ድለ

ሰንበት ዘገብር ኄር መጋቢት 17 2015 ዓ.ም (3/26/2023)

መዝሙር፡መኑ ውእቱ ግብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ....መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡. 1ተሰሎ 5፡1-6፥ 1ጴጥ 2፡11-19፥ ግ.ሓ.16፡9-18፥ ማቴ 25፡14-30  ስብከት፡ ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ። አምላኽይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ” መዝ. 40፡8።

መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ጎይትኡ አብ ሰናይ ግብሪ እንከሎ ዝረኽቦ እናበለ ናይ ሎሚ መዝሙር ነዚ ሰንበት ክነስተንትን ይሓተና። አብ ሰናይ ግብሪ እንከሎና መዓልቲ እግዚአብሔር እንተ መጸት ዕዉታት ኢና። ዝሓለፈ ሰንበት አምላኽ ካብቲ ጠፊእናሉ ዘሎና ክምለስ ከምዝደሊ አስተንቲና ነርና፥ ሎሚ እውን ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ክነፍሪ ከምዘሎና ክነስተንትን እሞ አፍረይቲ ክንከውን ዝሕግዝ ሰንበት እዩ።  

ቅዱስ ጳውሎስ አብ 1ተሰ 5 አብ ሕይወትና ከመይ ኢልና ክነብር ከምዘሎና ብፍላይ ጉዳይ ሞት ከሰክፈና ከምዘለዎ ንምጽአት ጎይታ አብ ተስፋ ጸኒዕና ነቒሕና ክንጽበያ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል፦ መዓልቲ ጎይታ ከምሰራቒ ብለይቲ ከም እትመጽእ አረጋጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም ይብል። ሞት ከይሓሰብናያ ከይተገደስናላ ክትመጽእ ይክአል እዩ። ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃን ደቂ መዓልቲ ኢኹም፥ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን አይኮናን፥ እምብአር ንንቃሕ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ ደአ እምበር ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ አይንኹን. . . . ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾና እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና ናይ ድኅነት ተስፋ ኸም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር (1ተሰ 5፡1-7) ይብለና።

አብ መጽሓፍ ምሳሌ 31፡10-ፍ ዘሎ ምጽባይና ከምታ ናይ ሓንቲ ለባም ሰበይቲ ኩነት ክህልወና ይነግር ንሳ ካብ ክቡር ዕንቊ አዝያ ትኸብር. . . ምሉእ ዕድሚአ ሠንይ እምበር ክፉእ አይትገብርን. . . . ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም ንጽጉማት ከአ ብልግሲ ትረድኦም ክብረታ አብ ጽባቔአ ወይ አብ ጉልበታ አይኮነን አብ ልቦናአ እዩ፥ ብምስትውዓላ አብ ሕይወት ቀዳምነት ዘድልዮም ተቐድም። አብዚ እንርእዮ ሰብ አብ ሕይወቱ ቀዳምነት ዝሰርዖ ክህልዎ ይግባእ፥ ንኹሉ እናመራሕካ እንከሎኻ አብቲ አምላኽ አባና ዝደልዮ ቀዳምነት ሂብካ ምንባር ንሰብ አብ አምላኽ የቕርቦ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል አብ ሕይወትና ቀዳምነት ክንህቦ ዝግብአና ከምኡ ዓላማ ናይ ኩሉ ተግባራትና እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ይነግረና። አብዚ ምሳሌ ምክሊት ንነፍሲ ወከፍ ዓዓቕሙ ገንዘብ ከፍሪ ይውሃቦ። ሓደ ምክሊት ሓደ ከፍሪ ወይ ክነግድ ንዝደሊ እኹል ገንዘብ እዩ። አብዚ ምሳሌ ምኽሪ ዝሓዘ ሓሳብ አልኦ ንሱ ኸአ አብ መንጎ ትንሣኤ ክርስቶስን ዳግማይ ምጽአቱን ዘሎ እዋን ሰባት ብኸመይ ክነብሩ ከምዘልኦም ይነግረና። እቲ ወሃቢ ጎይታ ከይመጽአ እንከሎ ንዝተዋህበና ህያባት ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክነጽንሕ ከይንዝንግዕ ይነግረና።

