ድለ

ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ክብል ይላቦ ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ክብል ይላቦ  (AFP or licensors)

ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ክብል ይላቦ

ኩሎም መራሕቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ሓላፍነት ክዝክሩን ነታ ሃገር ዝጸሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ከባያውን ብድሆታት ንምፍታሕ ክዓዩ ንጽውዕ!

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ፕሮፈሰር መጋቤ ጀሪ ፒላይ እቲ ኣብ ሱዳን ዕለት 15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ናይቲ ውግእ ተዋሳእቲ ሱዳን ናብ መገዲ ደሞክራሲ ከተብል ብህጹጽ ኣበርቲዖም ክዓዩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ መደበይና ሰራዊት ሱዳንን ሓውሲ ወተሃድራዊ ጉጅለ ሓድሕዳዊ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእንቲ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ዕጥቃዊ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበን እዚ ኣብቲ ባይቶ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሰር መጋቤ ጀሪ ፒላይ ክታም ዝተነብሮ ዕለት 17 ሚያዝያ ዝተዘርገሐ መግለጺ፥  ኣብ መንጎ እቶም ንርእሰ ብሔር ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን እሙናት ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ብምኽትል ጀመራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሕጹጽ ሓደጋ ተኸላኻሊ ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተባረዐ ሓድሕዳዊ ግጭት ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፥

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

እቲ ዕለት 15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ሓድሕዳዊ ግጭት 1400 ሰባት ከም ዘቑሰለን ካልኦት 185 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ከሕብር እንከሎ፡ እቲ ውግእ ይቕጽል ብምህላዉ ናይ ዝቆሰሉን ዝሞትን ዝመዘበሉን ዜጋታት ቁጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ብዙሓት ኣቢያተ ትምርህቲ ትካላት ጥዕና ናይ ንግድ ቦታን ካልኦት ኣገልግሎት መውሃቢ ከም ዝዓነወን ኣብታ ሃገር ኣገደስቲ ሰብኣዊ ስርሒታት ንኽቋረጽ ምኽንያት እውን ኮይኑ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን

ናይቶ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ፒላይ ኣብቲ መግለጺ፥ እቲ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ዘሕድሮ ሰፊሕ ጽልዋ ዓሚቝ ሻቕሎት ይፍጥር ምህላዉ ኣመላኺቶም፥ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ህብረ ብድሆታት የግደዶ ኣሎ ቢሎም፥ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. እቲ ባይቶ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ጻውዒት ደጊሞም፥ ብምቕራብ ሱዳን ናብ መስርሕ ደሞክራሲ ከተብል ተማሕጺም፥

ኩሎም መራሕቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ሓላፍነት ክዝክሩን ነታ ሃገር ዝጸሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ከባያውን ብድሆታት ንምፍታሕ ክዓዩ ንጽውዕ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎት ምእንቲ ሱዳንን ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያንን

መጋቢ ፒላይ ንግዳያትን ዝተጎድኡን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ “ኣህጉራዊ ኵላዊ ምትሕግጋዝ ደገፍን ጸሎትን ንቤተ ክርስቲያናት ሱዳን” ዓዲሞም፥ “እግዚኣብሔር ኣብ ሱዳን ሰላም ከውርድን ምርግጋእ ክመልስን” እጽሊ፥

መላእ ሃገራት ዓለም ኣብ ሱዳን በርገሳዊ መግንስቲ ንኽምለስ ዘተባብዕ ዘተ ዳግማይ ከጀምርን ድሕሪ 2019 ዓ.ም. ዕልዋ መንግስቲ ዑማር ኣልበሽር ሱዳን ብሓድሕዳዊ ግጭት እትሳቐ ዘላ ሃገር ከም ዝኾነት ዝፍለጥ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ኣበርቲዑ ክዓዩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

19 April 2023, 15:51