ድለ

፩ ሰንበት ዘፍልሰታ 1 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. (8/7/2022 ዓ.ም)

መዝሙር፡ ዮም ንወድሳ ለማርያም. . . . በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይለ ልዑል ዘጽለላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ። ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡.   ሮሜ 9፡1-5፥ 1ጴጥ 1፡6-12፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ማቴ 14፡22-33     ምስባክ፡   እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ መዝ. 87፡5።

ካብ 1-16 ነሓሰ ዘሎ ጊዜ ብፍሉይ ንዝኽሪ ፍልሰታ ለማርያም ብጸሎትን ምህልላን ጾምን እነሕልፎ እዋን እዩ። ጾመ ፍልሰታ ወይ ጾመ አርድእት እውን ይብሃል እዩ። ምእንቲ ክብሪ ማርያም ናብ ብዓል ፍልሰታ ንምስንዳው እንገብሮ ክልተ ሳብዕቲ እዩ። ድንግል ማርያም ከም ወዳ ብሥግአ እውን ካብ ሙታን ከም ዝተንስኤት እሞ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰት ዘኪርና ነብዕሎ።

ዘመነ ፍልሰታ እዚ እንነብሮ ዓለም መወዳእታና ከምዘይኮነ ሓሲብና ስንቂ ሰማይ ክነሰናዱ ዘዘኻኽረና እውን እዩ። ንባባትና ነቲ አብዚ ሕይወት ዝጓነፈና ፈተናን ክንገብሮ ዘሎና ወይ ክንሕዞ ዘሎና መገዲ እናነገሩ ኢየሱስ መድኃኒና ኩሉ ጊዜ ምሳና አብ ጥቓና ከምዘሎ፥ ማርያም አደና አብ ጥቓና ኮይና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት ንድላይ አምላኽ ቀዳምነት ሂብና ክንጉዓዝ ይነግሩና።

አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዝተፈላለየ ማዕበል ከምዘሎ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ገለ ጊዜ ብድኽመትና ገለ እዋን ከአ ብኻልእ ዝመጽእ ማዕበል ገጢሙ ንሕይወትና አብ ፍርሕን ስክፍታን ከም እንነብር ዝገብር አሎ፥ አብዚ እዋን እዩ ኢየሱስ መድኃና ነዚ አፍራሕን አሰካፍን ማዕበላት ከህድአልና ምሳና ዝህሉ። ንሱ ካብቲ ዓሚቕ ዓዘቕቲ አውጺኡ ሰላም የውርደልና። አብ ሕይወት ዝገጥም ዝተፈላለየ ማዕበላትን ከምኡ ዝመስልን መአዝና ከም እነጥፍእ ይገብረና እሞ ፍርሓት ተስፋ ቍርጸት የስዕበልና፥ ልዕሊ ኹላ ሰላም የጥፍአልና።

ማርያም አብ ሕይወታ ዝተፈላለየ ማዕበላት ገጢምዋ፥ ወዳ መድኃኒ ብርእሱ ካብ መጀመርያ ንጉሥ ሃገር ክቐትሎ ምስ ደለየ ንስደት ምስ ሕፃን ወዳ ከይዳ፥ አብ ዓዲ ጓና አብ ስደት ተቐሚጣ። እቶም ክቐትልዎ ዝደለዩ ምስ ሞቱ ነገራት ሃዲኦም ይኾኑ ኢላ ምስ ወዳን ቅ. ዮሴፍን ተመሊሳ ቍሩብ ከይጸንሑ ወዳ አብ መገዲ ንሰለስተ መዓልቲ ጠፊእዋ፥ ወላዲት ወዳ ክጠፍአ እንከሎ ክንግምቶ ንኽእል ክሳብ ክንደይ ከም እትጉህን እትበክን እዚ ንርእሱ ከቢድ ማዕበል ስቓይ እዩ ነሩ። ተልእኮኡ ጀሚሩ ንሰባት ቃል አምላኽ እናሰበኸ ዝተፈላለየ ተአምራት እናገብረ እንከሎ ጋኒን አለዎ ሓሚሙ እዩ ዘሎ ተጸሊሉ አሎ ብሓለቓ አጋንንቲ እዩ ነጋንንቲ ዘውጽኦም ክብልዎ ትሰምዕ ነራ። አብ መጨረሻ ብኽፉእ ሞት አብ መስቀል ከም ሓደ ሰራቕን ዓቢ በደል ዝገበረን አብ መስቀል ክመውት ምስ ረአየቶ ብሓዘን ልባ ተሰንጢቑ ዓሚቕ ማዕበል ሓዘን ንልባ መሊእዎ። ሕይወት ማርያም ብምልኡ አብ ከበድቲ ማዕበላት ስቓይ ዝንቀሳቐስ እዩ ነሩ።

