ድለ

ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፍጸም ኣሬመናዊ ኩናት ይነቕፉ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፍጸም ኣሬመናዊ ኩናት ይነቕፉ 

ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፥ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፍጸም ኣሬመናዊ ኩናት ይነቕፉ

እቲ ኣረመናዊ ኲናት ኣንጻር ዩክሬን እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ይቕጽል ኣሎ። ማሕበራውን ፖለቲካውን ሳዕቤናት ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት እውን ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ንውልትውናን ምብትታንን ሕብረሰብ የቃልዕ!

“ነቲ ኣንጻር ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ውግእ” ብምዝካር ሽማግለ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳን ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ንምብዓል ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ነቶም ኣብ ዓመጽ ዝተዋፈሩ መንፈስ ቅዱስ ከብርሃሎም ይጽልዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮ ናይቶም ዓመጽ ዝደልዩን ዝፍጽሙን የብርህ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳን ኪኖኡ ናይ ሰላም ጻዕርን ዕርቅን የነቓቕሕ” ነዚ ዝበሉ ሽማግለ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳን ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ጨንፈር ኤውሮጳን ቅድሚ ሰንበት ዕለት 28 ግንቦት ዝበዓል በዓለ ጰራቅሊጦስ ሰላም ንኽህሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓባራዊ ናይ ጻውዒት መልእኽቲ ዘንበርዎ ጸሎት ክኸውን እንከሎ፥ “ኣብዚ ዓመት እዚ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከነብዕል ኣብ እንዳለወሉ ዘለና እዋን መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል ክፉታት ንኹን፡ ሓይሊ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፍውስን ክዓርቕን ንሕብረተሰብ ክቕይርን ይኽእል እዩ” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ምእመናን ፍትሕን ሰላምን ክጽልዩን “ብትሕትናን ብተስፋን ናብቲ ንዅሉ ዝልውጥን ዝዓርቕን መንፈስ ኣምላኽ ብሓባር ክጽልዩ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓመጽ ንዝዋፈሩ ብርሃን

መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣብ ዓመጽ ዝዋፈሩ ኣእምሮ የብርህን ልቦም ድማ የዕብይ፡ ኩሎም ናብ መገድታት ፍታሕን ሓቅን ዕርቅን ሰላምን” ከብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን፥ “ኣብ ብዙሕነት ሓድነት ክደልዩ ዝዓደመ መልእኽቲ፥ ጴንጠቆስጠ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝስከሙ ድማ ውሳኔታቶም ብጥበብን ቅንዕናን ርህራሄን ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ኩሉ ክምራሕ የነቓቕሕ . . . መንፈስ ናብ ሃዋርያት ብመዓልቲ ጰራቅሊጦስ ካብ ዝወረደ ኣትሒዙ፡ “ንቤተ ክርስቲያን ህያው ገይሩን መሪሑን ንክርስትያን ብሓባርን ብውልቅን ከም ዝድግፍን ከም ዘነቓቕሕን” ኣዘኻኪሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን፥

ብዕምቆት ዝቖሰለት ዓለም

ልክዕ ከምቲ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቲ ዘጋጠሞ ጸገማት መልሲ ንምምጻእ ዝተቓለሰ ሎሚ - “ክርስቲያን ምስ ብድሆታት ናይታ ብዓመጽን ዘይምዕሩይነትን ምፍልላይን ኣዚያ ዝቖሰለት ዓለም ይቃለሱ ከም ዘለዉ” ኣጉሊሖም፥

እቲ ኣረመናዊ ኲናት ኣንጻር ዩክሬን እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ይቕጽል ኣሎ። ማሕበራውን ፖለቲካውን ሳዕቤናት ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት እውን ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ንውልትውናን ምብትታንን ሕብረሰብ የቃልዕ!

ኲናት ኣብ ዩክሬይን

ኣብ ህይወትና ዝነብርን ዝሰርሕን መንፈስ እግዚኣብሔር ዝሕብሩ ምልክታት ኣለዉ፥ ንኣብነት ኣብቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ንስደተይናታት ብዝገበር ደገፍ ይምስከር . . . “በዚ መገዲ እዚ ነቲ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ሰብኣዊ ድሌታት ምላሽ ኣብ ምሃብን ምስቶም ግዳያት ናይዚ ዘሕዝን ኲናት ምሕጋዞምን፡ ኣብታ ኣህጉር ድማ ንሰላም ብንጥፈት ይሰርሑ” ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም፥ “ኣብዚ ዓመት እዚ ጰራቅሊጦስ ከነብዕል ኣብ እንዳለወሉ ዘለና እዋን፡ መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል ክፉታት ንኹን፡ ሓይሉ ንደቂ ሰባት ክፍውስን ክዓርቕን ንመንፈስ ኣምላኽ ክውፈዩ” ተላብዮም፥ . . ንኹሉ ዝተባርከ በዓለም ጰራቅሊጦስ ተመንዮም፥ “ኣብ መላእ ኤውሮጳን ዓለምን ንኹላትና ክንፈልጥን ኣብ ህይወት ዝህብ ተግባር ክንጽንበርን መንፈስ ቅዱስ ከመርሓናን ከብርሃልናን ንጽሊ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

27 May 2023, 17:09