ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.750.422.jpeg

ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓ ብኽህደት ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ዝህብን ዝፍጽምዎ ማእሰርቲ

ቤተ ክርስቲያንን ድሕሪ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ንኻላኣይ ግዜ ስልጣን ድሕሪ ምሓዞም እናኸፍአ ከምዝኸደ

ሰበ ስልጣን ኒካራውጓ ኣባ ኻይመ ኢቫን ሞንተሲኖስ ሳውሰዳ ካህን ሰበኻ ማታጋልፓ ንናጽነትን ሉኣላውነትን ሃገር ዘዳኽም ተግባራት ፈጺሞም እንክብል ብኽድዓት ሃገር ከሲሱ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎም ንዝሳእቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ግብረ ሰናይ ዘውጸኦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝመርሕዎ ስርዓት ሳንዳኒስታ ኣብ ሎዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ፖለቲካዊ ተቓወምትን ዘካይዶ ዘሎ ኣሳዶ ከም ዘየብቀዔን ሓይሊ ጸጥታ እታ ሃገር ካልእ ካህን መሊሶም ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ክንገር እንክሎ፡ እቶም ዝተኣሰሩ ካህን ካብ ሰበኻ ማታጋልፖ ዝኾኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቆሞስ ኣባ ኻይመ ኢቫን ሞንተሲኖስ ሳውሰዳ ዕለት 23 ግንቦት ምሸት ናብ ክፍለ ከተማ ኤስኪፑላስ ኣብ  ዝወስድ መገዲ እናተጓዕዙ እነከለዉ ዓጊቱ ከም ዝኣሰሮም ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ዝፈነዎ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ካህን “ንናጽነትን ሉኣላውነትን ሃገር ዘዳኽም ተግባር” ፈጺሞም ብዝብል ገበን ተጠርጢሮም ከምዘለዉን ስለዚህ ሓይሊ ጸጥታ “ብኽድዓት” ዝብል ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም ምዃኑ የመላኽት።

ጸብጻብ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ረድኤት ማሕበር

ኣባ ኻይመ ኢቫን ሞንተሲኖስ ሳውሰዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዝእሰሩ ዘለዉ ሳልሳይ ካህን ከም ዝኾኑን ቅድሚኦም ኣባ ኤውጀኒዮ ሮድሪገዝን ኣባ ለዮናርዶ ጒወራ ጉተረዝ ከም እተኣሰሩን ጸብጻብ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ማሕበር ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣብ ኒካራጓ ዝእሰሩን ካብታ ሃገር ክወጹ ዝግደዱን ካህናት ቁጽሪ ክብ ይብል ምህላዉን ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም በደል እውን ገና ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጡ፡ ዕለት 10 ለካቲት ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ናጽነትን ሃጋራዊ ሉኣላውነት ምድኻም ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ 26 ዓመት ማእሰርቱ ከም ዝበየኖም ዝዝከር ኮይኑ፡ ብጾዕነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ላ ሞዴሎ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ግብረ ሰናይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ሱቕ ንምባል ዝርአ ዘሉ ንጹር ፈተነ ንዕዘብ ኣሎና፥ ነዚ ተግባር እዚ ድማ ኮኒኑ፡ ሓያል ፖለቲካውን ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ኩነት ቤተ ክርስቲያን ከም መጋበርያ ሰላምን ኣተባባዒት ዕርቅን ዘለዋ ግደ ከይተሳልጥ ዝፍጸም ዓፈናን ናይ ሓሶት ክስትታትን ማእሰርትን ዘይርትዓዊ ፍርድን የጋጥማ ከምዘሎ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፥ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ዝተበገሰ ቅልውላው ፍታሕ ክረክብ ክትሽምግል ፈቲና እኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቶም ጳጳሳት እታ ሃገርን ቫቲካን ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኒካራጓ ውዲት የካይዱ ኣለዉ እንክብል ብተደጋጋሚ ክሲ ከቕርብ ከም ዝተበገሰን ንሓያሎ ካህናት ይኣስርን ልኡካን ወንጌል የባርርን መደብራት ሬድዮን መናብርተ ጥበብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓጸውን ሰላማዊ ሰልፊ ኮነ መንፈሳዊ ንግደት እውን ክልኩል ከም ዝበለ ኣመላኺቱ፥ ከሌኣዊ ርክብ መንግስቲ ኒካራጓን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ድሕሪ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ንኻላኣይ ግዜ ስልጣን ድሕሪ ምሓዞም እናኸፍአ ከምዝኸደ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 May 2023, 09:03