ድለ

2022.08.09 San Lorenzo (dipinto di Lorenzo di Niccolò) 2022.08.09 San Lorenzo (dipinto di Lorenzo di Niccolò) 

ከም ቅዱስ ሎረንዞ መሰኻኽር ወንጌል ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ንኹን! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርትያን ዕለት 10 ነሓሰ በዓል ቅዱስ ሎረንዞ ዲያቆን ሰማዕት ስለ እትዝክር ምናዳ ኣብቲ ንሱ ሰማዕትነት ዝተቀበለላ ከተማ ሮማ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ብስሙ ስለዝተሃንጻ ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ዝኽሪ በዓል ቅዱስ ሎረንዞ ኣብነቱ ንክንስዕብ ንልቢ ነፍስወከፍና የንቀሳቅስ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ካብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ጀሚሩ ቅዱስ ሎረንዞ ልብሰ ዲቊና ዝለበሰ መንእሰይ ኮይኑ ይቀርብ ነበረ። ጠበቃ ዲያቆናት ከማኡ እውን ጠበቃ መጥፋእቲ ሓውን ሠራሕተኛታት መግብን ኮይኑ ዝቀርብ ቅዱስ ሎረንዞ ንድኽታት ብምግልጋልን ሰማዕትነት ብምቅባልን ምስክር ፍቅሪ ክርስቶስ ብምቅራቡን ንኣርስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምሥጢራት ኣብ ዝሰርዑሉ ብምሕጋዝን ቅዱስ ቊርባን ብምዕዳልን ነቲ ንኣገልግሎት ድኻታት ዝወድቅ መባእ ብምምሕዳርን ይግለጽ። ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ንበዓሉ ብምዝካር ብሓጺሩ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።

“ሊጡርግያዊ ክብረ በዓለ ናይቲ ዲያቆንን ሰማዕትን ቤተክርስትያን ሮማ ዝኾነ ቅዱስ ሎረንሶ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና ሃረርታ መሰኻኽር ወንጌል ይቀስቅስ፣ ወትሩ ንድኻታትን ኣብ ጸገም ንዝርከቡን ኣህዋትናን ኣሓትናን ንክንሕግዝ ስንድዋት ይግበረና ኢሎም።”

ሰማዕትነትን ምስክርነትን ቅዱስ ሎረንዞ!

ብ258 ዓም ቫለርያኖ ዝበሃል ገዛኢ መንግሥቲ ሮማ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንምዕናው ዝዓለመ ኣዋጅ ኣወጀ። ናይ ካርታጂነ ሓላፊ ዝነበሩ ዝነበሩ ብፁዕ አቡነ ቺፕርያኖ ኣብ ዝጸሓፍዋ ሓንቲ መልእኽቲ ‘ር.ሊ.ጳ ሲስቶ ካልኣይ ምስ ኣርባዕተ ዲያቆናት ብዕለት 6 ነሐሰ ሰማዕትነት ተቀቢሎም’ ይብል። ታሪኻዊ ምንጭታት ከም ዝሕብሮ ዲያቆን ሎረንዞ ድሕሪ ሞት ር.ሊ.ጳ ሲስቶ ካልኣይ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ገዛእን ፈራድን ናይቲ ሽዑ ይቀርብ ምሳኡ ከኣ መዓት ሕዝቢ ሓንካሳትን ሕሙማትን ድኻታትን ተኣኪቦም ይመጹ። እቲ ኩሉ ሃብትን መዛግብ ወርቅን ቤተክርስትያን ኣረክብ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዝነበረ ዲያቆን ሎረንዞ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቈይሙ ‘እነሆ እምበራር ሃብትን መዛግብቲ ወርቅን ቤተክርስትያን እዚኦም እዮም’ ይብል። በዚ ዝተቈጥዑ ሓለፍቲ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ከምዘዘንትዎ ንዲያቆን ሎረንዞ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ወሲዶም ኣቃጸልዎ። ቅዱስ ልዮን ዓቢ ኣብ ሓደ ስብከት ከምዝበልዎ ከኣ ነገር ‘እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቲ ኣብ ልቢ ቅዱስ ሎረንዞ ዝነድድ ዝነበረ ፍቅሪ ክርስቶስ ክስዕሮ ኣይከኣለን። እቲ ብደገ ዘቃጽሎ ዝነበረ ሓዊ ካብቲ ብውሽጢ ዘንድዶ ዝነበረ ሓዊ ዝሃመቀ ነበረ። ህቡብነት ቅድስና ቅዱስ ሎረንዞ ብዙሕ ባህላውን ሥነጥበባውን መግለጺታት እንክህልዎ ክሳብ ምስ ተፈጥሮኣዊ ኩነታት እውን ብምትእስሳር ወትሩ ዕለት 10 ነሐሰ ለይቲ ካብ ሰማይ ዝወድቁ ከዋኽብቲ እውን ምስ በዓሉ ይተኣሳሰር። እዚ ከዋኽብቲ እዚ ካብቲ ንሱ ሰማዕትነት ዝተቀበለሉ ጓህሪ ዝነጥሩ ንጣራት ቊልዒ እዮም ተባሂሉ ይዝንቶ።

