ድለ

2022.08.16 ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት 2022.08.16 ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት 

ብዂሉ ወገን ንግፋዕ፡ ንገብሮ`ውን ይጠፍኣና፡ ግና ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና (2ቆሮ. 4፡8)

ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 12 ነሓሰ፡ 2022፡ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ጂረፍ፡ ካርቱም፡ ማእከል ስደተኛታት ካቶሊካውያን፡ ብቤት ምክሪ ቊምስናና ዝተሰናደወ፡ ሓደ ዓቢይ መደብ ተኻየደ። ንሱ ከኣ፡ ንሳቶም ን3 ዓመት ኣገልጊሎምስ፡ ድሕሪ ወርሒ ብሓደስቲ ክትክኡ ስለዝኾኑ፡ ቅድሚ መዝነቶም ምርካቦም፡ ኣብዚ 3 ዓመት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ውሸባ ኮቪድ-19፡ ነቶም ኲሎም፡ ካብ ካርቱምን ብዙሓት ካብ ደያስፖራን፡ ንስደተኛታት ተቐማጦ ካርቱምን መዓስከር ሸገርኣብን፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምልኣኽ፡ ተስፋ ዝሃቡ ምስጋናኦም ንኽገልጹ ዝተገብረ መደብ ነበረ።

ኮሚቴ ክፍሊ ሓገዝ፡ ቊምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም

መዛግብቲ ቊምስናና ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ ጊዜ ኮቪድ ዝጀመረሉ፡ ሚያዝያ 2020፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካናዳ፡ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ሓደ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ዝነብር ሕዝብና፡ ብደረጃ ቊምስና፥ ብደረጃ ዝተፈላለያ መንፈሳውያን/ት ማሕበራት፡ በብክጥዕሞም ዝኸኣለ ጥርናፈ ተጠርኒፎም፡ ዝተረፉ ከኣ በብውልቆም፡ ንሕዝብና ረዲኦምን ተስፋ ሂቦምን። ኣብ ታሪኽ ዘይርሳዕ ተግባር ርሕራሔ ገይሮም።

ወከልቲ ዓድታትን መንፈሳውያን መራሕትን ገበርቲ ሠናይ ካርቱምን
ወከልቲ ዓድታትን መንፈሳውያን መራሕትን ገበርቲ ሠናይ ካርቱምን

ተወሳኺ`ውን፡ ኣባ ቪቶርዮ ቦርያ፡ ወዲ ማሕበር ካፑቺን፡ ተቐማጢ ኣሜሪካ፡ ኣብ`ዚ ጊዜ ኮቪድ፡ ናይ መጎጎ ፕሮጀክት/Oven Project ዝብል ስም ዝተዋህቦ፡ ጽጉማት ኣዴታት፡ እንጌራ ሰንኪተን እናሸጣ ርእሰን ክኽእላ ብማለት ዝገበርዎ ኢዩ፡፡ በዚ መደብ`ዚ፡ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ 35 ኣደታት ሞጎጎን ዕትሮ ጋዝን፡ ከምኡ`ውን ንልዕሊ 60 ዝኾና ኣደታት፡ ካብ 3-6 ወርሒ ዝወሰደ፡ ናይ ሞያ ምቚናንን ምምሻጥን ከምዝመሃራ ገበሩ። ተመሳሳሊ`ውን፡ ሓደ ዶ. መብራህቶም ወልዱ ዝበሃሉ፡ ተቐማጢ ኣሜሪካ፡ ነዚ ናይ ኣባ ቪቶርዮ ሰሚዖም፡ እዝስ ክቕጽል ኣሎዎ ኢሎም፡ gofund me ከፊቶም፡ ንዝፈልጥዎምን መሳርሕቶምን ``ሃየ`ታ ኣጆኹም`` እናበሉ፡ ንሕዝብና፡ ብዙሕ ሓገዝ ዝገበሩ እዮም። ንእግረ መንገድና፡ ነቶም ኲሎም ኣፍ ሕዝብና ኮይኖም፡ ንምእመናኖም እናኣነቓቕሑ፡ ነቲ ዝተገብረ ሓገዝ ዝለኣኹልና፡ ካህናት ቆሞሳትን፡ ግዱሳን ውልቀሰባትን፡ ደጊምና ዕዙዝ ምስጋናና ንገልጸሎም።

