ድለ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃይቲ፥ ንሰብን ቅዱሳት ቦታታትን ውሕስነት ክህሉ ትጽውዕ! ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃይቲ፥ ንሰብን ቅዱሳት ቦታታትን ውሕስነት ክህሉ ትጽውዕ! 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃይቲ፥ ንሰብን ቅዱሳት ቦታታትን ውሕስነት ክህሉ ትጽውዕ!

“እዚ ናይ ጭውያ ተግባር ሓደ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮይኑ ዘሎ ናይ ኣምልኾን ቅዱሳት ስፍራ ዘርክስ ናይ ሰባት ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝግህስ፥ ንማንም ዘይምሕር ቅዱሳት ቦታታት ዘየኽብር ተግባር እዩ

ኣብ ሃይቲ ናይ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ርእሰ ሰበኻ ነቲ ዳሕረዋይ ኣብ ቅዱስ በርጠለመዎስ መአከቢ ኣዳራሽ ዝተፈጸመ ጨወያን ዝተጨውዩን  ብዙሕ ማህሰይትን ዝወረዶም ድሕሪ ምዝኻር፡ ንሰባትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ክከላኸሉ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ በዓለ ፋሲካ ዘእግዚእነ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ  ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ካብ ዝዘከረወን ብዙሓት ህገራት ሃይቲ ሓንቲ ከም ዝነበረትን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ከምኡ እውን ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቓ ዘላ ካሪቢያዊት ሃገር፡ ዘሳቕያ ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ውዱእ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ተወፋይነት ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ናይታ ሃገር ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ርእሰ ሰባኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማክስ ለሮይ መሲድሮ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ዕጡቃት ጉጅለ ብምእታው ሰባት ጨውዮምን ብዙሓት እውን ኣቝሲሎም ከም ዝሃደሙን ኣዘኻኺሩ፥ ሊቀ ጳጳሳት ለሮይ መሲዶር ኣብ ዘመሓላልፈዎ ናይ ጻውዒት መግለጺ፥ “እዚ ናይ ጭውያ ተግባር ሓደ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮይኑ ዘሎ ናይ ኣምልኾን ቅዱሳት ስፍራ ዘርክስ ናይ ሰባት ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝግህስ፥ ንማንም ዘይምሕር ቅዱሳት ቦታታት ዘየኽብር ተግባር እዩ” እንክብሉ ቁጥዐኦም ገሊጾም፥ በዚ መንጽር እዚ ሰበ ስልጣን ውሕስነት ህይወትን ንብርትን ከረጋገጹን ነቶም ግብረ ጨወያ ዘካይዱን በዚ እከይ ተግባር እዚ ዚረብሑን ኩሎም ከኹንኑን ተሓተትቲ ንምሓዝ ጽኑዕ መርመራ ከካይዱን ንሕጊ ከቕርቡን ጽውዒት ኣቕሪቦም - እግዚኣብሔር ደቁ ናጻ ኪኾኑን ገዛእ ርእሶም ከም ጊልያዎት ከይሓስቡን ይደሊ” ብዝብል ጸሎት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት፥ “እግዚኣብሔር ሓጋዚ ህዝቡ እዩ። ጸጋኡ የንብረልናን ይባርኸናን የድሕነና” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሃይቲ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነት ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ትካል ሰብኣዊ ረድኤት “ኣድሕን ሕጻናት” ሓምሳ ሚእታዊ ህጻናት ሃይቲ ብኽቱር ሕጽረት መግቢ ከም ዝሳቐዩን እቲ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸም ዓመጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዋጋ መነባብሮን ንብረትን የጋድድ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተረኽበ መረዳእታ 5 ሚሊዮን ሰባት ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሃይቲ ዝሽፍን፡ ከምኡ እውን 1.9 ሚሊዮን ህጻናት ዝርከብዎም ኣብ ከቢድ ኣልቦ ውሕስነት መግቢ ከምዝርከቡን ካብቶም 5 ሚሊዮን እቶም ክልተ ሚሊዮን ህጹጽ ኩነታት ኩለ መዳያዊ ህይወት የጋጥሞም ከም ዘሎን እዚ  ዘይውሕስነት እቲ ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣብ ከባቢ ሲተ ሶሌል ዝጸንሐ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ንግዚኡ ክዕጾ ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎን እቲ ውሳነ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ብዙሕ ጎንጽታት ድሕነት ሕሙማትን ሰራሕተይናታትን ሓኻይምን ውሕስነት ምሃብ ዘይከኣል ስለ ዝገበሮ ዝተበጽሐ ምዃኑ ናይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

20 April 2023, 16:33