ድለ

Nicaraguan citizens demonstrate in Panama Nicaraguan citizens demonstrate in Panama  (ANSA)

ኣብ ኒካራግዋ ሳንዲኒስታ ዝበሃል ምንቅስቃስ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘካይዶ ዓመጽ ይቅጽል

ኣብ ኒካራጓ ጸረ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካቶሊካውያንን ስደት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኒካራጓ ዘለዎም ቅርበትን ምትሕግጋዝን ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብታ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገር ሰላም ንምምላስ ዝከኣሎ ክገብር ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ምልካዊ ስርዓት ፕረዚደንት ዳኒኤል ኦርቴጋ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኒካራጓ ዝገብሮ ዘሎ ጭፍጨፋን መጥቃዕትን ይቕጽል ኣሎ፡ ዋላ’ኳ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ፡ ኣብያተ ክርስቲያናንን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ኣውያት እንተቀጸለ እቲ ዓመጽ ገና ይቅጽል ኣሎ።

ክልተ ደናግልን ሓደ ካህንን ተሰጒጎም!

ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቀደመ ስደትን መጥቃዕትን ካልኦት ክልተ ተወሳሰኽቲ መነኮሳት ደናግልን ሓደ ካህንን ተሰጒጎም። ብሰንኪ ስክፍታታት ጸጥታ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ሕማማት ኣብ ደገ ክግበር ዝነበሮ ሥርዓተ ሰሙን ሕማማት ድሕሪ ምእጋዱ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ማናጉዋ ዝነበረ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ እንደራሴ ማለት ሓዋርያዊ ኑንስዮ ቤትጽሕፈትን ኣብ ሮማ ዝርከብ ኤምባሲ ኒካራጓ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መንግስቲ ኒካራግዋ ካልኦት ክልተ ተወሰኽቲ ገዳማውያን ደናግልን ሓንቲ ፓናማዊት ክላረቲያዊት ሚስዮናዊትን ኣባሪሩ።

ዝምድና መንግስቲ ኒካራጓን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካብ ሚያዝያ 2018 ጀሚሩ እዩ ዝተናወጸ፡ እዚ ከኣ ብማዕበል ጸረ-ስርዓት ተቓውሞታት እታ ሃገር ምስ ኣንጐድጐደ ብሰበስልጣን ኒካራጓ እቲ ርክብ ብጭካነ ተዓፊኑ። ድሕሪ’ቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ፕረዚደንት ኦርቴጋ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣኑ ምስ ኣረጋገጸ እቲ ጉዳይ እናገደደ ከይዱ።

መራሒ ናይቲ ሳንዲኒስታ ዝበሃል ምንቅስቃስ ንጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊኡ ውዲት ፈጺሞም ክብል ብተደጋጋሚ ይውንጅል።

ማእሰርቲ ብፁዕ አቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ!

እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሽምግልና ከይትገብር ዝተኣገደት ቤተ ክርስቲያን፡ ዒላማ ሓያሎ መጥቃዕትን ጸለመን፡ ከምኡ’ውን ምግፋዕ፡ ምፍርራሕን ዋላ’ውን ምስጓግ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን እናኣኣንገደት ትርከብ።

ብ2019 ሓጋዚ ጳጳስ ማናጉዋ ብፁዕ አቡነ ሲልቪዮ ጆሴ ባኤዝ ናብ ስደት ተገደዱ፣ ብወርሒ መጋቢት 2022 ከኣ፣ ኣብ ኒካራጓ ዝነበረ ሓዋርያዊ ኑንሲዮ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ዋልደማር ስታኒስላው “ፐርሶና ኖን ግራታ” ዘይብቁዕ ሰብ ወይውን ዘየድሊ ሰብ ተባሂሎም ተባሪሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ብፁዕ አቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ናይ ማታጋልፓ ንልዕሊ 26 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም፡ ብኽድዓት፡ ሃገራዊ ቅንዕና ብምድኻምን ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕን እዮም ዝተኸሱ፣ ምስዚ ከኣ ንዑ ንኣመሪካ ክንሰጎኩም ምስ በልዎም ድሕሪ ምእባዮም፡ ወጥሪ መሊሱ ገዲዱ ምስ ካልኦት 222 ዝተኣስሩ ተቓወምቲ ክጽምበሩ ግዲ ኮነ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኦርቴጋ ብምኽንያት ሃገራዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ቴሌቪዥን ናይታ ሃገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንጉባኤ ጳጳሳት ኒካራጓን ንቫቲካንን፡ ነቲ ኣብ ሚያዝያ 2018 ዝተኻየደ ተቓውሞ ዘኪሩ "ኣጋንንቲ"ን "ገበነኛታትን" ብማለት ከምዚ ክብል ደጊሙ ብዓመጽ ከሲስዎም።

“ኣብዞም ሰባት እዚኦም ተመሳሳሊ ዘርኢ ቃኤል፡ ኣንጻር ኣሕዋቶም ውዲት ዝኣልሙ፡ ንሃጸያት፡ ኣመሪካውን ኤውሮጳውን ግዝኣታትን፡ ዋላ’ውን ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ኮይኖም ረኺብናዮም” ብምባል፡ ካቶሊካውያን ካህናት “ንክርስቶስ ዘይምልክዑ ኣልቢሶም” ብማለት ክሳብ ምኽሳስ በጺሑ።

መራሒ ሳንዲኒስታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደገ ንዝግበር በዓል ፋሲካ እገዳ ብምጥቃስ እውን እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝበሃል ንዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ንምክልኻል ከምዝተወሰነ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተከሎ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ዘለዎም ምትሕግጋዝ የረጋግጹ።

እቲ ኣብ ኒካራጓ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ካቶሊክ ጭፍጨፋ ንጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዓቢ ስክፍታ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣቦ መንበር ኮሚተ ኣህጉራዊ ፍትሕን ሰላምን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዕ አቡነ ዴቪድ ጀይ ማሎይ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኒካራጓ ዘለዎም “ነቅ ዘይብል ጽኑዕ ምትሕግጋዝ” ደጊሞም ከምዚ ክብሉ ኣረጋጊጾም።

“እዚ ጽንኩር ጸገማት እናሃለወ፡ ምእመናን ኒካራጓ ምስ ጳጳሳቶምን ካህናቶምን ብምትሕብባር፡ ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ ብጽኑዕ መስኪሮም እዮም” ኢሎም።

እቲ መግለጺ ብምቅጻል መንግስቲ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን “ብፁዕ አቡን ኣልቫረዝ ንኽፍትሑ፣ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ሰላምን ልዕልና ሕግን ንኽምለስን ድምጾም ምስማዕ ክቕጽሉ” ጸዊዑ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 39 ሰባት ተኣሲሮም!

ብመሰረት ዝሓለፈ ዓርቢ 21 ሚያዝያ ብዘይመንግስታዊ ትካል ሞኒቶሪዮ ኣዙል ዪ ብላንኮ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፖሊስ ኒካራጓ መብዛሕትኦም ፖለቲካዊ ተቓወምትን ካቶሊካውያን ምእመናንን ዝኾኑ 39 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ኣለዉ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ሰበስልጣን ፖሊስ ንሓደ ኣባ ዶናቻኖ ኣላርሶን ዝበሃል ፓናማዊ ካህን ንብፁዕ አቡነ ኣልቫረዝ ዝድግፍ ቃላት ተዛሪቡ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም፡ ከምዝሰጐጒዎ ኣረጋጊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 April 2023, 09:14