ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.750.422.jpeg

ር.ሊ.ጳ. ብመንሽሮ ንዝተጠቕዑ ህጻናት ፖላንድ፥ እግዚኣብሔር የፍቀኩምን ኣብ ጎንኽምን እዩ!

“ኣብ ህይወትና ክንደይ ሳዕ ኢና ንቅድሚት ንኽንብል ዘኽእለና ብርታዐ ዘይብሎም ኮይና ንርከብ፡ ኢየሱስ ግን ኩሉ ሳዕ ኣብ ጥቓና እዩ። “ንቕድሚት ኪድ ኣነ ምሳኻ ኣሎኹ” ይብለና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ግንቦት ብኣለይቲ ህሙማንን ወለዶምን ንዝተሰነዩ ኣብ ሕክምና ጸረ መንሽሮ ዝርከቡ ሕጻናት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ኢየሱስን ማርያምን ወትሩ ኣብ ጎኖም ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሮም፥ “እግዚኣብሔር የፍቅረኩም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኢየሱስ ተስፋ ክህበና ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንና እዩ፡ ኩሉ ግዜ ዋላ ኣብ ህሞታት ሕማም ዋላ ኣብቲ ኣዚዩ መሪር ህሞት ዋላ ኣብቲ ኣዚዩ ከቢድ ህሞታት ጎይታ ኣብኡ ኣሎ!” ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ምትብባዕን ደገፍን ቃላት ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ብሕማም መንሽሮ ንዝተጠቕዑ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ቤት ህኽምና ናይ ስነ ጥረ ሰብነት ውሮክላው ዝመጹ 53 ሕጻናት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ መጸናንዒ ቃል ክኸውን እንከሎ፥

ኢየሱስ የፍቅረኩምን ምስክርነትኩም ድማ የድልዮ

ቅዱስነቶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ጽርሓ ተቐቢሎም፥ “ምስ ሕማም ምንባርን ምምስጋንን ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ “ኣብ ህይወትና ክንደይ ሳዕ ኢና ንቅድሚት ንኽንብል ዘኽእለና ብርታዐ ዘይብሎም ኮይና ንርከብ፡ ኢየሱስ ግን ኩሉ ሳዕ ኣብ ጥቓና እዩ። “ንቕድሚት ኪድ ኣነ ምሳኻ ኣሎኹ” ይብለና። ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓለምን ሃዋርያት ፍቕሪ ኣምላክ ክኾኑ ኣተባበዖም። ኢየሱስ እውን ነዚ ምስክርነት እዚ ካባኹም ዝደልዮ እዩ” ምስ በሉ፥ ማርያም “ጽምዋ ክስምዓናን እተጠንጠንና ኮይኑ ክስምዓና እንከሎ ብፍላይ ከቢድ ህማም ምስ እንጻወር ኩሉ ሳዕ ቀረባና” ምዃና ኣዘኻኺሮም “ንሳ ወትሩ ምስ ናይ ኣድነት ለውሃታ ኣብ ጥቓና ዘላ ኣደ እያ” እንክብሉ ነቶም ሕጻናት ከም ዝባረኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 May 2023, 09:15