ድለ

2018.10.25 arcivescovo metropolita Paolo Pezzi e Oksana Pimenova, ospiti del Team Editoriale Russo di Vatican News 2018.10.25 arcivescovo metropolita Paolo Pezzi e Oksana Pimenova, ospiti del Team Editoriale Russo di Vatican News 

ብጹዕ ኣቡነ ፐዚ፥ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ናብ ካዛኪስታን ንሩስያውያን ካቶሊክ ምእመን ኣገዳሲ ጉዕዞ እዩ

“ንሕና ናይ ዘይብጻሕ ውህደት ደለይቲ ነጋድያን ዘይኮናስ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ስለ ዝነብርን ብመልክዑን ብኣምሳሉን ዝፈጠሮም ኵሎም ፍቕሩን ህይወቱን እነስተማቕር ድሮ እቲ ኣብ ልብና ናይ ዘሎ ሓድነት መሰኻኽር ነጋድያን ኢና”

ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ሩሲያ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካዛኪስታን ርእሰ ከተማ ኑር ሱልጣን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ መራሕቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ንኽሳተፉ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ናብ ካዛኪስታን ብምኻድ ፍቕሮምን ተኣማንነቶምን ክገልጹ ምዃኖም ኣብ ሞስኮ  ናይ ርእሰ ሰበኻ እመ ኣምላኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ፐዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 13 ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ካዛኪስታን ኣብቲ ንሰላም ዚድግፍን ሃይማኖት ግጭት ምኽንያታዊ ምግባር ዝቃወም ኣብ ሻብዓይ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ንምስታፍ ብዝገብርዎ ምብጻሕ ምኽንያት ኣብ ሞስካ ናይ ርእሰ ሰበኻ እመ ኣምላኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐዚ መደብ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝወደቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እቲ “ናይ ሓድነት መሰካኽር ኢና” ብዝብል መርሕ ቃል ዚግበር ጒዕዞ ዕለት 12 መስከረም ካብ ከተማ ሞስኮ ከም ዝብገስን ቐዳማይ መዕረፊ ኣብ ሩሲያ ዞባ ሳይበርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦምስክ ከም ዝኸውንን ንጽብሒቱ እቶም ብብጽኡነቶም ዝምርሑ መንፈሳዊ ነጋዶ ሩሲያውያን ምእመናን ካቶሊክ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ እትርከብ ከተማ ካራጋንዳ ኪበጽሑን ስዒቦም እውን ኣብቲ ካብ 1930 – 1960 ዓ.ም. ብዙሓት ሩስያውያን ሰማእትነት ኣብ ዝኸፈልሉ ስፍራ ኣብ እትርከብ ከተማ ካርላግ ክኣትው እዮም። ዕለት 14 መስከረም እታ ጉጅለ መንፈሳውያን ንጋዶ ሩሲያ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ኤክስፖ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ናብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን ኑር ሱልጣን ክኣትዉን ዕለት 15 መስከረም ናብ ሞስኮ ክምለሱ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ርእሰ ሰባኻ እመ ኣምላኽ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ሞስካ ናይ ርእሰ ሰበኻ እመ ኣምላኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ፐዚ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ሩሲያ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘለዎም ጥብቂ ርክብን ተኣማንነትን ንኽምስክሩ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እንክገልጹ፥

“ር.ሊ.ጳ. ናብ ካዛኪስታን ዝገብርዎ ምብጻሕ ንዓና ምእመናን ሩያውያን ካቶሊክ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ብቐዳምነት ር.ሊ.ጳ. ናባና ዚመጹ እንተ ዀይኖምን መዓዝ ከም ዚመጹን ስለ ዘይንፈልጥ ካዛኪስታን ከኣ ካብተን ቅዱስነቶም ምጻሕ ዘካይዱለን ሃገራት ንዓና ኣዝያ ቀረባ ብምዃና ምስኦም ንኽንራኸብ ናብ ጋዛኪስታን ንኽንከይድ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሩስያውያን ንር.ሊ. ጳጳሳት ዘሎና ልዑል ፍቕሪን ተኣማንነትን ብቐረባ ንኽንገልጽ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልና ጒዕዞ እዩ። እዚ እዩ እቲ ናብ ካዛኪስታን ንኽንገድ ዚድርኸና።” ከም ዝበሉ ክፍለጥ እንከሎ ኣብ ናይ ርእሰ ሰበኻ እመ ኣምላኽ ውግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደት ንኽሳተፉ ንዝደልዩ ካቶሊካውያን ሩሲያ ዕድመ ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ካዛኪስታን ከተማ ኣልማትይ ሰበኻ ቅድስቲ ስላሴ ጳጳስ ናይ ካዛኪስታን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ልዊስ ሙምባላ ሲየራ እውን ብወገኖም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

“ንሕና ናይ ዘይብጻሕ ውህደት ደለይቲ ነጋድያን ዘይኮናስ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ስለ ዝነብርን ብመልክዑን ብኣምሳሉን ዝፈጠሮም ኵሎም ፍቕሩን ህይወቱን እነስተማቕር ድሮ እቲ ኣብ ልብና ናይ ዘሎ ሓድነት መሰኻኽር ነጋድያን ኢና”

ኢሎም።

18 August 2022, 10:08