ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት እስያ ናብ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት እስያ ናብ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ  (Vatican Media)

ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት እስያ ናብ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ

እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መንጎ ጳጳሳት እስያ ዘሎ ምትሕብባር ንምሕያልን ብመንጽር ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን “ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ” እንታይ ማለት ምዃኑ ንምሕባር በዚ መንጽር እዚ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ዘንብብን ዘስተንትን እዚ ዓይነት ድሌት ኣብ ኵለን ኣብ እስያ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ

ናይ መላእ ሃገራት እስያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቍፍ ፈደራላዊት ቤት ምክሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት እስያ ንመበል 50 ዓውደ ጒባኤ ይዳለው ከም ዘሎን ምእንቲ እዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ ምእመናን እታ ክፍሊ ዓለም ክጽልዩ ጻውዒት ከም ዘቕረበን እቲ መበል 50 ዓውደ ጒባኤ ንዝመጽእ ዓመታት ኣንፈት ንምሕንጻጽ ዝኣተመ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መላእ ሃገራት እስያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቍፍ ፍፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ ዕለት 22 ነሓሰ መበል 50 ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤኡ ኣብ ታይላንድ ከተማ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ብጹዕ ኒኮላስ ቡንከርድ ኪባምሩንግ ብወግዒ ከበግስ ምዃኑን ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ፍጻሜታት እውን ብመርበብ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ስዒቡ እውን ኣብ ናይ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ ወግዓዊ መራኸቢ ብዙሓንን መርበብ ሓበሬታን ኣብ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓንን ማዕከናት ዜናን እውን ክቐርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ

እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መንጎ ጳጳሳት እስያ ዘሎ ምትሕብባር ንምሕያልን ብመንጽር ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን “ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ” እንታይ ማለት ምዃኑ ንምሕባር በዚ መንጽር እዚ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ዘንብብን ዘስተንትን እዚ ዓይነት ድሌት ኣብ ኵለን ኣብ እስያ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ክርስቲያን  ዘነቓቕሕ ክኸውን እንክሎ፥ እዚ እውን ካብ ሩሑቕ ነቲ ናይ ሃገራት እስያ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳ ክቐውም ዝደረኸ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጸሎት ምእንቲ እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ

ኣብ እስያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ስለ እቲ መበል 50 ሓፈሻዊ ጒባኤ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ ክጽልዩ ብኣቡናቶም ከም እተዓደሙን ነዚ ንምትብባዕ እውን ጳጳሳቲ ነቲ ብሓባር ምእንቲ መበል ሓምሳ ዓውደ ጉባኤ ፈደራላው ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ ብዝብል ኣርእስቲ ጸሎት ከም ዝደረሱን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ከም እተተርጐመን ከምኡ እውን ናይቲ መበል 50 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዝኸውን “መዝሙር እስያ፥ ነቲ ምሳና ዝጓዓዝ ኣምላኽ ባርኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ከም እተደርሰን እቲ ጸሎትን መዝሙርን “ኣብ መላኣ እስያ እቲ ዓውደ ጒባኤ ንቕሓትን ተገዳስነትን ክህሉ ዝሕግዝ ተስፋ ዝተነብሮ ምዃኑ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት እስያ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

19 August 2022, 15:04