ድለ

ግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ሓደ ሃገር ግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ሓደ ሃገር  (AFP or licensors)

ግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ሓደ ሃገር

ኣብቲ በቢ ክልተ ዓመት ዝወጽእ ጸብጻብ፥ 28 ሃገራት ካብኣተን ድማ 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከበኦ ሃይማኖታዊ ኣሳዶ ብሰፊሕ ዝፍጸመለን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ 33 ሃገራት ድማ ሃይማኖታዊ ኣድልዎ ከምዝፍጸምን

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ዘውጸኦ መበል 16 ክልተ ዓመታዊ ጸብጻብ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፥ 4.9 ቢሊዮን ሰባት ኣብተን ናይ ሃይማ ኖት ናጽነት ዝገሃሰለን ወይ ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዓለን ሃገራት ዝነብር ምዃኑ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 22 ሰነ ኣብ ሮማ ብወግዒ ንንባብ ዝቐረበ ጸብጻብ 2023 ዓ.ም. ህልዉ ኩነታት ዓለም፥ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትን ጸረ ለውጢ ሕግታትን ቈጠባዊ ቅልውላውን ምትላል ሕዝባዊ ምርጫታትን ግጭታትን ዝፍጸመሉ ወጥርን ግምት ዝሃበ ኮይኑ፡ እዚ ሃዋሁ እዚ እውን እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ኣመላኺቱ፥ ልዕሊ 4.9 ቢሊዮን ሰባት ንግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝተቓልዐ ምዃኑን . . . ይሕብር።

ሰለስተ ምድብ

ኣብቲ በቢ ክልተ ዓመት ዝወጽእ ጸብጻብ፥ 28 ሃገራት ካብኣተን ድማ 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከበኦ ሃይማኖታዊ ኣሳዶ ብሰፊሕ ዝፍጸመለን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ 33 ሃገራት ድማ ሃይማኖታዊ ኣድልዎ ከምዝፍጸምን  ብሳልሳይ ደረጃ ሃይማኖታዊ ምጽውዋር ዘይረኣየለን ሃገራት ብዝርዝር ከቕርብ እንከሎ፥

ኣልቦ ግቡእ መቕጻዕቲ

መንግስታት ኣካታዒ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝድርት ወይ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ኣድልዎ ዝገብር ኣካታዒ እማመታት ዘረጋግጹን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝፍጸም ዓመጽ ከም ንብሩ ምርኣይን . . . ዝኣመሰሉን ካልኦት ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እውን ብሕጊ መልሲ ከም ዘይህቡን ተሓተትቲ ንፍርዲ ዘየቕርብሉ ኩነታት እውን ከምዘሎን ኣብ ናይጀርያን ኒካራጓን ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያንት ምእመናን ዝፍጸም ዓመጽን ኣሳዶን ከምኡ እውን ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ኢራንን ምያንማርን ሞዛምቢክን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ማሊን ቡርኪናፋሶን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸም ኣሳዶን ኣብ ኤውሮጳ ጸረ ሴማውነት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ብዝርዝር የመላኽት።

23 June 2023, 16:33