ድለ

2023.03.03 ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 1 - 6 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2023.03.03 ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 1 - 6 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ 

ጉባኤ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ፥ ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ‘ፍትሓውን ልዑልን” ዕድል እዩ!

ብጹዕ ካርዲናል ኦምብንጎ፥ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ መጀመርታ ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ፍትሓውን ልዑልን ህሞት እዩ . . . ሲኖዳውነት ንምንባር ዝሕግዝ

እቲ ካብ ዕለት 1 – 6 መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ኣህጉራዊ ጉባኤ ሲኖዶስ” ከም እተዛዘመን እዚ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ጉዳያት ኣፍልጦ ዘምጽአ ምንባር ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኪደት ሲኖዶስ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ግን ክኽወን ዘለዎ ፍጹም ኣድላይ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ብርቱዕ ክትዕ ከለዓዕል ዝኽእል እውን እንተኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ክትህበሎም ዝግብኣ ጉዳያት ኣፍልጦ ዘውሃባ ናይ ብዙሓት ተመክሮ ከም ዝነበረን። ውጽኢታዊ ቢልካ ዝግለጽ እውን እንተኾነ፡ እቲ ዘተ ቁልቁለት ኣይነበረን። ብዙሕ ዓቀብ እውን ዝተራአይሉ ምንባር ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስድራ ቤት ኣምላኽ ኣብ ኣፍሪቃ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ “ከም ኣነ ምሕሳብ ዘይኮነስ ከም ንሕና ማለት ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ኣምላኽ ምሕሳብ ከም ዘድሊ” ብፍሉይ ዘጠንቀቐን፥ ሓድሕዳውን ንመንፈስ ቅዱስን ምስማዕን ክግበር ዘለዎ ኵሉ ገና ኣይተበጽሐን እዚ እውን ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ እተቕርቦ ሓሳብ ኮይኑ፡ ስለዚ ቀዳምነት ማለት ኩሉ ነገር ዘይኮነስ እቲ ኣገዳሲ እዩ፡ 15 ጉጅለ ዘለና እውን እንተኾነ እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ 15 ሓሳብ ኮይኑ ዝቐርብ መሚኻ ናብ ሓሙሽተ ምውራድ የድሊ።

መስቀላዊ ኣርእስታት ቀዳምነት ምሃብ

ይኹን እምበር ከምቲ ልሙድ ምስ መንፈሳዊ መመያ ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ቀዳምነታት ውሑዳት ምምራጽ ብድሆ እውን እንተኾነ እቶም ዓሰርተ ሓሙሽተ ጉጅለታት ዘቕረብዎ 15 ቀዳምነታት ብተማላላእነት ኣገባብ ውሑድ ንምግባር ብዙሕ ክትዕ ከም እተራእየን ድሕሪ ብዙሕ ምስማዕ ኣብ መወዳእታ፥ እቶም መስቀላዊ ኣርእስታት ብሸሞንተ ነጥብታት ጸሚርካ ንምቕራብ ከም እተኻእለ ዜና ቫቲካን ይገልጽ።

1.      ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ - ጉስነት ንስድራ ቤት ኣብ እዋናዊ ብድሆታት ከም ፍትሕ፡ ዝተበተነ ሓዳርን ዳግማይ መርዓን፡ ኣማራጺ መንገድታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ዝተፋትሑን ንጽል ስድራቤትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዘተኮረ።

2.      ንናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ብዘይ ምግሃስ ካብ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ሲኖዶስ ኣብ 1995 ዓ.ም. ጀሚሩ ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ኣብ ዝብል ኣምር ነቲ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ባህላዊ ክብርታት           ምዕማቕ

3.      ኣብ ከም በዓል ኡቡንቱ ኡጃማ ኢንዳባን ፓላቨርን ዝኣመሰሉ ፍልስፍናታት ከም ዝግለጽ ሓባራዊ ሓላፍነትን ምትሕግጋዝን መፍትሓዊ መትከላት ዝኾኑ ኣፍሪቃዊ ማሕበረሰባዊ ባህሊ ኣብ ምግምት ምእታው

4.      ኣብታ ኣህጉር መብዛሕትኡ ግዜ ውግእን ማሕበራዊ ግጭትን ዘስዕብ ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ንምምካት ተወፋይነት

