ድለ

ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ 

ውሳነ ኣበዓዕላ በዓለ ልደት ኣብ ዩክራይን ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ኣብ ዩክረይን ካብ ጠቕላላ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን እቲ 90 ሚእታዊ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ውሳኔ ከም ዝድግፍ ክንገር እንከሎ

ሚእታዊ ምእመን ነቲ ሓድሽ ውሳኔ ይድግፍ

ኣብ ዩክረይን ካብ ጠቕላላ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን እቲ 90 ሚእታዊ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ውሳኔ ከም ዝድግፍ ክንገር እንከሎ፥ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ውሳኔ ዕለት 6 ለካቲት ብናይ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ብናይ ሃገሮም ቀጥታዊ መደብ ተለቪዥን ብወግዒ ከም ዝገለጹን እዚ ውሳኔ እዚ እውን ምስ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ምምኽካር ዝተበጽሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ክሳብ ወራር ሩሲያ ኣብ ዩክረይ ዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብዚ ጒዳይ እዚ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ናይ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብዙሕ ናይ ሓሳብ ፍልልዩ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ዳርጋ 90 ሚእታዊ ነዚ ውሳነ ሲኖዶስ ዝድግፍ እዩ። ብዙሓት ኡክራይናውያን እውን ካብ ዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ ምርሓቅ ዝብል ውሳነ ዝህብዎ ድጋፍ ምስቲ ወራር ሩሲያ የተኣሳስርዎ ከም ዘለዉ ይገልጹ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካቶሊክን ኣርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን

ካቶሊክን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ናይ ፋሲካ ሓባራዊ ዕለት ኣብ ዝዝትያሉ ዘለዋሉ እዋን፡ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንግዚኡ በዓለ ፋሲክ እተብዕለሉ ዕለት ብዓውደ ኣዋርሑ ዩሊዩስ ክጸንሕ ከም ዝወሰነትን ናይ ሓባር ዕለተ ፋሲካ ክህሉ ዝብል ተስፋ ከም ዘሎን እዚ እውን ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 325 ዓ.ም. ዝተኻየደ ፈለማይ ጒባኤ ኒቅያ ዝብጻሕ ስምምዕ ክኸውን ብዙሕ ትጽቢት ከምዘሎ የመላኽት።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣንጻር ድሌት ፓትሪያርክ ሞስኮን መላእ ሩሲያንን ካብ ናይ ቁስጥንጥናይ ፓትሪያርክ በርጠለምዎስ ቀዳማዊ ርእሰ - ቀፋልያውነት መሰል ዝረኸበት ምስ ናይ ሞስኮ ኦርቶዶክሳዊት ምትእስሳር ዝነበራ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ኣቆጻጽራ ጎርጎርዮሳዊ መርሓ ዕለት ከተግዕዝ ትሓስበሉ ከምዘላን ነዚ መሰረት ገይሮም ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ “ናብ ሓደ ዕላማ ኢና ንሰጋገር ዘሎና” ቢሎም፥ “እንተኾነ ግን ነቶም ድልዋት ዘይኮኑ ኣብቲ ናይ ቀደም ዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ክህልዎም ወሲንና ኣሎና፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ግንቦት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዩክረይን ኣብ እተካይዶ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ እዚ ውሳነ እዚ ክትመኽረሉ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 February 2023, 15:14