ነዚ ኹሉ ስቓያት ብሓደ ነገር እያ እትሓልፎ ነራ፥ እምነት አብ አምላኽ ስለ ዝነበራ። ምረቱ ክብደቱ ብዘየገድስ አምላኽ በቲ ዝገጥማ ክብሩ ከምዝገልጽ ትአምን ስለ ዝነበረት ተስፋ አይቆሮጸትን እኳድአ ንኹልና አይትዘንግዑ ኩሉ ጊዜ አምላኽ አብ ማእከልኩም አሎ እያ እትብለና። አብ ጊዜ ጸበባ ንአምላኽ ርኢኻ ምኽአል።

አብ 1ዘነ 19፡9-13 ዘሎ እንተ አንበብና ንኤልያስ ነቢ ዝገጠሞ ንርኢ። ኤልያስ ካብ ንግስቲ ኤልዛቤል ሰይቲ ንጉስ አሃብ ከይትቕተሎ ፈሪሑ ከም ዝሃደመ እሞ አብ በረኻን አጻምእን ከም ዝተጓዕዘ አብ ተስፋ ቁርጸት በጺሑ ሞት ከምእተመነየ ግን አምላኽ አብቲ ጽንኩር እዋን ከም ዝተዛረቦ ንርኢ። ኤልያስ አብቲ ዝርአዮ ራእይ አምላኽ አብ ብርቱዕ ንፋስ፥ አብ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ አብ ሓዊ ከምዘይነበረ አብ ህድአት ዝመልኦ ከም ዝመጽኦ ነንብብ። አብዚ ናይ ብሓቂ ንኹልና ዝጠቅም ነገር ንረክብ። አምላኽ ብውሽጥና ሰላም ረኺብና አብ ህዱእ ኩነታት ካብ ኩሉ አብ ሕይወት ዝገጥም ውረድ ደይብ እልይ ምስ በልና ሽዑ ክዛረበና እንከሎ ክንሰምዖ ንኽእል። ኤልያስ አብቲ ህዱ ንፋስ ንአምላኽ ክሰምዖ ክኢሉ ክንብል ከሎና ኤልያስ ናይ አእምሮ ሰላም እዩ ረኺቡ።

አምላኽ አብቲ ዝድለየሉ እዋን መጺኡ እምበር አብ ጊዜ ብርቱዕ ንፋስ ወይ አብ ጊዜ ምንድቕዳቕ ምድሪ ወይ አብ ጊዜ ሓዊ ዘይኮነ አብቲ ህዱእ ንፋስ ዝነፍሰሉ ጊዜ መጺኡ። ስለዚ አንጻር እቲ ገለና እንሓስቦ አምላኽ አብቲ ብውሽጥና ሃዲእናን ሰላም ረኺብናን ከሎና ሽዑ ክዛረበና ይደሊ። ብዙሕ ጊዜ አእምሮና ተሃዊኹን ተረቢሹን አብዘሎናዮ ጊዜ አምላኽ ምሳና ክኸውን ወይ ክዛረበና ንደሊ፥ እንተ ኾነ አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክንረኽቦ አይክአልን እዩ። ንርእስናን ንስምዕትና ምስ ተቖጻጸርና ምስ ሃዳእና ጥራሕ እዩ አምላኽ ክዛረበና እንከሎ ክንሰምዖ እንኽእል።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ ሮሜ 9፡1-5 ጳውሎስ እስራኤላውያን ዓጽመ ሥጋኡ ነቲ ምእንትኦም ዝመጸ ክርስቶስ ምቕባል ስለ ዝአበዩ መሪር ሓዘንን ጓህን ሓዘንን ከም ዝተሰምዖ ይገልጽ። ሓዘኑንን ጓሂኡን ብጣዕሚ ከቢድ ዝገበሮ ሕሩይ ህዝቢ አምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ከንሶም ብምንጻጎም እዩ። ደቂ አምላኽ ምስኦም ኪዳን አትዩ ሕጊ ሂብዎም ኩሉ ተስፋታ ሂብዎም ከብቅዕ ነጺገሞ። አምላኽ ብወገኑ ኩሉ ዝግበር ገርሎም እንተ ኾነ እዚ ኹሉ ንክርስቶስ ከም መድኃኒ ክቕበልዎ አይክአሉን እዚ ኸአ እዩ ንጳውሎስ ዘጕሃዮ። ብሥጋ አሕዋቱ ንዝኾኑ ኩሉ ምእንትኦም ምገበርኩ እናበለ ክገልጽ እንከሎ ምእንቲ እቶም ናይ ሥጋ አሕዋተይን አዝማደይን ርጉም ኮይነ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ ይብል እዚ ኸአ በቲ ዝገበርዎ ሰላም ስኢኑ ከም ዝነበረ ንምግላጽ እዩ።

