ድለ

2022.08.01 ordination in diaspora 2022.08.01 ordination in diaspora 

ሢመተ ክህነት ኣብ ስደት! ኣባ የማነ ኣርዓዶም ስደተኛ ተማሃራይ ዘርአ ክህነት ካህን ስደተኛታት!

ስደተኛታት ምእመናን ካርቱም፡ ትማሊ ቀዳም ዕለት 30 ሓምለ፡ 2022፡ ንሓዲስ ካህን፡ ኣባ የማነ ኣርዓዶም (ቅድሚ ሰሙን፡ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ሰበኻ ሊድስ፡ መዓርገ ክህነት ዝተቐበሉ) ብክብ ዝበለ ስርዓት ኣብ ቤተ ክርስትያና ጂረፍ ተቐበልናዮ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ኣባ የማነ ከም ዝበዝሔ መንእሰይ ሃገርና፡ ብ2013 ካብ ሃገርና ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገርኣብ 3 ወርሒ ተቐሚጦም፡ ብካርቱም ኣቢሎም፡ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ፡ ሊብያን፡ ቀጺሎም ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም፡ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ዝኣተዉ፥ ድሕሪኡ ኣብ ሰበኻ ሊድስ፡ ብሪጣንያ፡ ካህን ክኾኑ ሓቲቶም፡ ን4 ዓመት (2018-2022) ንባበ መለኮት ተማህሮም ምስ ወደኡ፡ ብስርዓት ላቲን መዓረገ ክህነት ዝተቐበሉ ቀዳማይ ወዲ ሃገርና እዮም። ድሕሪ ክህነቶም፡ ኣብ ሰሙኖም፡ ወለዶም ክርእዩ ናብ ካርቱም፡ ሱዳን መጹና።

መደብ ተቕባል ብሰሙኑ ጀሚሩ፡ ኩሉ ምእመን፡ ቡራኬ ናይ ሓዲስ ካህን ምእንቲ ክካፈል፡ ከመይ ኢሉ ኣብ መደብ ተቕባል፡ በብዓቕሙ ከምዝሳተፍ ተገብረ። ኣባላት ኩሉን መንፈሳውያን ማሕበራት ቁምስናን፡ ተራ ምእመናንን፡ ነናተን ኣገልግሎት ተዋህበን።

ተቅባል ኣደታት!
ተቅባል ኣደታት!

ንግሆ ቀዳም፡ ያሬዳውያን ስባሔ ዘሌሊት ቆይሞም ኣጽቢሖም፡ ልክዕ ሰዓት 6:30 ቅ. ቀ.፡ ንሓዲስ ካህን ክቕበሉ ናብ ማዕጾ ጎደና ወጻእና። ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ንሓዲስ ካህን መስቀል ኣሳሊሞም፡ ተቐበልዎም። መዘምራን መዝሙር ኣናዘመሩ፡ ኣደታት ከኣ ባህላዊ መንፈሳዊ ደርፊ እናደረፋ፡ ተቐበላልናዮም። እዚ እናተገብረ፡ ምዕሩግ ባህላዊ ክዳን ዝተኸድኑ፡ መዘምራን መንእሰያት ኩናማ፡ ሓዲስ ካህን ምእንቲ ከብርርወን፡ ንሕዝብና ብስራት ሰላም ከበስራልና፡ ዝብል መልእክቲ ዘሎወን፡ ክልተ ጸዓዱ ረገቢት ኣብ ኢዶም ኣትሓዝዎም እሞ፡ ንሶም ከኣ ኣብረርወን። ኩሉ ስደተኛ፡ በዚ ተሓጎሰን ተደፋነቐን። ድሕሪኡ ልብሰ ተክህኖ ለቢሶም፡ ኣባ የማነ ብመሳትኦም ኣባ ማሕደር ቃልኣብን ኣባ ሚካኤል ሰሎሞንን፡ ተማእኪሎም፡ ኣባ ብርሃነ ሃብተን ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይን ከኣ ብኽልተ መዓዝኖም ኮይኖም ጥዑም መስዋዕተ ቅዳሴ ዓረገ።

