ድለ

2023.04.19 ካርዲናል ዙፒ፥ ኣባ ቶኒኖ ነቲ ወንጌላዊ ድምጽኻ ብጌጋ ስለ ዝተረዳእናዮ ይቕረታ! 2023.04.19 ካርዲናል ዙፒ፥ ኣባ ቶኒኖ ነቲ ወንጌላዊ ድምጽኻ ብጌጋ ስለ ዝተረዳእናዮ ይቕረታ! 

ካርዲናል ዙፒ፥ ኣባ ቶኒኖ ነቲ ወንጌላዊ ድምጽኻ ብጌጋ ስለ ዝተረዳእናዮ ይቕረታ!

ኣባ ቶኒኖ ነቲ ናይ ክህነትን ጳጳስን ኣልባሶም ኮነ ነቲ ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝጥቀምሉ ኣልባሳት ኩሉ ናይ ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ መግለጽን ብፍላይ እግረ ኣርድእቱ ክሓጽብ ዝተዓጠቖ ጨርቂ ገይሮም ዝነብርዎን ዝገልጽዎን

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዕለት 20 ሚያዝያ ብምኽንያት ዝኾሪ ሳላሳ ዓመት ብሞት ምፍላይ ጳጳስ ካብ ዝብል ማዕርጋዊ መጸውዕ ኣባ ዝብል መጸውዕ ዝመርጹ ዝነበሩ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሞፈታ ሰበኻ ጳጳስ ነፍሰ ሄር “ኣባ” ቶኒኖ፥ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዖ ስብከት፥ “ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ነዞም ዓቢይ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ድምጾም ብጌጋ ስለ ዝተረዳእቶ ይቕረታ ንሓትት” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲኣክን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ሱፒ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ጳጳስ “ኣባ” ቶኒኖ በሎ ዕለት 20 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ፥ ዘራኢ ሰላም ናይ ሓቅን ትሕትናን ኣብነት ሓቀይና ትርጒም ክህነት - ብቓልን ህይወትን ዝመስከሩ፥ ከም ኣገልጋሊ ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ዝነበሩ፥ ፈጺሞም ኣብ ቅድሚት ዘይኮነ ድሕሪት ኮይኖም ረኣዩለይን ስምዑለይን ዘይብል ቦታ ብምሓዝ ምስቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ሓደ ኣብ ምዃን ቤተ ክርስቲያንን ህዝበ እግዚኣብሔር ዘገልገሉ፥ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቃል ኣምላኽ ማእከል ዝገበረ ህይወት

ነፍሰ ሄር “ብጹዕ ኣቡነ `ኣባ’ ቶኒኖ ቃል ኣምላኽ ዝምገቡን ብዘይተሓላለኸ ብቐጥታ መገዲ ንልቢ ሰባት ዝዛረብ፥ ቅድሚ ሳላሳ ዓመት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ፥ ጳጳስ ካብ ዝብል ማዕርጋዊ መጸውዕ ኣባ ክበሃሉ ዝፈትዉ . . . ዘራእ ሰላም፥ ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ዩክሬይንን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ግጭትን ውግእን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብነቶም ህያው ምግባር የድሊ . . . ሰላም ብነኣሽቱ ፈለጋት ዝምገብ እዩ፥ ስለዚ ሰላም እቲ ዓቢይ ውሕጅ በቲ ምፍታሕ ኣጽዋር ውግእ፡ ቁጠባዊ ፍትሕን ምክልኻል ፍጥረትን ሕጋውነትን ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይጎነጽን ተሳትፎን ዝምገብ ምዃኑ ከይተሓለሉ ብዘይ ፍርሒ ዝመሃሩን ክርስቶስ ኣብ ምምሳል . . . ክርስቶስ ክዛረብ ዝፈቐዱ እዚ ድማ ነቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ከም ህያው ቁርባን ገይሮም ዝረኣዩ ኣብ ኣሕዋት ክርስቶስ ምርኻብ ዝመስከሩ፥ ኣብ ወጅሂ ድኻታት ወጅሂ ኢየሱስ ዘለለዩ! እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣፍሊጡ።

ኣልባሳት ሊጡርጊያን ክህንትን

ኣባ ቶኒኖ ነቲ ናይ ክህነትን ጳጳስን ኣልባሶም ኮነ ነቲ ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝጥቀምሉ ኣልባሳት ኩሉ ናይ ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ መግለጽን ብፍላይ እግረ ኣርድእቱ ክሓጽብ ዝተዓጠቖ ጨርቂ ገይሮም ዝነብርዎን ዝገልጽዎን ከም ዝነበሩን ናይ ኢየሱስ ብፍቓድ ኣቦ ውፍይነት ዝምስክር እዮም፥ በዚ መገዲ እዚ እዮም ክህነቶም ደሓር እውን ጳጳስ ምስ ኮኑ ብዝያዳ ዝነበርዎ፥ ጸሎት ድኽነት ሰላም መርሕ ህይወቶም ዝገበሩ፡ ኣብ መበል 58 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 20 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ካብዛ ዓለም ዝተፈልዩ ናይ ማልፈታ ሩቮ ጆቪናዞ ተርሊዚ ጳጳስ፥ ሓባራውነትን ምጉዓዝን ዝብሉ ቃላት ዘይነጻጸሉ ምዃኖም ዝመሃሩ . . . ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣካሉ ገይሩ ዘቖማ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ርእሰ ኣስተንትኖን ክትዕጸው ዘይኮነስ ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ብሓባር መሪሓ ክትጓዓዝ እዩ . . . ነዚ ዘይንርዳእ እንተድኣ ኮይንና ኣብ ኣነ ዶ መንና ይዓብይ ኣብ ዝብል ሕቶ ኢና እንወድቕ . . . ኣገልግሎት ድማ ከም ናይ ግሊ ምርጫ ምግባር ይኸውን። ኣብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መገድታት ብሓባር ምጉዓዝ የድሊ፡ ስለዚ ድማ ንኣባ ቶኒኖ ቤተ ክርስቲያን ትካል ግብረ ሰናይ ኣይነበረትን ኣይኮነትን፥ ኣካል ክርስቶስ እያ፥ ንዅሉ እትሓቁፍ ወትሩ ማዕጾዋ ክፉት ብምዃን ናብ ብምባል ድማ ክርስቶሳውነት እይ እትነብር፡ ህይወት ኣባ ቶኒኖ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌልን ዘማእከለ እዩ ዝነበረ፡ ብዙሕ እዋን ብዙሓት ይርድእዎም ኣይነበሩን ምኽንያቱ ብሓቂ ንኢየሱስ ኣብ ምስዓብ ነቲ ኣብ ልዕል ኢየሱስ ዝለዓል ዝነበረ ሕቶ እውን ኣብ ልዕለኻ እዩ ዝድገም. . . እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ቅድስና ጉዳያት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ውሳኔ መሰረት ኣቢላ ኣባ ቶኒኖ ናብ ብጽዕናን ቅድስናን ውሳኔ ዘሰጋግር ኪደት ክብገስ ፈቒዳ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቢላ ከም ዝሰመየቶም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

21 April 2023, 15:23