 June 2023, 16:26