5.      ንመምርሕታት መለኮታዊ ኣምልኾ ብምኽባር ንናይ ምእመናን ንጡፍ ተሳትፎ ሊጡርጊያዊ ሕዳሴ ምግባር

6.      ኣብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ንምስፋሕ ዝሕግዝ መገዲ ብምዃኑ ንዅሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝሓቁፍ ኣገባብ ምድንፋዕ

7.      ደቂ ኣንስትዮ መንእሰያትን ኩሎም ዘተገለሉ ኮይኖም ዝስምዖም ጉጅለታት ህብዘ እግዚኣብሔር ተሓቋፍነቶም ምድንፋዕ

8.      ምህዳራዊ ፍትሕን ሃልኪን ሲኖዳውነት ለውጢ ከም ኣገባብ ምንባር ምህዳራዊ ቅልውላው ንምፍታሕ

ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓድነትን ብሓባርን ክነብሩ ከለዉ ክንደይ ጽቡቕን ባህል ዘብልን እዩ

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት በቢ ተራ ሓጺር መደረ ከም ዘስምዑን፥ ናይቲ ጉባኤ ሲኖዶስ አንጋዲት ሃገረ ኢትዮጵያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፍኤል፥ ኤጲስቆጶሳዊ ህብረት ጉባኤ ነዚ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክእንገድ ምምራጹ ኣመስጊኖም፡ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ቀዳማይ ምኽትል ኣቦ መንበር ሞዛምቢካዊ ጳጳስ ሉሲዮ ሙኣንዱላ ቅድሚ እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣክራን ናይሮቢን ዝተኻየዱ ክልተ መሰናድኦ መድርኻት ሓዊሶም ክፍሊ መዝሙረ ዳዊት ጠቒሶም፥ “ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓደ ኪነብሩ ክንደይ ባህ የብል . . . ቢሎም፥ እዚ እውን መንፈስ ናይቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ተመክሮ ምዃኑ እዩ ከም ዝበሉን፥

ሲኖዳውነት፥ ሓባራውነት ሱታፌን ተልእኾን

ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መበል 15 ሓፈሻዊ ፍልዩ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ እውን ብወገኖም፥ እቲ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ብፍላይ ናይ መወዳእታ ሰነድ ኣብ ምቕራብ ዘርኣዮ መንፈስ ኣድኒቖም፥ “ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን በዚ ዘደንቕ ናይ ምስማዕ ግዜ ንኣምላኽን ንዓኻትኩም ከመስግን እፈቱ . . . ሲኖዳውነት ሓባራውነትን ሱታፌን ተልእኾን ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ህብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ፥ ነዚ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ዘአንገደት ሃገረ ኢትዮጵያ መንግስትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያን ንዝገበርዎ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም ንዅሎም ተጋባእያን እውን ከም ዘመስገኑን ኣፍሊጡ።

‘ፍትሓውን ልዑልን” ህሞት

ቀጺሎም ብጹዕ ካርዲናል ኦምብንጎ፥ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ መጀመርታ ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ፍትሓውን ልዑልን ህሞት እዩ . . . ሲኖዳውነት ንምንባር ዝሕግዝን ዘጽንዕን። ኣብ ኣፍሪቃ ስምዒት ናይ እግዚኣብሔር ስድራ ቤት ምዃን እንመሃረሉ ህሞት እውን እዩ፡ ንሓድሕድናን መንፈስ ቅዱስን ጽን ብምባል ነቶም ነቲ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝጸሉ ረቐቕቲ ጉዳያት ክንሰምዕ ዘብቅዓና ህሞት እዩ” እንክብሉ ርእይቶኦም ከም ዝሃቡን፥ “ሕጂ እቲ ኣህጉራዊ ደረጃ - ሲኖዳዊ መስርሕ ተዛዚሙ ናብቲ ኵላዊ ደረጃ ነብል ኣሎና። ምናልባት ንኣፍሪቃን ህዝባን ስግኣት ዝኾነ ከም ሃይማኖታዊ ስነ ሓሳባዊ ጸንፈይናነት ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ንምውጋድ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ጉዳይ ንምምይያጥ እኹል ግዜ ኣይነበረን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

07 March 2023, 15:59