ጳውሎስ ብዛዕባ ርእስና ጥራሕ ክንሓስብ ከምዘይብልና የስተምህረና። ብዛዕባ ድሕነትን ጽቡቕን ሰላምን ካልኦት ክንሓስብ ይግብአና። ከምዚ ክንገብር እንተ ኸአልና ጥራሕ ኢና ሰላምና ክንረክብ እንኽእል። ክልኦት ከም ዝድሕኑ እንተ ተረጋገጸ ድሕነትና ተረጋጊጹ እዩ። ንበይኑ ዝጉዓዝ የለን ክርስቶስ ምእንቲ ኩልና እዩ መይቱ አድኂኑና።

አብ ሕይወት ማርያም ካብ መጀመርትኡ እንተ ረአና ንሳ ምእንቲ ካልኦት ነቲ ከቢድ ተልእኮ ተቐቢላ ሕራይ ኢላ። ሰባት ክጽገሙ ክጠፍኡ ድላያ አይኮነን። አብዚ ቅዱስ እዋን አሰራ ተኸቲልና ከም ጳውሎስ ድሕነት ሓውናን ሓፍትናን ክግድሰና አልኦ። ሓውና ሓፍትና ሰይጣን ተዓዊትሉ እናረአና ሱቕ ክንብል ከሎና ቀተልቲ አሕዋትና ኢና እንኸው እሞ ሎሚ ሓወይ/ሓፍተይ ከመይ አለዉ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እዋኑ እዩ። ዝደስከለ ልቢ ሒዝና ከይንህሉ ምስ ማርያም ኮና ንድሕነት ወገና ንበገስ።

አብ ስድራና አብ ቍምስናና አብ ሃገርና ዘሎ ሕይወት ደቂ ሰብ ርኢና ክንክእል እዩ እቲ ዕድመ። ሓውካ ብዝተፈላለየ ስቓይን ፍርሕን እናነበረ ዳንከራ ጓይል ክንተክል አየምዕረልናን እዩ። ኩሉ ብርሃን ክርስቶስ ክርኢ ናይ ነፍሲወከፍና እነበርክቶ ግደ የድሊ። 

ዘንበብናዮ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ብርቱዕ ማዕበል እንከሎ ከምዘየለልይዎ እዩ። ድሕሪ እቲ ተአምራታዊ ምብዛሕ መግቢ ኢየሱስ ነቲ ህዝቢ አፋንዩ ንሓዋርያቱ አብ መርከብ ተሳፊሮም ክሳገሩ እሞ ሓሊፎም ክጸንሕዎ ነጊርዎም። ሽዑ ንሱ ክጽሊ አብ እምባ ከይዱ፥ አብዚ ክንሓስቦ ዘሎና እምባታት ኩሉ ጊዜ እግዚአብሔር ዝርከቦም አብኡ ትእዛዙን ድላዩ ዝገልጸሎም እዮም። ሙሴ አብ ደብረ ሲና ዓሰርተ ትእዛዛት ተቐቢሉ፥ ኤልያስ አብ እምባ ሆሬብ ምስ አምላኽ ተዛሪቡ፥ አብ ሓዲስ ኪዳን አብ ደብረ ታቦር ራእይ ኢየሱስ ተለዊጡ፥ አብ ደብረ ዘይት ብዙሕ ጊዜ ክጽሊ ይኸይድ ከምዝነበረ ነንብብ። አብ እምባ ቀራንዮ ድሕነት ረኪብና ስለዚ እምባታት ፍሉይ ምስጢርን ትርጉም አልኦም። አብዚ እምባ ኢየሱስ ምስ ሰማያዊ አብኡ ብጽሞናንን ብጸጥታን ተወሃሂዱ ክጽሊ ንረኽቦ። አብ ጽምዋ ንአምላኽ ክንረኽቦ ቀሊል እዩ።

ማቴዎስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ኢየሱስ ክነግረና ጸኒሑ ቀልጢፉ አብ ሓውርያት ይምለስ እሞ አብ መንጎ ባሕሪ እናተጋዕዙ ብርቱዕ ማዕበል ከም ዝገጠሞም እሞ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ከምዝተጨነቑ ይነግረና። አበው ነዚ ክትርግሙ ከለዉ ባሕሪ አምሳል ህውከት ዝመልኦ ዓለም እዩ፥ መርከብ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ፥ ማዕበል ከአ አምሳል ሰይጣን እዩ ይብሉና። ሓዋርያት ብዘይ ኢየሱስ አብ ማእከል ባሕሪ እዮም ነሮም፥ እዚ አምሳል ናይ እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ሕይወት እዩ፥ ንሳ ብሓዋርያት ተመሲላ አብ ሓንቲ ድልድልቲ መርክብ አብዘይኮነት ሰንከለከል እናበለት አብ ማእከል ዕግርግር ዝመልኦ ዓለም ትርከብ ነራ። ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ፍርሕን ስቓይን ዝመልኦ እዩ ነሩ፥ አብዚ እዋን ኢዩ ኢየሱስ ይሕግዞም ስለ ዝነበረን እምነት ስለ ዝገበሩን ነቲ ኹሉ ጸበባ ክሓልፍዎ ዝኽአሉ።

ሓዋርያት ሓደ ከቢድ ማዕበል አብ ሕይወቶም ገጢምዎም፥ ኢየሱስ አብቲ ከቢድ እዋን ክድሕኖም መጺእዎም፥ ሽዑ ሰላም ከም ዝሰፍን ገርሎም። ሕይወትና ዝተፈላለየ ማዕበላት ዝሓዘለ እዩ። አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ከምቲ አብ ባሕሪ ማዕበል ኩሉ ጊዜ ዘሎ ከምኡ ኩሉ ጊዜ ዘሸግር ዓቕልና ዘጽብብ ይጓነፈና እዩ።

አብ ገለ ጊዜ እዚ ዝጓነፈና ማዕበል ሕይወት ብብርቱዕ ይሃርመና እሞ ንወድቕ ንስበር ተስፋ ንቖርጽ ዳርጋ አብ ጥፍአት ንበጽሕ። ከምቲ ሓዋርያት ዝገጠሞም ነፍሲ ወከፍና ብዝተፈላለየ መገዲ ይገጥመና። እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ማዕበል እዩ ንሰላምና ካባና ዝወስደልና። እንተ ኾነ ንኢየሱስ ክንረክብ እንተ ኸአልና ማዕበልና ሃዲኡ ሰላምና ይምለሰና። ነዚ ብዝርኢ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ጽሒፉ፥ ብኹሉ ወገን ንግፋዕ ግና አይንስዓርን ኢና፥ እንገብሮ ይጠፍአና ግና ተስፋ አይንቖርጽን ኢና፥ የሳዱዱና ግና አይተሰዓርናን፥ ይወቕዑና ግና አይንመውትን ኢና (2ቆሮ 4፡8-9) ዝብል።  

ሓዋርያት ለይቲ አብቲ ጽንኩር እዋን ብማየ ማይ ይመጽኦም ምስ ረአዩ ምትሃት ዝመጽኦም መሲልዎም ብዘይመጠን ፈርሁ። ኢየሱስ ግን አጆኹም አነ እየ አይትፍርሁ ኢልዎም። ብርግጽ ሰብ ብብዙሕ ምኽንያት እዩ ዝፈርሕ፥ ብዓይኒ እምነት ክንርእዮ ከሎና ሰብ ዝፈርሕ አብ ልቡ ስፍራ አምላኽ ብኻልእ ምስተክአ እዩ። አዳምን ሔዋንን ንአምላኽ ምስ ከሓዱ ፈሪሖም ክሕብኡ ፈቲኖም። ሓዋርያት ኢየሱስ ክስቀል ክመውት ምስ ረአዩ ፈሪሖም ሃዲሞም፥ ነፍሲወከፍና አብ ሕይወትና ምልስ ኢልና እንተ ረአና ምንጪ ፍርሕና ሓቂ፥ እምነት፥ ፍቕሪ ምስ አጉደልና ሰይጣን ምስተዓወተልና ካብ አምላኽ ምስ ርሓቕና እዩ። እሞ ሎሚ ዘፍርሕ አሎናዶ? መሊስና ክንክእል አሎና።