ብትግሃት ኣባ ቪቶርዮ ዝጀመረ ፕሮጀክት ደገፍ መጎጎ
ብትግሃት ኣባ ቪቶርዮ ዝጀመረ ፕሮጀክት ደገፍ መጎጎ

እዚ ምርዳእ ጽጉማት ናይ ቊምስናና፡ ብ2018፡ ብክቡር ኣባ ኢሰያስ ወ/ኢየሱስ ``ዓርኪ ድኻ`ዶ ክትከውን ትደሊ?`` ብዝብል፡ ኩሉ ፍቓደኛ ምእመንን በዓል ጽቡቕ ድላይን፡ ኣብ መዓልቲ 1 ጂነ፡ ንድኻ ክልግስ ዝብል ነበረ። በዚ ከኣ ብዙሕ ጽጉም ይርዳእ ነበረ። ተወሳኺ`ውን፡ ኣባ ኢሰያስ፡ ነቲ ብ`ምሳሕ በዓል ድኻታት` ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ኣብ በዓል ፋሲካ ጥራይ ዝነበረ፡ ኣብ ዓመት 3 ጊዜ (በዓለ ቅዱስ ዮውሓንስ፡ ልደት፡ ፋሲካ) ገይሮም፡ ኣብዘን በዓላት እዚኣተን፡ ኩሉ ምእመን ጶስጣ ተዓዲሉ፡ ዓዓቕሙ ኣእትዩ፡ ናብ ኮሚቴ ክፍሊ ሓገዝ ቊምስና ከምዝምለስ ገበሩ። እዚ ሰናይ ልማድ`ዚ ክሳብ ሎሚ ጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። ክንደይ ደስ ዘብል ስራሕ? ሎሚ እቲ ኮምኡ ኮይኑ ብቀዳሞት ጓሶት ዝጀመረ፡ ብሳላ ልዑል ትግሃት ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ዝዓበየ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። በዚ ከኣ ንክቡር ኣባ ኢሰያስ`ውን ብዙሕ ነመስግኖም።

ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር
ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር

ትማሊ ዓርቢ ዝነበረ መደብ ብሓጺር፡ 150 ዝኾኑ፡ ወከልቲ ዓድታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን፡ ሕያዎት ገበርቲ ጽቡቕ ተቐማጦ ካርቱምን፡ ኣብ ኣደራሽ ምስ ተኣከቡ፡ መም. ዘርኣይ፡ ኣቦ ወንበር ቊምስናና፡ ንኲሉ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድሕሪ ኢሎም፡ ንመደብ ብጸሎት ክኸፍትዎ ንኣባ ክፍለኢየሱስ ኣመልከቱሎም። ብጸሎት ንመደብ ቊርስን ቡንን ጀመርዎ። ከም ወትሩ፡ ዝተመገብናዮ መግቢ ቊርሲ ዕለቱ፡ ብስድራ ቤት ኣቶ ሓየሎም ዳፍኦት ምስ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ለቲና ገ/ስላሴ፡ ዝተሰናደወ ነበረ፡፡  ፈኲስን ጥዑምን፡ ኩሉ መዓዛዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ ነበረ፡፡