ቦታት ቅዱስ ሎረንዞ!

እታ ቦታ ሰማዕት ዲያቆን ር.ሊ.ጳ ሲስቶ ካልኣይ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ሮማ ምስ ሰማዕትነትን ሕይወትን ቅዱስ ሎረንዞ ዝተሓሓዝ ብዙሕ ቦታት ኣለውዋ። ኣብታ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሎረንዞ ኢን ፎንተ ዘላ ቤተክርስትያን እቲ ር.ሊ.ጳ ንኣገልግሎት ድኻታት ሓላፍነት ዝሃብዎ ዲያቆን ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ኣሎ። ኣብቲ ቤተክርስትያን ካብ ዘሎ ስእልታትን ጽሑፋትን እቲ ዲያቆን ኣብ ቤትማእሰርቲ እንከሎ ኣብቲ ቦታ ካብ ዘሎ ማይ ወሲዱ ምሳኡ ተኣሲሩ ንዝነበረ ሉቺሎ ዝበሃልን ነቲ ኣሲርዎም ዝነበረን ንሓለቃ ሚእቲ ኢፖሊቶን ከምዝጠመቀ ይገልጽ። ከማኡ እውን ቤተክርስትያን ቅዱስ ሎረንዞ ኢን ፓኒስፐርና ኣብቲ ሰማዕትነት ዝተቀበለሉ ቦታ ተደኲና ከምዘላ እንክምልከት ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሎረንዞ ኢን ሉቺና ከኣ እቲ ንሱ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ሰንሰለት ተዓቂቡ ከምዘሎ ይዝንቶ። ድሕሪ ሰማዕትነቶ ሬሳኡ ኣብ ጐደና ቲቡርቲና ዝበሃል ክፍሊ ሮማ ሎሚ ቨራኖ ብዝበሃል ዓቢይ ቦታ መቃብር ዝፍለጥ ነጻነት ክርስትና ዚኣወጀ ንጉሥ ቊስጥንጢኖስ ሓደ ዓቢይ ባዚሊካ ብስሙ ክስራሕ ይእዝዝ እሞ እዚ ባዚሊካ እዚ ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ዳግም ተሓዲሱ ኣብ ኣገልግሎት እንከሎ ብ1943 ብግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም መጒዳእቲ በጺሕዎ። ካልእ እውን ባዚሊካ ቅዱስ ሎረንዞ ካብ መናድቅ ሮማ ወጻኢ ዝብል እውን ኣብታ ኣብ ትሕቲ መንበረ ታቦት እትርከብ በዓቲ መንበረ ኑዛዜ እንክትከውን ንሱን ምስ ካልኦት ክልተ ቅዱሳን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ጁስቲኖን ዝበሃሉ ተቀቢሮም ከምዝለው ይንገር። ገና ር.ሊ.ጳ ዳማሶ እውን ኣብ ጥቃ ካምፖ ደ ፍዮሪ  ባዚሊካ ቅዱስ ሎረንዞ ኢን ዳማሶ እንከሃንጹ ኣብ ከተማ ቫቲካን ከኣ ኣብ ሙዘዩም ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ርእሲ እቲ ቅዱስ እንክዕቀብ ኣብ ዝቀደመ ዓመታት ንህዝባዊ ኣኽብሮት ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ቊምስና ቅድስት ሃና ከታማ ቫቲካን ይቀርብ ነበረ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2022, 11:55