ድለ

ኬንያ፥ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ መረጻ ጻውዒት ሰላም የቕርቡ ኬንያ፥ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ መረጻ ጻውዒት ሰላም የቕርቡ  (AFP or licensors)

ኬንያ፥ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ መረጻ ጻውዒት ሰላም የቕርቡ

ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕትን ምእመናንን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን ሃገሮም ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከንብሩን “ንሓድሕድና ዓቢይ ውህበት ሰላም ንዅን” ቢሎም “ንሕና መራሕቲ ሃይማኖት ሰላም ምሳኻትኵም ይኹን ንብለኩም ኣሎና”

ኣብ ኬንያ መራሕቲ ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ መን ተዓዋቲ ምስ ተነግረ ዝተለዓዓለ ወጥሪ ክውገድ ጻውዒት ሰላም ከም ዘቕረቡን እቶም በቲ ዝተካየደ ህዝባዊ ምርጫ ዘይዓገቡ ንቡር መስርሕ ሕጋዊ መገዲ ክጥቀሙ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ሃይማኖት ኬንያ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ማለት ዕለት 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ ርእሰ ብሔር ብወግዒ ዝተገልጸ ውጽኢት ስዒቡ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ተወጊዱ ሰላምን ህድኣትን ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ዕለት 15 ነሓሰ ናይ ኬንያ ናይ ናጻ ምርጫ ድርገት ኣቦ መንበር ዋፉላ ቸቡካቲ፥ ዊልያም ሩቶ ናይ ድምጺ ብልጫ ከም ዝረኸቡን ሓምሻይ ርእሰ ብሔር ኬንያ ኮይኖም ከም እተሓርዩ ብወግዒ ከም ዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፥ ሩቶ ቍሩብ ልዕሊ 7 ሚሊዮ ድምጺ ብምርካብ ብጸቢብ ፍልልይ ከም ኣተዓወቱን ኣብቲ ምርጫ ዝተሳተፉ ሕጹይ ተመራጺ ኦዲጋ ብቍሩብ ትሕቲ 7 ሚሊዮን ድምጺ ከም ዝረኸቡን እዚ ኸኣ ሩቶ 50.49 ሚእታዊ ኦዲንጋ ድማ 48.85 ሚእታዊ ድምጺ ከም ዝረኸቡ ክንገር እንከሎ፡ ካብቶም ሸውዓተ ናይቲ ናጻ ናይ ምርጫ ጒዳይ ዝከተተል ድርገት ኣባላት እቶም ሓሙሽተ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ድምጽታት ዘይግሉጽ እዩ ነይሩ እንክብሉ ካብቲ ብወግዒ ዝተገልጸ ውጽኢት ኢድና ነልዕል ከም ዝበሉን እዚ ጒዳይ እዚ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓቢይ ብድሆ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ብዙሓት ናይ ኬንያ ፖለቲካዊ ጒዳያት ተዓዘብቲ ይገልጹ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሰላም መራሕቲ ሃይማኖት

ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ሩቶ ተዓዋቲ ምዃኖም ብወግዒ ምስ ተኣወጀ ዝተፈጥረ ወጥሪ ክውገድ ናይ ኬንያ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም፡ ምእንቲ ሰላም ከም ዝጽልዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ንየሪ ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶንይ ሙሀሪያ፥ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕትን ምእመናንን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን ሃገሮም ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከንብሩን “ንሓድሕድና ዓቢይ ውህበት ሰላም ንዅን” ቢሎም “ንሕና መራሕቲ ሃይማኖት ሰላም ምሳኻትኵም ይኹን ንብለኩም ኣሎና” ከም ዝበሉን ናይ ኬንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማርቲን ኪቩቫ እውን ብወገኖም፥ “ኵሉ ህድኣትን ሰላምን ከናድይ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ሓቢሩ።

ብሰላም ሕጋዊ መገዲ ምስዓብ

ኣብ ከንያ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጃክሰን ኦለ ሳፒት ነቶም ብመስርሕ ምርጫ ዘይዕጉባት ሕጋዊ መገዲ ከናድዩ ዓዲሞም፥ “ካልእ ካብዚ ወጻኢ ኵሉ ነታ ክንሃንጻ እንደልያ ሃገርና ዘዕንው እዩ” ቢሎም “እቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝሰዓሩ ርእሰ ብሔር፥ ኬንያ ናይ ኵላትና ስለ ዝኾነት ንዅሎም ነቶም ዝመረጽዎምን ዘይመረጽዎምን ዘገልግሉ ክኾኑ ሓደራ” ቢሎም ኣስዒቦም፥ “ሰላም ክንሕሉ እንከለና ንነብስና ከም ተዓዋቲ ከም እንቖጽራ ኣይንረሰዕ፡ ምኽንያት ብሓባር ክንዓብን ክንስስንን ኣንኽእልል ኣብ ሰላምን ብሰላምን ጥራሕ ስለ ዝኾነ፥ ኣምላኽ ንኬንያ ይባርኽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 August 2022, 16:12