ድለ

ጸሎተ ሓሙስ 5 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. (4/13/2015)

ስብከት፡ ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ፥ “እንጻር እቶም ዝሳቕዩኒ አብ ቅድመይ መአዲ ሰራዕካለይ፥ ንርእሰይ ብቅብኢ አለስለስካዮ” መዝ.23፡
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮንጦስ 11፡23-26፤ 1ጴጥሮ 2፡12-25፥ ግ.ሓ.27፡8-23፥ ዮሓ 13፡1-15

በዚ ዕለት ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ዘኪርና አሎና ቅ. ቍርባን ዝተሰርዓሉ፥ ምስጢረ ክህነት ዝተሰርዓሉ፥ አእጋር አርድእቱ ብምሕጻብ ዘርአየና መንፈስ አገልግሎት አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ሓድሕድሕዳዊ አገልግሎት ምሳኡ እቲ ንቅብዓ ሕሙማን ምሥጢረ ቀንዲል እንጥቀመሉን ንቅብዓ ሜሮን ምሥጢረ ሜሮን እንጥቀመሉን ቅዱስ ቅብዒ ዘይቲ ዝባረኸሉ ዕለት እውን ስለዝኾነ ካብተን ሸውዓተ ምሥጢራት ቤተክርስትስያን ንሓሙሽተ ምሥጢራት ቤተክርስትያን እንተስ ብቀጥታ እንተስ ብተዘዋዋሪ እንዝክረሉ ዕለት እዩ። ብቀንዱ ግን እቲ ብግርማኡን ምሥጢሩን መለኮታውነቱን ካብ ኩለን ምሥጢራት ዝዓበየ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ንኩሉ ስለዝዕብልል ኣባኡ ክንዝንብል ንርከብ። ንናይ ሎምዘመን በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ናይ ወትሩ ተሓባባሪና ጥቀ ክቡር ኣባ ንጉሠ ነዚ ዝስዕብ ጽሒፎም ልኢኾምልና ኣለው።  

አብ ታሪኽ እንተ ረአና ሰባት ዝኽሪ ክሓድጉ ብዳሕረዎት ወለዶታት ክዝከሩ ኢሎም ዝተፈላለየ ነገራት ይገብሩ። አብ ቀዳሞት ግብጻውያን ፈርዖናት ዝተፈላለየ ፒራሚድ ክሳብ ሕጂ ዝርአ ሓዲጎም ይርአ፥ እዚ ኹሉ ንዕብየትን ስልጣኔን ሓይልን ፈርዖናት ግብጺ ንምግላጽ እዩ። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ብሓውልቲ ብስእሊ ንወለዶታት ክዝከሩ ኢሎም ይሓድጉ። ሮማውያን በዚ ፍሉጣት እዮም ነሮም አብ ከተማ ሮማ ዝተፈላለየ ሓውልትታት ይርከቡ እዚ ኹሉ ነቲ ዝነበረ መዘከርታ እዩ። እዚ ኹሉ በራሲ ጠፋኢ ተረሳዒ እዩ።

