ድለ

2022.08.09 Card. Czerny al museo di Auschwitz Birkenau per l'ottantesimo anniversario della morte di Edith Stein 2022.08.09 Card. Czerny al museo di Auschwitz Birkenau per l'ottantesimo anniversario della morte di Edith Stein 

ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ሞት ቅድስት ኤዲት እስታይን ኣብ ኣውዝኪጽ ቅዳሴ ብችዘርኒ!

ኣብታ መዳጎኒ ህልቂት ዝነበረት ኣውስኪጽ ኣብ ዝርከብ ገዳም ቀርመሎሳውያት ደናግል ንጠበቃ ኤውሮጳ ዝኾነትን ኣባኡ ብሰማዕትነት ናይ ዝሞተትን ቅድስት ኤዲት እስታይን መበል 80 ዓመት ንምዝካር ናይ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ንምዕባለ ደቂሰባት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ችዘርኒ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ብኣማድነት ቅድስት ኤዲትን ካልኦት ሰማዕታትን ኣብ ኡክራይናን መላእ ዓለም ሰላም የውርድ እንክብሉ ከምዝጸለዩ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ስብከቶም ብጥቅሲ ጆርጅ በርናኖስ ዝበሃል ዓቢ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ‘ሓንቲ ነገር ጥራይ እያ እተገድስ ንሳ ኸኣ ተበዓትስ ንኹን ገበርቲ እከይ ኩልና ብሓባር ኣብታ እግዚአብሔር ዝመደበልና ቦታ ንርከብ። ነዚ ንዝተረፈ ኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ብምግዳፍ ንግበሮ’ ክብል ንዝጸሓፈ ከም ንምሉእ ሕይወትና ነፍስወከፍ ክሕዞ ዘለዎ መሪሕ ገቢሮም ኣቅሪቦሞ።

ኣብቲ ብፁዕነቶም ዘቅረብዎ ልቢ ዝትንክፍ ስብከት ምስ ታሪኽ ቅድስት ኤዲት እስታይን ንኣዲኦም ዝወለዳ ኣደ ዓባዮም ኣና ሃየክ ኢን ሎው እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብቲ ቦታ ኣብ ተኣሲራስ ን እስክላ ኣምሊጣ እንተኾነ በቲ ማእሰርቲ ብዝሰዓበ ሕማም ብ1945 ናይ ዝዓረፈት ታሪኽ እውን እናዘከሩ ሎሚ እውን እንተኾነ ዝኾነ ውግእ ዘስዕቦ ጽንተትን ምጒዳል ፍትሕን ርግጸት ሰብኣዊ መሰላትን ልዕሊ ኩሉ ሰላምና ይዝረግ ስለዘሎ ጐይታ ብኣማልድነት ናይ ትማልን ሎምን ሰማዕታት ይኣክል ክብለና ኣብ ኡክራይናን ኣብ መላእ ዓለምን ዘሎ ግጭታት ደው ክብል ሰላም ክወርድ ንማህለል ኢሎም። ነዚ ከኣ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብ1965 ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኽዎ ‘ተጻይ ሓድሓድ ፈጺምና ክንለዓል የብልናን! እዚ ፈጺሙ ኣይደገም! ውግእ ፈጺሙ ደው ይበል! ኣይፋል ንውግእ’ ክብሉ ንዝገዓርዎ ደጋጊሞም ብምግዋሕ ቃሎም ሃቡ።

ናብ ታሪኽ ቅድስት ኤዲት እስታይን ምልስ ቢሎም ከኣ ታሪኽ ቅድስት ኤዲት እስታይን ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወት ቀስ ብቀስ ከመይ ቢሉ ከምዝሠርሔ ይገልጸልና። ብቀዳምነት ትውልዳ ዕብራዊት ኰይና ኣብ ምጅማር እምነት እኳ እንተዘይነበራ ለይትን መዓልትን ተመራማሪት ሓሳብ ደቂሰባት ኰይና ምስ ሓንቲ ከምኣ ዝዕብራዊት ምረት ምብልና ዘሳቅያ ግን ከኣ ክርስትና ዝተቀበለት ዕርክነት ትምስርት ብምስክርነታ ትትንከፍ ካባኡ ኣብ ሓንቲ ታሪኻዊት ለይቲ ሕይወት ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ ዘዘንቱ መጽሓፍ ረኺባ ከም ማይ ትሰትዮ። እዚ ነታ ብዙሕ ሃሰስ ዝበለታ ሓቂ ኣበይ ምዃና የብርሃላ። እቲ ሓቂ ብርእሱ ዝኾነ ውህበት ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ትግንዘብ። ብ1921 ትልወጥ ትጥመቅ’ እንክብሉ ነቲ ትማሊ ዘመሓላለፍናዮ ታሪኽ ሕይወታ ገለጹ።

ብፁዕነቶም ካብዚ ብምቅጻል ማዕረ ማዕረ ታሪኽ ቅድስት ኤዲት እስታይን ዝጐዓዝ ካልእ ታሪኽ ናይ ኣደዓባዮም ብትውልዲ ዕብራውነትስ ይኹን ብእምነት ክትልኽና ብገዳማዊ ጸዋዕትስ ይኹን ብስቃይ ብዕድመ እውን ከይተረፈ ሓደ ዝኾነት ኣና ሃየክ ኣብ ኣውስኪዝ ብሓባር ተሳቅያ ንእስክላ ብሕይወት ተሪፋ እንተኾነ ንቁሩብ ዓመታት ጸኒሓ ብግንቦት 1945 ብሕማም ቲፎ ሞተት እንክብሉ ብዓሚቊ ስምዒት ሰበኹ።

ኣብ መወዳእታ ዝኽሪ 80 ዓመት ሞት ኤዲት እስታይን  ኣብዚ ዓለምና ተሃዊጻትሉ ዘላ ግዜ ብምዃኑ ምናዳ ከኣ ውግእ ኡክራይናን ካልእ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ጨካን ውግኣት ብኣማልድነት ቅድስት ኤዲት እስታይን ጐይታ ደው ከብለልና ኣብ ኡክራይናን መላእ ዓለምን ሰላም ከውርድ ንጸሊ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 August 2022, 15:40