ፍርሒ ንሓቂ አጥፊኡ አብ ናይ ሓሶት ዓለም አቲና ከም እንነብር ይገብረና። ሰብ ንሓቂ ንፍቕሪ ምስ ሓደገ ፈራሕ እዩ ዝኸውን እዚ ማለት ከአ ከፍቅር ሓቂ ክዛረብ ስለ ዘይክእል ካብ ሰብን አምላኽን ይርሕቕ ሽዑ ሰይጣን ተጻዒንዎ ንርእሱን ንኻልኦትን ክርብሽ ይነብር። እሞ ሎሚ አብ ክርስቶስ እምነት ገርና ብዘይፍርሒ ምስኡ ንጉዓዝ። ጴጥሮስ ጎይታይ ንስኻ እንተ ኾንካ ብማየ ማይ አባኽ ክመጽእ አዝዝ ኢልዎ። ኢየሱስ ከአ ንዓ ኢልዎ እንተ ኾነ እምነት ስለ ዘጉደል ክጥሕል ጀሚሩ ሽዑ ጎይታይ አድኅነኒ ኢሉ ምስ ለመነ ኢየሱስ ኢዱ ሰዲዱ አድኂንዎ።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ ንሕና ኢና ምልላዩን አብኡ ምቕራብን እንአቢ ዘሎና። ብዝተፈላለየ መገዲ ይቐርበና ይዛረበና አሎ፥አብዚ እዋን ምህልላ ፍልሰታ ማርያም ሓደ ካብቲ አብኡ ክንቀርብ ዝሕግዘና እዩ። ብሓባርን ብግልን ክንጽሊ ከሎና አምላኽ አብ መንጎና አሎ። ስለዚ ከይፈራሕና ከም ጴጥሮስ ምስ ምሉእ እምነት ካብ ዘሎናዮ ተንሢእና ንኹሉ አብ ሕይወትና ዝጓነፈና ማዕበል ንቐይሮ።

ናይ ሎሚ ሰንበት ቃል አምላኽን ብፍሉይ አብዚ እንምህለለሉ ዘሎ እዋን እንግንዘቦ ዘፍርሕን ዘሰክፍን የብልናን አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና ከምዘሎ እዮም ዝነግሩና። ዘጸናንዕን ዘህድእን አእዳው ድሕነትን ሰላምን ካብቲ ጥሒልናዮ ዘሎና ዓዘቕቲ ኃጢአትን ማዕበል ሕይወትናን ክንወጽእ  ይዝርግሓልና አሎ። አባናን አብ ከባቢና ዝኸውን ዘሎ ብዝየገድስ ሰላሙ ምሳና ከካፍል ምሳና አሎ። አብዚ ዝተፈላለየ ማዕበል ዝመልኦ ዓለም፥ ዝተፈላለየ ጸገማት ስክፍታታት፥ ፍርሒ ስቓይ ቃንዛ፥ ውድቀትን ክሳራን ዝመልኦ ኢና እንነብር ዘሎና። እዚ ኹሉ የፍርሓና እሞ አብ ስክፍታን ፍርሕን ጥራሕ ከም እንነብር ይገብረና። አብ መንጎ እዚ ኹሉ ሓገዝ ደሊና ነእዊ። አምላኽ ከምቲ ኢየሱስ ንሓዋርያት ክሕግዞም ዝመጽአ ንሕና እውን ክንጽውዖ ከሎና ካባና ርሑቕ አይኮነን ሓንትስ ሓግዘኒ ኢልና ንኽአል።

ጸጊሙና ዘሎ አምላኽ ክመጽአና እንከሎ ክነነለልዮ ንኽእል የለኖናን ምኽንያቱ ብዙሕ ጊዜ ከምቲ እተጸበናዮ ኮይኑ አይ ኮነንን ዝመጽአና። ምስ አምላኽ ክንወሃሃድ አሎና አብክንዲ አምላኽ ዝወሃሃደና እዚ ማለት አብ ሕይወት አምላኽ ክንአቱ አሎና፥ ነዚ ብምግባር ንሓውናን ሓፍትናን ብምፍቃር።

ስለዚ ሎሚ አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትናን ጸገማትናን ክነለልየሉ እንኽእል ጸጋ እምነት ክህበና ንለምኖ። ኦ ማርያም አደና አብዚ ቅዱስ እዋን ፍልስትኪ ዘኪርና አብ እንምህለሎ እዋን እቲ እንደልዮ ሰላም ፍቕር አድሕድን ሕድገትን ክነዘውትር ነቲ ፍቑር ወድኺ ለምንልና። ዓድና ጠለት ዝናሙ ከውርደልና ንዝተሸገሩን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተገፍዑን ካብዚ ማዕበል ሁከትን ጽልእን ከም ዝወጽኡ ግበርልና እናበልና ንለምና። 

እሞ አብ ቅድሚ ማርያም ቆምና ሰአሊ ለነ እናበልና አብ አምላኽ ንመለስ። ሰላምን ፍቕርን ሕድገት ኃጢአትን የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

06 August 2022, 22:21