ጉባኤን ዘተን
ጉባኤን ዘተን

ድሕሪኡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ኣብርሃ፡ ጠርናፊ ንኡስ ኮሚቴ ሓገዝ ቊምስናና፡ ኣተዓባብያን ስፍሓትን ተግባር ሓገዝ ጽጉማት፡ ብፖርጀክተር ኣሰንዮም፡ ብሓጺርን ንጹርን ኣቕረቡ፡፡ ቀጺሎም ብተመሳሳሊ፡ መም. ዮናስ ኢዮብ፡ ብዛዕባ ኣብ ጂረፍ ንካልኣይ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ መደብ ትምህርቲ ሳይኮሎጂ/psychology ኣቕረቡ። ድሕሪኦም`ውን ዶ. ታሚት ኢስቲፋኖስ፡ ብዛዕባ ብልጫታትን ብድሆታትን፡ ሓደ መውዓሊ ሕጻናት/day care ኣቕረቡ። ነዚ ዘግበሮም ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ቀረባ ጊዜ ጀሚርና፡ ነተን ቆልዑ ሒዘን ኣብ ገዛ ዝውዕላ ኣደታት፡ ምእንቲ ስራሕ ወፊረን ድራረን ክረኽባ፡ ንቆልዑተን ኣብዚ ጂረፍ ገዛና፡ ዝውዕልሉ መደብ ጀሚርና ስለዘሎና ኢዩ። ናይ ሰለስቲኦም፡ ብሓቂ ዘዕግብ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ነበረ። ኩሉ ተሳታፋይ`ውን ተሓጎሰን ኣመስገነን።

ዝነዓቅ ጥበብ የለን
ዝነዓቅ ጥበብ የለን

ኣብ መጨረሽታ፡ እዚ ተበግሶ ናይ`ዞም ሕጻናት መደብ፡ ብዘተኣማምን መንገዲ ንኽቕጽል፡  ከመይ ኢሉ ክዓቢ ይኽእል ኣብ ዝብል፡ ተሳተፍቲ ሓሳቦም ክህቡ ዕድል ተዋህበ። ነዚ ጉዳይ`ዚ ብመጽናዕቲ፡ ትስዕቦ ሓንቲ ኣብ ትሕቲ ቊምስና ኮይና ተጽንዕ ኮሚቴ ቆይማ።

ኣብ`ዚ ዕለት`ዚ፡ ካብ ሞንጎ ዕዱማት፡ ኣብ ገዛ እንደራሴ ቫቲካን፡ ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ዘገልግላ ዘሎዋ፡ ደናግል ቅድስቲ ሃና፡ ደቂ ሃገርና ነበራ። ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ተንሲኡ ከኣ፡ ብስም ኲሉ ስደተኛ ሕዝብና፡ ንስኻትክን ደናግል፡ ኣብ ሃገርናን ኣብ ካልእልን፡ ኩሉ ወላዲ ንደቁ ዝብህጎ ተሞክሮ ብቕዓት ኣብያተ ትምህርቲ ስለዘሎክን፡ ኣብዚ ካርቱም፡ ነዚ ሕዝብና ዝኸውን ኣብያተ ትምህርቲ ክትከፍታ፡ ነሕሉቕክን ከተእውያልና ሓደራ ክብል ተዛረበን። ኣየ እወ እዚ ሕዝብና ክንደይ ምተጠቕመ!

ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ
ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ

ስዒቡ`ውን ቤት ምኽሪ፡ ን100 ዝኾኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመት፡ ብሰናይ ግብሮም በሊጾም ዝተራዩ፡ ዓድታትን ውልቀ ሰባትን፡ ሓደ ናይ ``ምስጋናን ኣድናቖትን`` ሰርትፍኬይት/certificate ተዓደለ። ድሕሪኡ ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ንኣባላት ቤ/ት ምኽሪ፡ ስለቲ ኩሉ ጽፉፍን ስሩዕን ዝገበርዎ መደብ፡ ብስም መላእ ቊምስና ብዙሕ ኣመስገኑ። በዚ ከኣ ፍጻሜ መደብ ኮነ።

ብነጻ ንዘገልገለ እንተወሓደ ውዕለትካ እግዚኣብሔር  ይፍደኻ ምባል
ብነጻ ንዘገልገለ እንተወሓደ ውዕለትካ እግዚኣብሔር ይፍደኻ ምባል

ክብሪ ንልዑል ፈጣሪ ይኹን።

ካብ ኮሚቴ ክፍሊ ሓገዝ፡ ቊምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 August 2022, 11:33