ድለ

ሲኖዶስ፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ሲኖዶስ፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ 

ሲኖዶስ፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ

ኣብ ሓባራዊ ጥምቀት ከም መሰረት ሲኖዶስ፡ ኣገዳስነት ሕብረት ምስ ክርስቶስን ኣብ ነንሓድሕድናን ከምኡ እውን ብስራት ናብ ዓለም ናይ ምብጻሕ ተልእኾናን ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ሕመረት ዝገበረ ሰነድ

ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ፥ ኣብ ሓባራዊ ጥምቀት ከም መሰረት ሲኖዶስ፡ ኣገዳስነት ሕብረት ምስ ክርስቶስን ኣብ ነንሓድሕድናን ከምኡ እውን ብስራት ናብ ዓለም ናይ ምብጻሕ ተልእኾናን ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ሕመረት ዝገበረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መወዳእታ ሰነድ ካብ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፥ “ንቤተ ክርስቲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣገዳሲ ህሞት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመናዊት ዓለም ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ንኽትብል ሲኖዳውነት ከም መገዲ ገይራ ንኽትቅበሎ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እንህቦ ተኣዝዞኣዊ መልሲ ዘደልድል እዩ፡” እንክብሉ ብጹዕ ኣቡነ ዳኔል ፍሎረስን ብጹዕ ኣቡነ ራይሞንድ ፖይሶን ነቲ ሰነድ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ብወግዒ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሰነድ ሓባራዊ ጥምቀትን ሕብረት ምስ ክርስቶስን ነንሓድሕድና ርክብን ብስራት ናብ ዓለም ናይ ምብጻሕ ተልእኾን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ምዃኑ የመላኽት።

ሰለስተ ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ቀወምቲ ነገር

እቲ ቐዳማይ ነቲ ሓባራዊ ናይ ጥምቀት ጽዋዔናን ክብርናን ከም መሰረት ስኒት መጠን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘጉልሕን ነዚ ክብሪ እዚ ዓሚቝ ኣፍልጦ ምሃብን ከምኡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ተልእኾኣን ናይ ምትሕብባር ኣጋጣሚ ምርካብ ዝሓትት እዩ።

ፍረ ነገር እቲ ምስ ክርስቶስን ኣብ መንጎናን ዝገብር ሕብረት ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ዓሚቝ ምክፍፋል ኣፍልጦ ዝህበሉ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ዘሎ ሓድነት ዘደልድለሉ መገድታት ዘናዲ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሳልሳይ ፍረ ነገር ዝኾነ “ጸዋዕታ ንተልእኾ” ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኵሎም ዝተጠመቑ ነቲ ብስራት ወንጌል ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብን ቤተ ክርስቲያንን ዘለዉ ንምእዋጅ ናብ ተልእኾ ከብሉ ግዴታ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት

ኣብ ውሽጢ እቶም ቀንዲ ፍረ ነገራት፥ እቲ ሰነድ፥ ምእመናን ዘቕረብዎ ጉዳያት እውን ኣጉሊሑ፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ብመንጽር እቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ግህሰት፡ ቅልውላው ምትእምማንን ተኣማንነትን ኣግዳስነት ሓቋፍነትን ብፍላይ ምስ ማሕበርሰብ ሓደኣውያን ጾታዊ ስምዒት፥ ድርብ - ጾታዊ ስምዒትን ስግረ ጾታውነትን (Lesbian, Gay, Bisexual and Transgender - LGBT) ብዝምልከት ርክብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣዋናዊ ዓለም ከምኡ እውን ኣብ ሲኖዳውነትን ልልያን ኣብ ተልኾን ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርትን ምቛም ከም ዘድሊ ዝሕብር ኮይኑ፥

ካብ እግዚኣብሔር ንዝቐርበሎም ሕቶታት ምላሽ ብምሃብን ንኣህጉራዊ መድርኽ መስርሕ ሲኖዶስ ዝምልከት ኣገባባዊ ምምርሕታት ብምኽታልን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ብጹዓን ጳጳሳት እውን ዘመላኽትን ብፍላይ ብዛዕባ ሃገረ ስብከታዊ ዝነበሮም ተመክሮ “ዓቢ ጸጋ” ክብሉ ገሊጾም፡ ንተመክሮ ሲኖዳውነት ዘቐጽሉን ዝዓምቆሉ መገዲ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት እውን ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንቐጻሊ መድርኽ ሓሙሽተ ቀዳምነታት

ከም ውጽኢት ናይቲ ሓባራዊ መመያ ወይ ልልያ፥ ሲኖዶስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ኣብ ዝግበር ዘተ ዝቐርቡ ሓሙሽተ ቀዳምነታት ዝወሃቦም ነገራት” ኣቕሪቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሲኖድሳዊ ምኽሪ እንኮላይ ኣብ ሲኖዳውነት ምቛምን መንፈሳውነት ምስትውዓልን ዘጠቓልል እዩ። ነቶም ኣተገለሉ ኮይኑ ዝስምዖ ሓንጎፋይ ቢልካ ናይ ምቕባል ብድሆን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሓባራዊ ሓላፍነት፥ ኣብ ሞንጎ እተፈላለየ ዓይነት ውልትውናን ምክፍፋልን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሓድነትን ምትሕብባርን ናብ ወሰናስን እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ዝብሉ ምዃኖም ይዝርዝር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣቡናት ፖይሶንን ፍሎረሰን ኣብቲ ናይቲ ሰነድ መእተዊ ኣብ ዝቕረብዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ዝርከቡ ህዝበ እግዚኣብሔር ብሓባር ኣብዚ ናይ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ወሲዶም ኣለዉ - ቢሎም -  ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ መወዳእታ ሰነድ ብዙሓት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናይ ኵሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ሓጐስን ሃረርታን ሰቖቓን ሕልምታትን ክቃላሕ ተስፋ ንገብር።

13 April 2023, 15:44