ኢየሱስ አብ ዕለተ ሓሙስ ቅድሚ ሞቱ ፍሉይ ዝኽሪ ክሓድግ ደልዩ። አብ ቅዱስ ቍርባን ብሓቂ ህልው ኮይኑ ክነብር ሰሪዑ። ቅዱስ ቍርባን ሕይወት ዝህብ እንገራ እዩ “ናይ ሕይወት እንጌራ አነ እየ፥ እቲ ናባይ ዚመጽእ አይኪጠምን፥ እቲ ብአይ ዝአምን ድማ ኮቶ አይክጽምእን እዩ” (ዮሓ 6፡35)። ዝገርም ኢየሱስ አብ ቤተልሔም እዩ ተወሊዱ ብዕብራይስጢ ቤተልሔም ማለት ቤት እንጌራ ማለት እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ 16 ነዚ ዕለት አመልኪቶም አብ ዝሰበኽዎ ነቲ ቀዶምት ክርስትያን አብ ቅዱስ ቍርባን ዝነበሮም እምነትን አምልኾን ክገልጹ እንከለዉ ነዚ ዝስዕብ ይጠቕሱ። ብ304 አቢሉ ውሑዳት ክርስትያን ካብ ሓንቲ ንእሽቶይ ከተማ “ አቢቲንያ” አብ ሰሜን አፍሪቃ” ብመዓልቲ ሰንበት ሓቢሮም ነቲ ብንጉስ ሮማ ዲዮክለትያን ዝተባህለ ዝሃቦ ትእዛዝ ጥሒሶም ቅዳሴ ከዕርጉ ተረኾቦም። ብወተሃደራት ንጉሥ ተአሲሮም አብ ቅድሚ ፈራዳይ ስለምንታይ ትእዛዝ ንጉሥ ዘየኽበርኩም ስለምንታይ ነዚ ነገር ገርኩም ምስ ተባህሉ ሓደ ካብቶም አብ ቅዳሴ ዝነበሩ ሽምግል Emeritus ዝተባህለ ነዚ ዝስዕብ ግሩህ መልሲ ግን ዓቢ ምስጢር ዘልኦ ሂቡ። Sine Dominico non possumus “ብዘይ ናይ ጎይታ ነገር ክነብር አይንኽእልን ኢና” ኢሉ ምስ መለሰ 48 ብሰማዕትነት ተቐቲሎም። ብዘይ ናይ ጎይታ ነገር ክነብር አይንኽእልን ኢና ስለ ዝበሉ ተቐቲሎም እዚ ኸአ ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ክነብር አይንኽእልን ኢና ማለት እዩ።

ነዚ ምስ ሰማዕና አብ ሕልናና ዝመጽአና እዞም ሰማዕታት አቢቲኒያ ከመይ ገሮም አብቲ ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ክነብር አይንኽእልን ኢና አብ ዝብል ርድኢት በጺሖም ዝብል እዩ። ከመይ ኢሉ እዚ ነገር ከም ሓደ ግቡእ ብዝርአ ጥራሕ ዝገብርዎ ዘይኮነስ አብ ውሽጣዊ ግድነቶም ከም ዘድልዮም ክርእይዎ ክኢሎም? እቲ ሓጺር መልሲ ከምዚ ሎሚ አብ ቅድመና ዘሎ ስርዓተ ልጡርግያ ዘቕርቦ ከምኡ እዩ ቀሪብዎም። ንሳቶም አብ ቅ. ቍርባን ክልተ ነገር ክርዩ ክኢሎም 1) ነጻነት ንአምልኾን 2) ከም ሓደ ሓይሊ ንምግልጋል።

ቀዳማይ ፋሲካ አይሁድ አብ ዘፀ 12፡1- 8 ዘሎ እንተ አንበብና አቐዲሙ ነቲ ብቅዱስ ቍርባን እንቕበሎ ነጻነት የመልክት። እሳራኤላውያን አብ ግብጺ ናይ ፖሎቲካ ባራዩ ጥራሕ አይነበሩን መንፈሳዊ ባርነት እውን ነርዎም እዩ። ነቲ ታሪክ እንዝክሮ እንተ ድአ ኮና ንፈርዖን አብ ምድረ በዳ ንሰለስተ መዓልቲ ከይዶም ከምልኹ ፍቓድ ክውሃቦም እዮም ሓቲቶም። ፈርዖን ምፍቃድ ምስአበየ አምላኽ ባዕሉ አብ ጎኒ እስራኤላውያን ኮይኑ። በዚ ከአ ፋሲካ አይሁድ ዝዝክሮ ነቲ አምላኽ ንእስራኤላውያን ከምልኽዎ ዝሃቦም  ነጻነት እዩ።

