ድለ

2020.03.14 assistenza persone anziane , conforto anziani , mani 2020.03.14 assistenza persone anziane , conforto anziani , mani  (©Africa Studio - stock.adobe.com)

ናይ ኣይሪሽ ጳጳስ፣ ክብርን ሓልዮትን ብዕድመ ንዝደፍኡ ሽማግለታትን ዓበይቲ ወለድን

ዓለማዊ መዓልቲ ሽማግለታትን ዓበይቲ ወለድን ብሰንበት 24 ሓምለ ኣብ ዝተኸብረሉ፣ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ጉዳይ ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን፣ ኣቡነ ደኒስ ኑልትይ፣ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወገናትና ክብርን ሓልዮትን ክንህብ ይጽውዑ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ሕብረተሰብና ብዕድመ ዝደፍኡ ወገናትና ክብሪ ምሃብ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ንቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ጉባኤ ጳጳሳት ኣይርሽ ዝነቀለ ሓሳብ ኢዩ። ኣቡነ ደኒስ ኑልትይ ከምዝበልዎ “ዝከኣለና ጌርና ንሕብረተሰብና ክብርን ኣኽብሮን ክንህብ ኣሎና።” እዚ ካልኣይ ዓመት ንዝኽሪ ሽማግለታትን ዓበይቲ ወለድን ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዩ፡ እዚ ብ2021 ብቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ዝተመስረተ ኢዩ።

ሓድሽ ተልዕኮ

ቅዱስ ኣቦና ብኣጽንዖት ዝጸቅጡሉ “ሽምግልና ኢድካ ሂብካ ጋንጽላታትና እነውርደሉ ግዜ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ነባሪ ፍረ እንሓድገሉ ወቅቲ ኢዩ፡ ንቅድሚት ገጽና ክንጥምት ዝገብር ሓድሽ ተልዕኮ ኢዩ ዝጽበየና።” ይብሉ።

ንሓሳባት ቅዱስ ኣቦና ብምርዓም ኣቡነ ኑልትይ “ር.ሊ.ጳጳሳት ዝብሉና እናሸምገልና ኣብ እንኸደሉ ግዜ፡ ከም ኣብሓጎን ሽማግለን ጋንጽላታትኩም ኣውሪድኩም “ኣነ ክነብሮ ዝነበረኒ ሕይወት ኣሕሊፈ ኢየ” ኣይትበሉ፡ ድሕሪ ሕጂውን ክትህብዎን ክትፈርይዎን ዘለኩም ብዙሕ ኣሎ።”

ምክፋል ጥበብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝነውሔ ዕድመ ጵጵስናኦም፡ ንፍሉይ ተራ ጸዋዕታ ሽማግለታት ንሓድሽ ወለዶ ከሕልፍዎ ዘለዎም ተመኩሮ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ከዘንትዉን ከሰጋግሩን ይጽውዑ።

ኣብ ሰሙናዊ ወግዓዊ ኣስተምህሮ ብመጋቢት 23 ናይዚ ዓመት እዚ ከምዝበልዎ “ሽማግለታት ንዘልዎም ንጥበብን ተመኲሮን  ናብ ንኡስ ወለዱ ከመሓላልፉ ብዓቢ ሓንቀውታ ኢና እንጽበ፡ ብእምነት ሕይወት ቃለ እግዚኣብሔር ምንባርን፡ ኣብ ግዜ ፈተና ብኸመይ ብተስፋ ክንበር ከምዘለዎን ምምስካርን፡ ንኣሕዋትና ኣሓትናን ርሕራሔን ድንጋጸን ምርኣይ ክንመሃር ንኽእል” ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት፡ ናብ ዓበይቲ ወለዶም መልእኽቲ ብምጽሓፍ፡ ክሳብ ክንደይ ከምዘኽብርዎ ክጽሕፉሎም ኣተባብዑ።

መጽሓፍ ቅዱስን ሽማግለታትን

“ኣብ እርግናኦም ይፈርዩ፡ ለምለም ይኾኑን ይለምዑን።” (መዝ.92፡14) እዚ ኣብ ካልኣይ ዓለማዊ መዓልቲ ዓበይቲ ወለድን ሽማግለታትን ዝተመርጸ ቴማ ኢዩ ኔሩ።

ብኣበሃህላ ቅዱስ ኣቦና፡ ቃላት መዘምር ዳዊት ዜና ብስራት እየን ዝጎስዓ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ንዓበይቲ ወለዲ እነመሓላልፎ ሓቀኛ ብስራት እዚ ኢዩ።

ኣቡነ ኑልትይ ብርክት ዝበሉ ኣብነታትን ፍጻመታትን ሽማግለታት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እናጠቀሱን እናሓበሩን፡ ካብ እዚኣቶም ብቀዳምነት ኣብርሃምን ሳራን  ኢዮም  ዝቅጀሉኻ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅድስቲ ኤሳቤጥን፡ ብርክት ዝበለ ኣብነታት ፍረ ኣብ ዓለም ዝፈርዩ፡ ኣብ ሕበረተሰቦም ዝፈርዩ፡ ኣብ እርጋኖም ኣብ ምድረ ተስፋ ዘምርሑ ኢና እንግንዘብ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብርክት ዝበለ ኣብነታት ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ዝኸውን ኣብነታት ኣሎ፡ ዓበይቲ ወለድና ክነብርዎ ዘለዎም ሕይወት ከምዘሎ የገንዝበና።

መዓልቲ ዓበይቲ ወለዲ

ኣቡን ኪልደረን ለግሊንን ኣጥቢቆም ዘተሓሳስብዎ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ሽማግለታትን ዓበይቲ ወለድን ዝህበና ሓደራ “ሓድሽ ዕድል ብምርካብ ከነኽብሮምን ኣብ ሕይወትና ክሳብ ክንደይ ልዑል ተራ ከምዘለዎም ከነፍልጦም ኣሎና።” ይብሎ። ኣብ ቀዳምይ ዓመት ዝተዘርኣ ፍረ እፈሪ ከምዘሎ ከኣ ኣዘኻኸሩ።

ንሶም ብተወሳኺ ንኹለን ቁምስናታት እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ንሽማግለታትን ዓበይቲ ወለድን ከነኽብሮምን ክንሓልየሎምን፡ ንካህናትን ኣብ ውፉይ ሕይወት ሽማግለታት’ውን ከይረስዑ፡ ንኹሎም ኣማእኪሎም ከኽብሩ የዘኻኽሩ። ብተወሳኺ ኩለን ቁምስናታት እታ ሃገር ዓበይቲ ዝናበዩሉ ማእከላት ኣብዚ ዓመታዊ በዓልን ዕላማን ከይርስዑ የተሓሳስቡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 July 2022, 17:32