ድለ

ኣብ መክሲኮ ሓደ ካህን ተቐቲሎም ኣብ መክሲኮ ሓደ ካህን ተቐቲሎም 

ኣብ መክሲኮ ሓደ ካህን ተቐቲሎም

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መላእ ሃገረ መክሲኮ ዝተቐትሉ ታሽዓይ ካህን ምዃኖም

ኣብቲ ብዙሕ ጸበባን ዝተሓላለኸ ዅነታት ዝረኣየሉ ኣብ መክሲኮ ምዕራባዊ ግዝኣት ሚቾካን ሓደ ካህን ብዝተተኮሰ ጥጠያይት ከም እተቐትሉን ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መላእ ሃገረ መክሲኮ ዝተቐትሉ ታሽዓይ ካህን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ካብ መክሲኮ ዝተወሃበ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ብዝተተኮሰ ጠያይት ዝተቐትሉ ኣባ ኻቪየር ጋርሲያ ቪላፋና ኣባል ገዳመ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከም ዝኾኑን ብመሰረት ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ሚቾካ፥ ብማኪናኦም እናተጓዕዙ እንከለዉ ብዝተተኮሰ ጠያይት ከም እተቐትሉን፡ ናይቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ወይ ክሳብ ሕጂ ተሓታት ብዝብል ክስ ዝተተሓዘ ሰብ ከም ዘየለን ኣብ ከተማ ካፓቾ ናይ ቅዱስ ማርኮስ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኮይኖም ንኸገልግሉ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከም እተመዙ ዜና ቫቲካን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መስኪኮ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፥ እቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ኣገባብ መቕተልቲ ብዝተወደበ ናይ ገበን ጉጅለ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝሕብር እንተኾነ ካሳብ ሕጂ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ ከም ዘየለ ይሕብር።

እዚ ቅትለት እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ስሜናዊ መክሲኮ ዝርከቡ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ዱራንጎ ብጹዕ ኣቡነ ፋውስቲኖ ኣርመንዳሪዝ ኺመነዝ ብሓደ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣብ ካቴድራል መልበሲ ካህናት እንከለዉ ክቐትልዎም ድሕሪ ዘውረድዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ምዃኑን እዞም ሊቀ ጳጳሳት ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ካብቲ መጥቓዕቲ ከም ዝተረፉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ መክሲኮ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ “እቲ ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝፍጸም ቅትለት ንሕብረተሰብ እታ ሃገር ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ዝገልጽን ንዝተወደቡ ናይ ገበን ጉጅለታት ብምክትታል ግቡእ መቕጻዕቲ ዝመሓላለፍ እውን ብዘይ ምዃኑ ንህይወት ብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘእት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” እንክብል መግለጺ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

25 May 2023, 16:23