  1. አብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝተነበት እንርእዮ ጳውሎስ ብዛዕባ ጸሎተ ሓሙስ አብ ዝህቦ መሰረታዊ ምልክት ብዛዕባ ነጻነት ንርኢ። ፋሲካ አይሁድ ግዳማዊ ነጻነት ንኸምልኹ ሂቡ፥ መዓልቲ ጸሎተ ሓሙስ ውሽጣዊ ነጻነት ክነምልኽ፥ ካብ ድኽመታትናን ድንቍርናናን ንአይ ጠዓመንን ነጻነት ይህበና፥ ነዚ ግን ዘይናቱ ርድኢትን ዘትሕዝዎ አለዎ። ንአብነት ብመንፈሳውነት ተነካእቲ ሰባት ብዙሕ ጊዜ ዝኾነ አብ ስርዓተ አምልኾ ዝፍጠር ሓዲስ ነገር ንልዑል አምላኽ ዝበቅዕ አይኮነን ይብሉ። ንአምላኽ ነኽብርን ንሕጉስን አሎና ብዝብል ምኽኒት ብዙሓት መንግስታትን አህዛብን ንደቆም አብ ምስዋዕ ይበጽሑ። እዚ ሓደ ካብቲ ዓይነት ባርነት እዩ። ነዚ አንጻሩ ብዝኾነ አኽረርቲ ንአምልኾ አብቲ ንሕና እንደልዮን እንርድኦን ጥራሕ ክንውስኖ ከሎና እዩ እቲ ሓቀኛ አምላኾ ይብሉ። አበዚ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ስምዒትን ድለትን እሱራት ይኾኑ፥ ንአምላኽ ምምላኽ አብቲ ንአና ጥራሕ ጽቡቕ ኮይኑ ዝርአየና እምበር አብቲ ንአምላኽ ዝግባእ አምልኾ ከምዘተኩር አይንገብሮን፥ እዚ እውን ካልእ ባርነት እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ መአዲ ቅዱስ ቍርባን አብ ዕለተ ሓሙስ ሓዲስ ምዕራፍ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከፊቱ ዝብሃል። ሎሚ አምላኽ ሰብ ኮይኑ ባዕሉ ከመይ ኢልና ከምእንጽሊ ይምህረና። ንሱ ቃላት ጥራሕ አይኮነን ዝቕርበልና፥ አብክንዳና ኮይኑ ጸሎት የዕርግ እዚ ምእንትካትኩም ዚውሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ. . . ነዚ ኸአ ብቤተ ክርስትያኑ ብካህናቱ ከምዝቕጽሉ የተስፍዎም “ነዚ ኽትገብሩ ከሎኹም ንዝኽረይ ግበርዎ. . . አብ ጸሎተ ሓሙስ ብኻልእ አዘራርባ ክርስቶስ ንጸሎት ካብ ናይ ሰብአዊ ድሩትነት ነጻ ገርዎ። ብሓደ ኃጢአተኛ ካህን ዝቕደስ ቅዳሴ አብ ቅድሚ ሰማያዊ አቦ ይስማዕ እዩ። ወላ ናይ ኃጢአተኛ ሕብረተሰብ ጸሎት ንድሕነት ዓለም ከቀላጥፎ ይኽእል. አብ መዓልቲ ጸሎተ ሓሙስ ምስ ድላይ አምላኽ ዝኸይድ አምልኾ ይህበና እምበር አብቲ ዘሎና ክእለትን ህያባትን አይምስረትን። አብ መጨረሻ ብዘይ ተጽዕኖ ወይ ስክፍታ ከነምልኽ ነጻ ኢና። ሓደ ሓንሳብ ነዚ ነጻነት ምስ አስተማቐሮን ተረድኦን እቲ ቀዳሞት ክርስትያን ዝበልዎ “ብዘይ ነገር አምላኽ ክነብር አይኮነልና እዩ” ዝብል ብንጹር ርዱእ ይኸውን።