ዝተፈላለየ ህያባት፡

አብዚ ምሳሌ ምክሊት ንመገሻ ዝነቐለ ሰብአይ ንብረቱ ንሰለስተ አገልገልቱ ጸዊዑ ከማሓድሩሉ እሞ ከኽስብዎ ኢሉ ዓዓቕሞም ከምዝሃቦም ይነግረና። ሓደ ዓይነት ብዝሒ አይኮነን ሂብዎም እዚ ኸአ ዝተፈላለየ ክእለት ወይ ሃያባት ከምዝነበሮም እዩ ዘርእየና። አብ ምምላሱ ከምቲ ዝተፈላለየ ህያባት ዝሃበ መጠን ዝሃቦ ዝተፈላለየ መኽሰብ እዩ ዝጽበ። ሰባት አብዚ አብ ነነድሕዶም አይ ኮኑን ዝወዳደሩ መምስርእሶም እዮም ዝወዳደሩ።

እቶም ክልተ ቀዳሞት ሓደ ሓምሽተ እቲ ካልአይ ከአ ክልተ ዝወሰዱ ካብቲ ዝተዋህቦም ዕጽፊ ከሲቦም። እቲ ሳልሳይ ግን ዝወሓደ ዝተቐበለ ከይዱ ኵዒቱ ወርቂ ጎይትኡ ሓብአ ይብል። አብ ናይ ግሪኽ ትርጓሜ ከሲቡ ወይ ገሩ ዝብል ቃል ነቲ አብ ክርስትያናዊ እምነት ምምላስ ወይ ምቕባላ ዝገብርዎ ጻዕሪ እዩ ዘስምዕ እምበር ናይ ገንዘባዊ መኽሰብ አየስምዕን። አብዚ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ክርስትያን አብ እምነቱ ዝኸስቦን ዝኸስሮን ኢና እንዛረብ ዘሎና፥ አብዚ ብዛዕባ ዶላር ወይ ዝኾነ ንዋታዊ መኽሰብ አይ ኮናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ሓንቲ ዝተቐበለ ንርእሱ ጥራሕ ብምሓዙ ንኻልኦት ክጥቀሙሉ ዕድል ስለ ዘይከፈተ በደለኛ ተቖጺሩ።

ድኅሪ ነውሕ እዋን እዚ ዘመልክቶ አብ መንጎ ትንሣኤ ክርስቶስን ዳግማይ ምጽአቱን ዘሎ እዩ ዘመልክት፥ እቲ ጎይታ ወይ ዋና ነቶም አገልገልቱ ክጸባጸብ ይጽውዖም። በቶም ክልተ ቀዳሞት ነቲ ዝሃቦም ዕጽፊ ስለ ዘፍረዩ ብጣዕሚ እዩ ተሓጒሱ። ንሶም ቅንዕናን ሰናይ ድሌትን አርእዮም ከይንኸስር ኢሎም ፍርሒ አየርአዩን ብድፍረት ዝክአሎም ገሮም ስለዚ በቲ ዘርአይዎ እምነት አብ ዝዓበየን ዝበዝሓን ሓላፍነት ክወስዱ አረጋጊጾም። እሙናት ከምዝኾኑ ጎይትኦም አረጋጊጹ። ጽቡቕ አታ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብውሑድ ተአሚንካ ኢኻ እሞ አብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እዩ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ ተባሂሎም።

