ድለ

ኣብ ናይጀሪያ ብእስላምውያን ኣኽረርቲ ኣብ ልዕል ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ ኣብ ናይጀሪያ ብእስላምውያን ኣኽረርቲ ኣብ ልዕል ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ  (Copyright: Aid to the Church in Need)

ኣብ ናይጀሪያ ብእስላምውያን ኣኽረርቲ ኣብ ልዕል ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ 2009 ዓ.ም. ቦኮ ሓራም ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ዕጡቓት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ዝቐውም ንደሓር፡ ሎዕሊ 50 ሺሕ ናይጀርያውን ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ከም እተቐትሉ

ብመሰረት “ውስጠ-ሕብረተሰብ” ተቕዋም “ሰማዕትነት ክርስቲያን ኣብ ናይጀሪያ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘጸውጸኦ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት ኣብ ናይጀሪያ ብውሕዱ 52,250 ናይጀርያውያን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ብኢድ እስላማዊ ዕጡቓት ጉጅለታት ብጭካነ ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ 2009 ዓ.ም.  ቦኮ ሓራም ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ዕጡቓት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ዝቐውም ንደሓር፡ ሎዕሊ 50 ሺሕ ናይጀርያውን ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ከም እተቐትሉ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ንናጽነት ብሔርን ንልዕልና ሕግን - ውስጠ ሕብረተሰብ  ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ይሕብር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ “ሰማእትነት ክርስቲያን ኣብ ናይጀሪያ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይጀርያ ዝመደብሩ ተመራማሪ መሰላትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ንናንጽነት ብሔርን ልዕልና ሕግን ማሕበር ካብ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መላእ ናይጀሪያ ብመንግስታውን ዘይመንግስታውን ተዋሳእቲ ዝፍጸም ሃይማኖታዊ ዓመጽ ዘተሓሳስብ ጥራሕ ዘይኮነ ዘሰንብድ እውን ምዃኑ እንከመላኽት፥

ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚሩ 52,250 ናይጀርያውያን ክርስቲያን ተቐቲሎም

እቲ ተቕዋም ብመሰረት ርኽበታቱ ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት ብውሕዱ 52,250 ናይጀርያውያን ክርስቲያን ብኢድ እስላማውያን ዕጡቓት ብጭካነ ከምዝተቐትሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብዚኦም ልዕሊ 30 ሺሕ ኣብ ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ ርእሰ ብሔር ኣብ ዝነበርሉ 8 ዓመታት ናይ ስልጣን ዘመን ዝተቐትሉ ከም ዝኾኑን፥ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ንምቁጽጻርን ንምምካትን ብዙሕ ከም ዘይጸዓሩ ዝነቀፉ እውን ምዃኖም ብመሰረት እቲ ጽብጻብ ይሕብር።

18 ሺሕ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም እተቓጸለ

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 18 ሺሕ ኣቢያተ ክርስቲያንን ልዕሊ 2,200 ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርትን ብሓዊ ከም እተቓጸለን፡ ኣስታት 34 ሺሕ ኣኽራርያን ዘይኮኑ ተራ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና እውን ከም እተቐትሉን፡ 2023 ዓ.ም. እውን ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓሸ ከምዘይመስልን፡ 2023 ዓ.ም. ካብ ዝኣትው ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1 ሺሕ ክርስቲያን ከም እተቐትሉ፥ ብውሕዱ 707 ክርስቲያን ከምእተጨወዩን ካብዚኣቶም እቶም 200 ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ኒጀር ዝተጨወዩን፡ ዕለት 14 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ልዕሊ 100 ክርስቲያን ክጭወዩ እንከለዉ ኣብ ካዱና ብውሕዱ 101 ክርስቲያን ምጭዋዮም፡ ብዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ግዝኣት ካስቲና ታራቦ ኤዶ ኦጉን ናሳራዋ ክዋራ ኮጊ ቦርኖ ዮበን ኣዳዋማ ባውቺን ኢኑግ ኢሞ ከቢ ጎምቤ ባየልሳን ክሮስ ሪቨርን ዝተፈላለየ ዓይነት ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመ ነቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቦኮ ሓራምን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ጓሶት ዓሌት ፉሊን

ናይ ማሕበረሰብ ክርስትያን ህይወት ብኣሸበርቲ ቦኮ ሓራም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ጥራሕ ዘይኮነስ ምስቶም ምስ እስላማውያን ኣኽረርቲ ጉጅለታት ርክብ ብዘለዎ ጓሶት ብሔር ፉሊን እውን መጥቃዕቲ ከም ዝወርዶምን እቲ መጥቓዕቲ ጃምላዊ ብሓይሊ ምፍንቓል ዘስዕብ ኣስታት 5 ሚሊዮም ክርስቲያን ከም እተመዛበሉን፡ ኣብ ውሽጢ ናይጀሪያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተመዛበልቲ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዞባውን ንኡስ ዘባውን ዶባት ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተይንታት ዑቕባ ክረኽቡ ከም እተገዱ ጸብጻብ ውስጠ ሕብረተሰብ ጠቒሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ርሁዋን መዓጹን ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ

እቲ ጸብጻብ ውስጠ ሕብረተሰብ ትካል፡ ናይጀሪያ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓደገይና ከም ዝኾነት ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ እዚ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብርሁዋን መዓጹ እተሰምየ ኣብ ዓለም ንዝስደዱ ክርስቲያን ዝድግፍ ማሕበር ኣብ ናይ 2023 ዓ.ም. ጸብጻቡ ዝረጋገጾ ኮይኑ፡ ብመሰርት እቲ ጸብጻብ እውን ሰማዕትነት ክርስቲያን ናይጀሪያ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሰማእታት ክርስቲያን ኣብ ዓለም 89 ሚእታዊ ከም ዝሽፍን ክምልክት እንከሎ፡ ብሰንኪ እምነት ዝስደዱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክርስቲያን እውን ብዓለም ሓቆፍ ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ኣብ መንጎ ውርሒ ጥሪ 2021 - ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም. ልዕሊ 7,600 ናይጀርያውያን ክርስቲያን ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

18 April 2023, 16:36