እዚ አብ ካልአይ ነጥብና የምጽአና “ነገር አምላኽ” ናይ ምግልጋል ሓይሊ ይህበና። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ግቡእ አምልኾ ጥራሕ አይኮናን እነቕርብ፥ ንአምላኽ ብርእሱ ኢና እንቕበል። ንሥጋን ደምን ክርስቶስ ብግቡእ እንተ ተቐቢልና አብቲ ቀንዲ እንታይነትና ወይ ሰብ ዘብለና አብኡ ጽኑዓት፥ ንፍቕርን ንአገልግሎትን ፍቓደኛታት ንኸውን። በዚ ምኽንያት ይኸውን እዩ ክርስቶስ ቅዱስ ቍርባን አብ መዓልቲ ሕጽበት እግሪ ዝሰርዖ። አብዚ ዘርአዮ ምልክት ሓደ ብርሁ ነገር ዝገለጾ ውሽጣዊ ባህሪ ናይ እቲ አብ መንጎ ተሳተፍትን አሳተፍን ዝግበር ተዋስኦ ማለት አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ አብ ነነድሕድና እነርእዮ ሓድነት ተሳትፎን። አምላኽ ባዕሉ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ አብ መንጎና ክኸውን ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ይወርድ። አምላኽንቱ ከይሓደገ ብምልኡ አብ ድላይና ይከውን። አብ ካልእ ከምዝበሎ “ክርስቶስ ነቶም ናቱ ዘበሉ አብ ዓለም ክሳብ መወዳእታ አፍቀሮም” ግርማኡ ሓዲጉ አእጋር ይሓጽብ። ጎይታን መምህርን እንከሎ ናይ ኩሎም አገልጋሊ ኮይኑ። ንሕና አሰሩ ተኸቲልና ከምቲ ዝገብሮ ክንገብር ይደልየና።

እዚ ዓቢ ሓላፍነት እዩ። ክርስቶስ ግን መጀመርያ ባዕሉ ከይ ገበሮ አይአዘዘናን። ንሱ ካሳብ መወዳእታ ከየፍቀረና ክነፍቅር አይእዝዘናን እዩ። እዚ ምስቲ ቅ. አደ ተረዛ ሓደ እዋን ዝበለቶ ይሰማማዕ። እቲ ታሪኽ ከምዝነግሮ ሓደ መዓልቲ ሓደ ጋዘጠኛ ማዘር ተረዛ ሓደ ሕማም ደውየ ዝሓመመ ሰብ እሞ ብርስሓትን አቕሳልን ዝጨኑ ዝነበር ምስ ካልኦት ሕሙማት ካብ ጎደናታት ካልካታ ህንዲ ዝአከበቶም ክትሓጽብ እንከላ ምስ ረአያ አነ ነዚ እትገብርዮ ዘሎኺ ወላ ሚልዮን ዶላር ክንህበካ እንተ ዝብሉኒ አይ መገበርክዎን ኢልዋ። ቅ. ማዘር ተረዛ ከአ አነ እውን አይምገበርክዎን” እናበለት መሊሳትሉ። ማዘር ተረዛ ነቲ እትገብሮ ዝነበረት ከምእትገብር ዝገበራ ሓደ ብርቱዕ ምኽንያት ልዕሊ ዝኾነ ነገር ነርዋ ንሱ ስለ ዝተረድአት እያ ኸአ ብዘይ ሓደ ነገር ነቲ ክግብረ ከቢድ ዝኾነ ብዓኒ ሰብ ትገብሮ ዝነበረት። በዚ ምኽንያት እያ ንሰዓታት አብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ተሕልፍ ዝነበረት። በዚ ምኽንያት እዩ ንደናግላ ቅዳሴ ወላ ሓደ መዓልቲ ክረኽባሉ አብዘይክአል ቦታ ክትሰደን ዘይትደሊ ዝነበረት። ከምቶም ቀዳሞት ሰማዕታት ናይ አቢቲንያ ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ምንባር ስለ ዘይክአላ እዩ።

ንሕና እውን ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ክነብር የብልናን። ጎይታና ኪዳኑ ጌና ይቕጽሎ አሎ፥ መባእና ክቕበልን ሓይሉን ጸግኡን ክህበና፥ ነጻነቱ ሕይወቱ ክህበና ፍቓደኛ እዩ። እዚ እዩ እቲ ምስጢር ናይ ሓሙስ ጽግቦ ሓጎስ።