እቲ ሳልሳይ ሰብ ቐሪቡ ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮ እትእክብ ጨካን ሰብአይ ምዃንካ እፈልጥ እየ፥ ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ ነቲ ምክሊትካ ድማ አብ ምድሪ ሓባእክዋ ሕጂ ኸአ እንሆ ገንዘብካ በሎ። እቲ ጎይታ ብጣዕሚ ተቖጢዑ እንተ ወሓደ ገንዘበይ አብ ባንኪ መቐመጥክዎ እሞ ወለድ ምረኸብኩ ሕጂ ግን ገንዘበይ ሓንቲ አየፍረየን እናበለ ነቲ ብዓል ሓደ ዘይምፍራዩ ጥራሕ ዘይ ኮነ ንጎይትኡ ዘይኮኖ ስለ ዘጸለሞ አብ ቦታ ጓሂ ክኸይድ ተወሲንሉ። አብዚ እንዝክሮ እቲ ዘይፈሪ ጨንፈር ወይኒ ተቖሪጹ አብ ሓዊ ከም ዝድርበ ዘየፍሪ ዘበለ ኩሉ አብ ግሃነም እሳት እዩ ዕጭኡ። ብርድኢት ወንጌል እዚ ነቶም ክርስትያን አብ ኩሉ ንእምነቶም ዝነብርዎ ዝመስሉ ግን ሓንቲ አበርክቶ አብ ማኅበር ክርስቶስ ዘይብሎም ወይ አብ ምምስካር ወይ ምስባኽ ወንጌል ሓንቲ ዘየርእዩ እዩ ዘመልክት።

ዊልያም በርክልይ ዝተባህለ ምሁር አርባዕተ ነገራት ክንርኢ ንኽእል ይብል።

1.   አምላኽ ንነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለዩ ህያባት ይህብ። ወላ እኳ ምስ ካልኦት ንርእስና ክነወዳድር ናይ ምድላይ ዝንባሌ ይሃልወና ብዝሕን ዓይነትን አየገድስን እዩ። ነቲ ንብሕትና ጥራሕ ዝተዋህበና ከመይ ገርና አብ ጥቕምን አገልግሎትን መላእ ማሕበር ከም ዘውዓልናዮ ኢና እንሕተት። ነፍስወከፍና ነዚ እንተ ገበርና ማሕበርና ትዓብን ትድልድልን።

2.   ስራሕና ጨሪሹ አይውዳእን እዩ። እቶም ክልተ ቀዳሞት በቲ ዝተዋህቦም ምስ አፍረዩ ንዑ አዕርፉ ኮፍ በሉ ተቐመጡ አይተባህሉን። እኳ ድአ በቲ ዘርአይዎ ተአምኖ ዝያዳ ዝዓበየ ሓላፍነት ተዋሂብዎም። ንዘለዎ ዘበለ ኹሉ ይህብዎ ይውስኽዎውን ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ የግድፍዎ።

3.   እቲ ዝቕጻዕ እቲ ሓንቲ ዘይገብር እዩ። እቲ ብዓል ሓንቲ ነታ ዝተዋህበቶ አየጥፈኣን። አብ ሓንቲ መዓላ አየውዓላን፥ ፈቲኑ ግን ዘይተዓወተ እንተ ዝኸውን አይምተጨከነሉን ከምኡ ምተማሕረ ነሩ፥ ዝክአሎ ገሩ ግን አይተዓወተን መተባህለ ነሩ። እዚ ሰብ ግን አይፈተነን ሓንቲ ሠናይ ምልክት ወይ ድለት አየርአየን ክፉእ ጥራሕ አይ ኮነን ገሩ ድለት እውን አየርአየን ስለዚ ተቐጺዑ።

4.   ንዘለዎ ዘበለ ኹሉ ይህብዎ ይውስኽዎውን ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። አብዚ ፍትሒ ዝጎደለ ይመስል ካብ ድኻ ወሲድካ ንሃብታም ከም ምውሳድ። ኢየሱስ ግን ዝብለና ዘሎ እቶም ብሕያውነትን ብሓቅን ካብቲ ዘለዎም ህያባት ብድለቶም ምስ ካልኦት ዝማቐሉ ዝያዳ እዮም ዝህብትሙ። እቶም ብብቅን ብፍርሓትን ፍቕሪ ንዋይን ገንዘብን መሊኽዎም ምስ ሓደ ከይተኻፈሉ አብ ብዓቲ ፍርሒ ዘስቆርቁሩ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዕጭኦም። እቶም ንሕይወቶም ዝበቅዋ ከጥፍእዋ እዮም፥ እቶም ዘልኦም ምስ ካልኦት ዝካፈሉ ብዕጽፊ ክህብትሙ እዮም። እዚ ሕጊ ወንጌል እዩ፥ ከምኡ ሕጊ ሕይወት እውን እዩ፥ እዚ ንመብዝሕትና አብ ግብሪ ክንአምኖ ዘጸግመና።

