ድለ

ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ሓልዮ ስደተይናታት፥ ስደተይናታት ክሕገዙ ጻውዒት የቕርብ ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ሓልዮ ስደተይናታት፥ ስደተይናታት ክሕገዙ ጻውዒት የቕርብ  (AFP or licensors)

ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ሓልዮ ስደተይናታት፥ ስደተይናታት ክሕገዙ ጻውዒት የቕርብ

ቤተ ክርስቲያን ንዅሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደው ክትብል ሓላፍነት ኣለዋ ኣብቲ ናታ ሓላፍነት ድማ ናትና ሓላፍነት ኣሎ!

እቲ Jesuit Refugee Service ብኣህጽሮተ ቃል JRS - ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት ጨንፈር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ “ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣሳፊረን ዝነቕላ ጀላቡ” ደው ንምባል ብዝብል ዕማም መግንስቲ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ካብ መዓታዊ ኩነታት ክሃንድሙ ንዝግደዱ ሰባት ዝቐጽዕን ንናይ ኣድልዎን ኣፍደገታትካ ምዕጻውን ክህሉ ንዝገብሩ መምርሕታት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር እዩ እንክብል ነቲ ሕጊ ከም ዝነቐፈ ዜናቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሪጣንያ ነቶም ብነኣሽቱ ጀላቡ ብእንግሊዝ መትረብ ኣቢሎም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ብጥልቂ ዝርዝር መብርሂ ከም ዝሃበትሉን፡ ናይታ ሃገር መራሄ መንግስቲ ሪሹ ሱንክ ናብ ሃገሮም ዝኣትዋ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘጓዕዛ ጀላቡ ደው ምባል ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ናይቲ መግንስቶም ዘጽደቖ ሕጊ ቀዳምነታት እዩ እንክብሉ ገሊጾም ከም ዝነበሩን እቲ ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናትት “ እዚ ጀላቡ ደው ንምባል” ዝብል ወፍርን ሕግን ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ እንክብል ከም ዝነቐፎን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ እንክብል ርእይቶ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ “እማም ዘይሕጋዊ ስደት” ማለት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝመጽእ ሰብ ዑቕባ ክሓትት ከም ዘይክእልን ናብ ሃገሩ ወይ ናብተን ውሑሳት ዝበሃላ ሳልሳይ ሃገራት ክስጎግ ዝብል ከም ዝኾነን እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ኤውሮጳ ኣክንዲ ውሑስን ተበጻሒን መስመራት ምፍጣር፥ ዝከላኸል ውሑስን ተበጻሕን መስመራት ክህሉ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ እትመኽረሉ ዘላ እዋንን ከምኡ እውን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢጣሊያ ዝተራእየ ካብ ኣፍጋኒስታንን ሶማሊያን ሶርያን ዝመጹ ስደተይናታት ዝጸዓነት ንእሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ልዕሊ 70 ዝግመቱ ስደተይናታት ኣብ ዝሞቱሉ እዋን እዩ።

ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት ጨንፈር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ዊሊያም ነኤል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ መመሓደሪ ዘይሕጋውያን ስደተይናትት ዝምልከት ሕጊ ንዝስደዱ ዝቐጽዕን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕን እዩ እንክብሉ ነቒፎም፥

እቶም ብጀላቡ መትረብ ኢንግሊዝ ኣቢሎም ናብ ዓባይ ብሪጣና ዝኣትዉ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዝኣትው ስደተይና ኣብ መጽንሒ ስደተይናታት ዘሎ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልቲ ናይ ዑቕባ ሕቶ ከቕርብ ይኽእል ዝብል ሕጊ ዝጻረርን ዘየኽብርን እዩ

ከም ዝበሉን ብፍላይ ነቶም ስደተይናታት ናብ መበቆል ሃገሮም ክስጎጉ ወይ ናብታ ውሑስ ሳልሰይቲ ሃገር ቢሉ ዘቕርባ ሃገራት ክልኣኹን እያቶም ዝብልን ኮይኑ፡ እተን ሳልሳይ ውሑሳት ሃገራት ዝበሃላ ብጀካ ሩዋንዳ ካልኦት ከም ዘይተገለጻን እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብያተ ፍርዲ በጹሑ ዘሎ ጉዳይ እውን እዩ ኢሎም።

ውጥን ሩዋንዳ

እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተኣወጀ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ሕጋዊ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ውጥን ብዘይ ናይ መእተዊ ፍቓድ ወይ ካልእ ፍቓድ ናብታ ሃገር ክኣትው ዝፍትኑ ወይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ሰባት ናብታ ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና ዘለ በቲ ሕጊ መሰረት እትግለጽ ሃገረ ሩዋንዳ ክለኣኹን ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ኣብ ሩዋንዳ ከቕርቡ ዝእዝዝ  ከም ዝኾነን ክፍለጥ እንከሎ፥

ቤትካ ብሓዊ እናደደ እንከሎ፥ ኣብ ቤትካ ምትራፍን ወይ ነታ ብሓዊ እትባራዕ ዘላ ቤትካ እናረኣኻ ምትራፍ ምርጫ ኣይኮነ፥

ስለዚ ብዙሓት ስደት ይመርጹ። ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክትገልጾ ዘጸገም ሓደገይና ጉዕዞታት ይገጥሙ ነዞም ሰባት እዚኦም ደው ከተብሎም ዘይከኣል እዩ። ሰብኣውነትና ናብ መዕቆቢ ሃገር ብስሩዕ መገዲ ክመጽሉ ዝክእልሉ መገዲ ምፍጣርን እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕን ክንጽመድ እዩ ዝሓትተና።

ስለዚህ ህይወቶም ምድሓንን ንስደት ዝዳርጎም ጸገም ካብ ሱሩ ንምምሓው ብትግሃት ምዕያይ!

ድምጺ ቤተ ክርስቲያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ንስደተይናታት ናይ ምእንጋድን ሓለዋን ምውህሃድን መስርሕ ክቐርበሎም ይሓትቱ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ድማ እዚ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ግብሪ ክውዕል ናብ መንግስታት ድምጻ ተስምዕ፥

ማሕበረሰብና ነቶም ካብዚ ኩነታት ዝሃድሙ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወኪሎም ድምጾም ዘስምዑ ምስ ዝኾኑ ዝያዳ ምትሕብባር ነምጽእን ንሓንጽን!

. . .  በዚ ድማ ምትሕግጋዝ ዝህነጸሉ መገዲ ምልላይ። ህዝብታት ክምዕብሉን ብግቡእ ክዓብዩን ምፍቃድ` ከምኡ እውን ነቶም ክስደዱ ዝግደዱ ምቕባል ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ትምህርትን ባዕላ እውን ብዝተፈላለያ ትካላታ ኣቢላ እተሳልጦ ግብረ ሰናይ ምዃኑ ገሊጾም፥

ድምጽታት ሓደጋ ዕሽሽ ዘይምባል

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሎ እማመን ከልእ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ተመሳሳሊ ናይ ስደተይና መመሓደሪ ሕጊ፥ “ከም ውልቀ ሰባትን ከም ቤተ ክርትያንን ( . . . ) ኣብ ጎድኒ እቶም ካብ ሓሳርን መከራን ዝስደዱ ደው ክንብል ዝጽውዓና ናይ ሓደጋ ደወል እዩ . . . ኣብ ጎድኖም ደው ክንብል ሓላፍነትና እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ንዅሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደው ክትብል ሓላፍነት ኣለዋ ኣብቲ ናታ ሓላፍነት ድማ ናትና ሓላፍነት ኣሎ!

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 March 2023, 15:52