በዚ ብሩኽ ዕለት ንኹሎም ብክህነት ዘገልግሉ ፍሉይ ጸጋ ክዕድሎም አብ ጸሎተይ እናዘከርኩ ንኹልና ተቐበልቲ ሥጋኡን ደሙን ኮና አብ ቅድስና ክንአቱ ባዕሉ ርእሱ ዝሃበና ክርስቶስ አብ መአዱ ይዓድመና።

2.    መዓርገ ክህነት፡- ሎሚ አብ ምሉእ ዓለም አብ ኩሉ አብያተ ክርስትያናት ምስጢር መዓርገ ክህነት ተዘኪሩ እዩ ዝውዕል ዘሎ። አብዚ እዋን ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ሥጋና ለቢሱ ተመበርኪኹ አእጋርና ክሓጽብ እንከሎ ኩሎ ናቱ ዘበለ ሂቡ ትሕትና ዘርአየሉ እሞ ንአና እውን አሰሩ ተኸቲልና ከምኡ ክንገብር ዘስተምሃሮ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ሎሚ ህያብ አምላኽ ክንቅበል ስንድዋት ክንከውን አሎና። “ሕይወተይ እህበካ/ኪ አሎኹ. . . . ፥ ሰውነተይ እህበካ/ኪ አሎኹ. . . . ፥ ደመይ እህበካ/ኪ አሎኹ. . . . ፥ እግርኻ/ኺ እሓጽበካ አሎኹ. . . . እቲምንታይ ስለ ዘፍቅረካ/ኪ። እዚ እዋን ክቡር እዋን እዩ ምኽንያቱ ምሉእ ፍቕሪ ዝተራእየሉን ዕብየት ናይ ኩሉ ፍጡር ዝተገልጸሉ ኩሉ አብ ባህርይ አምላኽ ክሳተፍ ማዕጾ ፍቕሪ ዝተኸፍተሉ ፍሉይ ዕለት ስለ ዝኾነ። አብዚ መሎኮትን ትስብእትን ብሓደ ክኸብሩ ዝተራእየሉ እዩ። ቅድሚ ዘመናት ቅ. አጎስጢኖስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ነሩ። “ምሳኹም ክርስትያን እየ፥ ንአኻትኩም ካህን እየ”። እዚ ብሓቂ ንነፍስወከፍና ብፍላይ ንካህናት እንታይነትና ዝገልጽ ፍሉይ አገላልጻ እዩ።