ክትቕይር ምአባይ፡

ካልእ ትርጉም ነዚ ምሳሌ እውን ክውሃቦ ይክአል እዩ። አብ ክርስትያናዊ ባህሊ ወይ መንፈሳውነት ክትምዕብል ወይ ክትመሓየሽ ዘይምድላይ። እዚ አብ ኩለን እምነታት ዘሎ ጸገም እዩ ወላ አብ ናትና። አብ ጊዜ ኢየሱስ ብዙሓት ካብ አይሁድ ባህሎምን ሕጎምን ብጥብቂ ዝሕልዉ ነሮም እዮም። ንዝኾነ ለውጢ ወይ ምዕባሌ ይቋወሙ ነሮም። ነቲ ሓቀኛ ትርጉም ሕጊ አጥፊኦም ንኢየሱስ ይቋወምዎ ነሮም። አብ ቤተ ክርስትያን አብዚ እዋን ወላ ሓንቲ ለውጢ ወይ ምስ እዋኑ ዝኸይድ አገባብ ከይተአታቶ ብጽኑዕ ዝቋወሙ አለዉ። አብቲ አረጊት ባህልናን ስርዓትናን ጥራሕ ነኺስና ክንከይድ ዝደልዩ አለዉ፥ ነቲ መንፈስ አምላኽ አወጊኖም ክነብሩ ይደልዩ። እንተ ኾነ አካይዳ ሕይወት እዚ አይኮነን። መንፈስ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ይጎድል አሎ። ቤተ ክርስትያን ናይ እዋና ምልክታት አንቢባ ክትክእል አለዋ እዚ ግን ሱቕ ኢላ ክትልውጥ አልአ ማለት አይኮነን።

አስተንትኖ የድልየና አሎ።

አምላኽ እንታይ ፍሉይ ክእለትን ወይ ህያባት ሂብና አሎ? ገለ ካባና ዕዙዝ ህያባት ዝተወሃብና አሎና። እንተኾነ ሓደ ርጉጽ ነገር አሎ ወላ ሓደ ካባና አይተወሃብኩን ክብል ዝኽእል የለን ኩልና ከከም ዓቕምናን ዘድለየናን ተዋሂብና አሎና። እምብአር አብ ሕልናና አቲና ነቲ ብፍሉይ ንአና ዝሃቦ ህያባት ከመይ ገርና አብ አገልግሎት ማሕበርናን ብዓቢኡ ሕብረተሰብን ነውዕሎ አሎና ክንሓትት ይግብአና። ንህያባትና ወይ ክእለትና አብ ካልእ መዓላ ክነውዕሎም ከሎና ንቐብሮ አሎና፥ ከየፍረና ብዘይ ሓደ መኽሰብ ንሕዞም አሎና ማለት እዩ እንተ ኾነ አምላኽ ክሓተና ምዃኑ ክንፈልጥ አሎና። ሎሚ እንተ ንመውት እሞ ኢየሱስ እንተ ዝረኽበና ነቲ ዝሃብኩኻ/ኺ ህያባት ከመይ ተጠቒምካሉ/ክሉ? ኢሉ እንተ ዝሓተና እንታይ እናበልና ምመለስና። ካብቲ ዝሃብኩኻ መንን ከመይን ተጠቒሙ? እንታይ ምኾነ መልስና?

እቲ ጎይታ ከም ሰራቕ ኮይኑ ብለይቲ ክመጽእ እዩ ስለዚ ዝተሰናዶና ክንከውን ይግባእ። ምናልባት እቲ ዝተዋህበና ቀቢርናዮ ወይ አብ ናይ ብሕትና ጥቕሚ ጥራሕ አውዒልናዮ እንተ ኾና ካብቲ ዘለዎ ነውጽአዮ እሞ አብ አገልግሎት መንግስቲ አምላኽ ነውዕሎ።

አምላኽ እሙናት አገልገሉት ገሩ አብ ግራቱ እነፍርየሉ ጸጋ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

   

 

25 March 2023, 12:39