ሓዲስ ካህና እንክባርኹ
ሓዲስ ካህና እንክባርኹ

ድሕሪ መስዋዕቲ ቅዳሴ ሓዲስ ካህን፡ ብመዛሙር ዕልታን ዜማን ተዓጂቦም፡ ናብ ኣደራሽ ኣምርሑ። ኣብኡ ኩሉ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሱ ሕጻናት፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ካብ ዓድና ደቆም ክርእዩ ዝመጹ ብዙሓት ወለዲ፡ እቲ ``ኣብ ዓድና እኳ ከምዚ ዝበለ ኣገባብ ርኢና ኣይንፈልጥን`` ክብሉ ዝገለጽዎ፡ ተቐባል መደብ በዓል ቀጸለ። ኣብዚ እቲ ንብዙሓት ዘገረመ፡ ንመጻኢ ክስዓብ ይግብኦ ዝተባህለን፡ እቲ ቀዳምነት ንሕጻናት ደቅና ንሃብ ተባሂሉ ዝተገብረ፡ ምውራድ መኣዲ ብሕጻናት ምጅማር ኢዩ። እዚ ከኣ ነቲ `ግደፍዎም ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ` (ማር. 10፡ 13) ዝብል ቃል ጎይታ፡ ንልብና ከም ዝወግእ ገበሮ።

ቀጺሉ ኣባላት ፍራንቸስካውያን ምእመናን፡ ንኩላትና ካህናት፡ ሕጽበተ እግሪ ገበሩልና። ስዒቡ ንኽብሪ ሓዲስ ካህን ዝተጾምቀ ስዋ፡ ብኣቶ ኣሚር ኣድጎይ ተወከፍ`ሞ፡ ኩሉ ምእመን፡ ብስርዓት ኮፍ ኢሉ፡ እናተመገብ፡ ብሱቕታ፡ ነቲ ስርዓተ ስሜተ ክህነት ናይ ብሪጣንያ፡ ኣባ የማነ፡  ብመንእሰያት ጽቡቕ ኮይኑ ዝተሰናደወ፡ ብፕሮጀክተር ተመልከተ። ዝነበረ ሽሻይን ቡንን ጥዑም ነበረ።

ድሕሪ ምምጋብ መኣዲ፡ ኩሉ ቡኑ እናሰተየ፡ ማእከሎት መንእሰያት ሓደ ንጸዋዕታ ክህነት ዝምልከት ድራማ ኣርኣዩ። ቀጺሉ`ውን ዝተፈላለየ ግጥምታትን፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ብኣባ ሚካኤል ዝጀመረ፡ ብዝተፈላለዩ ብጾቶምን ዝፈልጥዎምን፡ ንብዓት ሓዊሶም ዘረባ ኣስምዑ።

 ተቅባል
ተቅባል

ቀጺሉ ካብ ኩሉ ክሊ ዕድመን ጾታን (ኣቦታት፡ ኣደታት፡ መንእሰያት፡ መዘምራን) ቃል ሓጎሶም ከስምዑ ዕድል ተዋህበ`ሞ፡ ሓደ ሓደ ካብኦም፡ ብዕቤት ጸጋ ክህነት ተሓጒሶም፡ ንብዓት ሓጎስ እናነብዑ ወወጺኦም ተዛረቡ። ኣየ ክንደይ ግሩም ዝኾነ መዓልቲ ኢዩ!

ኣብ መጨረሽታ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ነቲ ኩሉ ዝተኻየደ መደብ፡ ብሓጺር ቃላት፡ ተወፍዮም ዝጸዓሩን፡ ዘወሃሃዱን፡ ብፍላይ ከኣ ንወ/ሮ ሰላም ኣምሃ፡ ኣባል ኣደታት ማሕበር ኪዳነ ምሕረት፡ ብልቢ ኣመስገኑ። ቀጺሎም ብተመሳሳሊ፡ ብስም ቤት ምኽሪ ቊምስና፡ ኣቶ ኣሚር፡ ንኹሉም ትሕዝቶኦም ዝመጽወቱን፡ ነቲ በዓል ዘወሃሃዱን ብልቢ ኣመስገኑ። ቀጺሎም`ውን፡ ንኣባ የማነ፡ ንወ/ሮ ሰላም፡ ስለቲ ኲሉ ንኡድ ኣወዳድብ ዝነበረ ኩሉ መደብ፡ ፍሉይ ቡራኬ ክህነቶም ከካፍልዋ ሓቲቶም ብሕዲስ ካህን ኣባረኽዋ፡፡ ንሳ`ውን ነዚ ተምበርኪኻን እናነብዔትን ተባረኸት። በዚ ከኣ ፍጻሜ በዓል ተቕባል ፍቊርን ክቡርን ኣባ የማነ ኮነ።

ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን።

ሓደ ካብ ጓሶት ስደተኛታት ምእመናን ካርቱም

01 August 2022, 22:55