Cardinal Suhard (1800) ዝብሃሉ ፈረንሳዊ ከምዚ ኢሎም ጽሒፎም ”ኩሎም ክርስትያን ብፍላይ ከአ ክርስትያናዊ ካህን ምስክር ክኸውን አለዎ። ምስክር ምዃን ማለት ነቲ እትምስክሮ ኅያው ገርካ አብ ቅድሚ ካልኦት ከምዝርአ ምግባር ማለት እዩ። ካህን ማለት ከአ ከምቲ ሕይወት ክህነት ዝደልዮ ኮንካ ምንባር ማለት እዩ። ሕይወትና ትርጉም ክህልዎ አምላኽ አብኡ ክህሉ አለዎ ሓደ ካብቲ ንአምላኽ አብ መንጎና ኅያው ዝገብሮ ጸጋ ክህነት እዩ”። ካህን ብዝያዳ ካህን ዝኸውን መስዋዕት ቅዳሴ ከዕርግ እንከሎ እዩ። ከምኡ እውን ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ካብ ቅዱስ ቍርባን ስለ ዝመጽእ ኩሉ ናቱ ዘበለ ምስ ክርስቶስ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ካህን ርእሱ ዝስውእ ትሕትናን ንአይ ዝብል ዝኾነ ስምዒት አጥፊኡ ናይ እቶም ዝመጽእዎ ስምዒታውን መንፈሳዊ ርስሓት ደሮና አብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወቶም ዝለገቦም ሒዞም ንዝመጽእዎ ዝሓጽብ እዩ። ንሱ ምሉእ ካህን ዝኾኖ ኩሉ ግዚኡን፥ ድለቱን ምእንቲ እቶም ዘገልግሎም ህዝቢ አምላኽ ኢሉ ከወፊ እንከሎ እዩ። አብ ክህነታዊ አገልግሎት ፍርቂ ፍርቂ ዝብሃል የለን፥ ምሉእ ተወፋይነትን መስዋዕትን መለክዒ እትነብሮ ክህነታዊ ሕይወት እዩ። ካህን ነቲ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ዝገብሮ ኩሉ ዋግኡ ወይ ዘጥፍኦ ሓይሊ ወይ ዝኾነ ዓቕሙ ክሓስብ የብሉን። ካህን አብ ቅድሚ አምላኽ እሙን ኮይኑ ንክነብር እንከሎ እሙን ካህን ይብሃል። ንእምነት ብዝርኢ አብ ናይ ምርድዳእ ወይ ሰባት ምእንቲ ክሕጎሱ ኢልካ ወይ እውን ንስለ ሰላም ኢልካ ንእምነት አብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ናይ ሓደ ካህን ጸዋዕታ አይኮነን። አብቲ ዝገብሮ ኩሉ ወላ እውን ካብቶም መቕርቡ ምንጻግ ይግጠሞ ካህን ልዕሊ ኹሉ እምነቱን አምላኽን ሰሪዑ ክኽእል አለዎ። ካህን ሰባት ሕያው መግቢ እና ሓተቱ አእማን ክህቦም የብሉን። ኩልና ክንፍቶ ንደሊ ኢና ግን ብናይ መን ዋጋ? ካህን ንክብሪ አምላኽ ብሰላሳ ብሩር ኢሉ ዝረኽቦ ናይ ሰባት ክብሪ ብዘየገድስ ክዋገ የብሉን። ካህን ዘፍቅር ክብሃል እንተ ኾይኑ ዋጋ ሕይወቱ ዝኸፍል ምስ ዝኸኤን እዩ፥ ግላዊ ምርጫታቱ፥ ኩሉ ግላዊ ድለታቱ ወይ ሃረርትኡን ክኸፍል እንከሎ ጥራሕ እዩ። እዚ ኹሉ ኸአ ነቶም አብኡ ዝመጽኡ ብምሉእ ተወፋይነት አብ ኢየሱስ ከብጽሕ ምእንቲ እዩ።

ካህን ትሑት ክኸውን እንከሎ ነቲ አብ ቅድሚኡ ዝተዋህቦ ንዕለታዊ ምግቡ ዝኾኖ ብዘይ ምጉርምራም ይቕበል፥ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ተመስገን ኢሉ ይቕበል። ካህን ንክህነቱ ዝነብሮ ካብ ክህነታዊ ሕይወቱ ሓንቲ ከምዘይረክብ አሚኑ ንኹሉ ዝገብሮ ንአገልግሎት አምላኽን ህዝቡን ከወፊ ዝብል ሓሳብ ክመልኮ እንከሎ ጥራሕ እዩ። አብ ክህነታዊ ሕይወቱ ካብ ህዝቢ ዋዕዋዕታ ዝጽበ ክብሪ ሞጎስ ዝጽበ ካህን ጌና ክሓልፎ ዝግብኦ ነገራት አልኦ። ካህን ነቲ አምላኽ ክገብሮ ዝጸውዖ ጥራሕ እዩ ክገብር ዘለዎ። ካህን ሕያዋይ ዘብሎ አብ ግላዊ ሕይወቱ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መስዋዕቲ ክነብር እንከሎ ጥራሕ እዩ። አብ ግላዊ ሕይወቱ ነቲ ክርስቶስ አብ መስቀል ዘዕረጎ መስዋዕቲ ብዘይ ምፍሳስ ደም ከም መስዋዕቲ አቕሪቡ ሕያው ክገብር ዘልኦ እዩ። ካህን ካህን ዝገብሮ ሕጂ አብ ቅድመና አብ መንበረ ታቦት አምላኽ ቆይሙ ቃላቱ አብቲ ክርስቶስ ዝበሎ ቃላት “እዚ ሥጋይ እዩ ውሰድዎ፥ እዚ ደመይ እዩ ስተይዎ” ኢሉ ክሕውስ እንከሎ፥ ሕይወተይ ብምልእታ ናትካ እያ ወላ ሓደ ካልእ ዝውንና የለን ክብል እንከሎ ጥራሕ እዩ። ካህን ሕይወተይ ብምልእታ ናትካ እያ ምኽንያቱ ብምልእታ እህበካ ስለ ዘሎኹ ዝብል ክኸውን አለዎ።

