ድለ

ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱ ዕድላት የጠዓዕም ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱ ዕድላት የጠዓዕም  (Vatican Media)

ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱ ዕድላት የጠዓዕም

እዚ ሓድሽ መተሓላልፎ እዚ እቶም ንጸሎትን ንቕዳሴን ናብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱ ምእንጋድን ብቐሊሉ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኣትዉ ፍሉይ ዕድል

ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕቃበን ሓለዋን ዕዮታት ዝከታተል ትካል ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱ ካብ ውሽጥን ወጽእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብዝቐልጠፈን ዝቐለለን መገዲ ክእንገድሉን ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገብርዎ ምብጻሕን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉን ንዝደልዩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ መሕለፊ መገዲ ክኽፈት ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ሓድሽ መገዲ ብቐጥታ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓብሩን ነጋዶ ብቐሊሉ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከእትዎም ዘኽእል ከምዝኾነ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈሳውያን ነጋዶ ዘእትው ሓድሽ መገዲ ዝህቦ ኣገልግሎት ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ንግሆ ካብ ሰዓት 06.50 ክሳዕ ሰዓት 18.40 ክፉት ከም ዝኸውን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ናይ ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ህንጻ ምስለኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ ዝሃብዎ መገልጺ ጠቒሱ፥ ስለዚህ እዚ ሓድሽ መተሓላልፎ እዚ እቶም ንጸሎትን ንቕዳሴን ናብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነግዱ ምእንጋድን ብቐሊሉ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኣትዉ ፍሉይ ዕድል ክወሃቦም ካብ ዝብል ድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነቐለ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

29 March 2023, 15:58