 

3.     ሕጽበተ እግር ትሕትናን ኣገልግሎትን

ለብዋ ክርስቶስ ነነድሕድኩም አገልግሉ እዩ። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብሞት ቅድሚ ምፍላዩ አብ ነነድሕዶም ዝግበር ርክብ አብ አገልግሎት አድሕድ ክምስረት አርእይዎም። ንሱ መምህሮምን ጎይትኦምን እንከሎ ተምበርኪኹ ክሓጽቦም እንከሎ ፍሉይ ነገር አርእይዎም። እቲ ካብኦም ዓቢ ዝብሃል ብዝተሓተ ከገልግል ከምዝግባእ ነጊርዎም። አብ ዓድና እግሪ ንጋሻ ንዓቢ ሰብ ከምኡ ካብ ነውሕ መገሻ ዝመጽኤ ምሕጻብ ልሙድ ነሩ። እዚ ኸአ ፍቕሪ ንምርአይ እዩ፥ አገልግሎት አብ ፍቕርን ትሕትናን ክምስረት እንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ በረኸት አልኦ። አገልግሎት አብ ስድራ ትጅምር በበደረጅኡ እናዓበየ ይከይድ አብ መጭረሽታ ዝለዓለ አገልጋሊ ብዓለም መራሕ ያገር ብመንፈስ ከአ አቡናትን ርእሰ ሊቃና ጳጳሳትን እዮም። በዚ እዮም ጳጳስ ናይ አገልገልቲ አገልጋሊ ዝብሃሉ።

አብ አገልግሎት ዝተመስረት ፍቕሪ ጻማ አልኦ።

ንአምላኽ ክንመስል ክነገልግል ናይ መምህርና ክርስቶስ ለበዋ እዩ። ከምቲ አቦይ ዝልአኸኒ እልእከኩም አሎኹ ዝበሎ ንሕና ኩልና ብጥምቀት ደቂ ክርስቶስ ዝኾና ጸዋዕታና ክነገልግል እዩ። ንአምላኽን ንሰብን ክነገልግል ከሎና ሽዑ መልክዕ ተፈጥሮና ለቢስና አሎና ማለት እዩ። አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ከምኡ አብ ነነድሕድና ዘሎ ርክብ ክዓቢ ሓልዮትን ፍቕርን ክንለብስ እሞ አምላኽ አብ መንጎና ከም ዝርከብ ክንገብር እጃምና ክንግብር አሎና። አገልግሎት ክብሃል እንከሎ ባርነት ማለት አይኮነን። በቲ አምላኽ ዝሃበካ ጸጋን ዓቕምን ንኻልእ በቲ አገልግሎትካ አብ አምላኽ ከም ዝቐርብ ምግባር ማለት እዩ። ክተግልግል መጀመርያ ፍቓደኛ ክትከውን አሎካ ሽዑ አብ ሓገዝ ወገንካ ክትወፍር ትኽእል። ብዘይድላይካ ዝግበር አገልግሎት ፍቕሪ ይጎድሎ ፍቕሪ ዘይብሉ ኸአ አምላኽ ዘይብሉ እዩ።

ዘገልግል ሰላም አልኦ። 

ክነገልግል ከሎና ምእንቲ አምላኽ ኢልና ስለ እንገብሮ ዕግበት መንፈስን ጸጋ አምላኽን የውርደልና። ክነገልግል ከሎና ክምለሰና ወይ ከአ ክንንአደሉ ኢልና እንገብሮ አገልግሎት ፍቕሪ የብሉን ግዝያዊ ስለ ዝኾነ አብ ዘይተደለ ትርጉም ክነእትዎ ቀሊል እዩ። ሰብ ንጽጉማት ንሕሙማት ንሽጉራት ንኹሎም ከገልግል ኢሉ ክወፍር እንከሎ ሰላም ምስኡ አላ ። ወንጌል ገበርቲ ሰላም ውሉድ እግዚአብሔር ክብሃሉ እዮም እሞ ብጹአን እዮም ይብለና። ሰላም አብ አገልግሎት አድሕድ እያ እትርከብ። ንኸማና ዝበለ ሰብ ክንገልግል ፍቓደኛታት እንተ ዘይኮና መገዲ ሰላም ክንረኽባ ክትከብደና እያ። ሰብ ሰላም ክጎድሎ እንከሎ አገልግሎት አድሕድ ጎዲልዎ አሎ ማለት እዩ።

 

አርድእተይ ምዃንኩም ካብ ካልኦት ዝፈልየኩም ንኹሉ ብማዕረ ስለ እተገልግሉ እዩ። ክተገልግል አብ ገለ እዋን ካብ ስምዒትካ ካብ ድላያትካ ክትወጽእ አሎካ። ዘገልግል መስቀል ሽልማቱ ገሩ ጉዕዞኡ ክቕጽል አለዎ፥ ክተገልግል ከሎኻ ዝፈታተን ነገራት አሎ። ክትንአድ ምድላይ፥ ክትመልኽ ምድላይ፥ ዓስቢ ምጽባይ፥ ከምኡ ነቶም እተገልግሎም ፈላሊኻ ክትርኢ ምድላይ ወተዘ። ከምአገልገልቲ መጠን ክጥዕመና ክንጽበ የብልናን፥ መድኃኒና አይጠዓሞን ኩሉ ብአንጻሩ ውርደት ስቓይ ሞት አምጺእሉ፥ ንሕና እውን ከምኡ እዩ ዕጫና ስለዚ አብ እንወፍሮ አገልግሎት ዕጥቅና ድልዱል ክኸውን አለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ኩሉ ጽሑፋቱ አገልገሊ ክርስቶስን ማሕበር ክርስቶስን ከምዝኾነ ይገልጹ ንጢሞቴዎስ ከምኡ ንካልኦት ክጽሕፈሎም እንከሎ እሙናት አገልገልቲ ክርስቶስ ኩኑ ይብል። ዘገልግል አገልግሎቱ አብ ክርስቶስ እንተ አተኮረ ጥራሕ እዩ ዓስቢ ዝህልዎ።

ዘገልግል ፈተና ኩሉ ጊዜ ከም ዝጓነፎ ክዝንግዕ የብሉን። አብ ገለ እዋን ነቲ አገልግሎትካ ስለ ዘይርድእዎ ብአንጻሩ ውርደት ከምጽአልካ ይኽእል እዩ፥ እዚ ንብዙሓት ሰበኽቲ ወንጌል ዝጓነፍ መስቀል እዩ። አብ ገለ እዋን ክተገልግል ምስጀመርካ አገልግሎትካ አብ ክብሪ አብ ዝና ርእስኻ ጥራሕ ምስ  አተኮረ ካልእ መንፈስ ብቐሊል ይወርሰካ አብ ክንዲ እተገልግል ከገልግሉኻ ትደሊ ድሕሪኡ ንዘየገልግሉኻ ክትጸልእ ሕነ ክትፈዲ ትቃለስ። አገልግሎት ክብረት ሥጋ የብሉን ንአምላኽ ርኢኻ ክትገብሮ ከሎኻ ጥራሕ እዩ ካብ ፈተናን ካብ ዝኾነ ዘይናቱ ትርጉም ምሃቡ እትድሕን። ንሕና ብባህርና ክብሪ ሞጎስ ትዕቢት ዘጥቅዓና ስለዝኾና ነዚ ድኹም ባህርና ክነሸንፎ በርቲዕና ክንቃለሶ አሎና።   

አብ ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ተኻፊልና ምስኡ ብሓዲስ መንፈስ እንትንሥአላ ጸጋ ይዓድለና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ      

 

13 April 2023, 11:52