ድለ

USA-JULYFOURTH/SHOOTING-HISTORY USA-JULYFOURTH/SHOOTING-HISTORY 

ካርዲናል ኩፒች ብዛዕባ ተኹስን ቅትለትን ብጠበናጁ ‘ካብ ጎደናታትና ኣጽዋር ውግእ ክንኣሊ ኣለና’

ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ብለስ ኩፒች ናይ ቺካጎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሰንኪ ጠበንጃዊ ዓመጽ ኣብ ባርነት ኣውዲቅዋ ዘሎ፡ ብገለ ኣገባብን ኣተሓሕዛ ሜላን ክልወጥ ኣለዎ ኢሎም። እዚ ቃላት እዚ ኣብዚ ዘለናዮ ወርሒ ሓምለ ዕለት 4 ኣብ ጎደቦ ቺካጎ ብዝተፈጸመ ቅትለት ዝነቀለ ኢዩ።

ዜና ቫቲካን

ብፁዕነቶም ከምዝበልዎም መሳርሒ ውግእ ኣብ ኢድ ሕዝቢ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ክህሉ የብሉን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ንዘስመሩሉ ባህሊ ዓመጽ ኣወጊድካ ብፍቅሪ ምንባር እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኩነት ኢዩ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ  ኣጋጣሚ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝኽሪ ናጽነት ሃገር ኣብ መናፈሲ ከለዉ ብጠበንጃ ዝተገብረ ቅትለት ይኹንኑ። ብተወሳኺ ርእሰ ሰበኻኦም ነቶም በዚ ዜሕዝን ፍጻሜ ንዝተተንከፉን ማህሰይቲ ዝወረዶም ከጸናንዑ እነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ሓደ ጠበንጃ ዝሓዘ ኣብ ናሕሲ ቤት ደይቡ፡ ነቶም ኣብ 4ተ ሓምለ ናይ ናጽነት ዝኽሪ ዘብዕሉ ዝነበሩ ተኹሲ ከፈተሎም፡ በዚ ከኣ ብውሑዱ 6 ቀቲሉን 30 ካልኦት ከኣ ኣቁሲሉን። ሽዑ ንሽዑ ፖሊስ ነቲ ፈጻሚ ገበን፡ ሮበርት ኢ. ክሪሞ ኣብ ቀይዲ ኣእተውዎ። እዚ ኩነታት እዚ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት 2022 ጥራሕ ኣብ ቤት ትምህርታትን፡ ኣብያተ ክርስትያንን ኣብ ናይ ሃለኽቲ ድኳናትን፡ ኣብ በዓላትን ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ተርእዮ ኢዩ።

ብፁዕነቶም ኣብ ዝተገብረሎም ቃለ መሕትት ዝሃብዎ ምላሽ፡ እዚ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ብጠበንጃ ዝግበር ዘሎ ቅትለት ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዮም ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብሃውሪ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ናይ ውግእ መሳርሒ ዝኹንኑ።

ብፁዕ ካርዲናል ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ቅትለት ብጠበጃ ኣብ ከባቢኹም ንዘጋጠመ እንታይ ምበልኩም ንዝብል ሕቶ፡ እንክምልሱ፥

እዚ ፍጻሜ እዚ ሓዲሽ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ቺካጎ ጥራሕ ኣይኮነን ኣጋጢሙ፡ ኣብ መላእ ሃገር ልሒሙ ዘሎ ኢዩ። መዓልታዊ ኣብዛ ሃገር እንሰምዖ ፍጻሜ ኮይኑ ኣሎ፡ ካሳብ ሕጂ 300 ብጥይት ተወጊኦም ኣለዉ፡ ካብዚኦም ልዕሊ 100 መይቶም ኢዮም። እዚ ኣባና ምብጽሑ ከኣ ልብኻ ዝወግ ሕማቅ ፍጻሜን ዓመጽን ኢዩ።

ነቲ ኣብ ቺካጎ ዘጋጠመ ዓመጽ ብኸመይ ምገለጽክምዎ ብኸመይ’ከ ክንቃልሶ ኣሎና ምበልኩም? ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ።

ሎም ዘመን ብመሪሕነት ሕጋዊ ኣገባብ ስጉምቲ ተወሲዱሉ ኢዩ፡ እዚ ከኣ በዚ ኣገባብ ዓመጽ ዝሞቱ ስለዝበዝሑን እቲ ፍጻሜ ብተደጋጋሚ ስለዝተሓበረን ኢዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ኩነት እዚ ኣጽኒዑ ብምሓዝ፡ ምስላዂ ጠበናጁ ዝከታተል እኹል ሕጊ ኣብዛ ሃገር ስለዘይብልና ይቅጽል ኣሎ።

ኣብዚ ዘሕዝን ግዜን ኩነታትን ኣብ ዘለናሉ፡ ብፁዕ ካርዲናል ኩፒች ብትስፍው ልቢ፡ ቅዱስ ኣቦና ንዝሃቡና መምርሒ ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮና ኣመሪካዊ ክትንክፍ ኣለዎ፡ ንሱ ከኣ ሓቢርና ናይ ዓመጽ ባህሊ ከነጥፍእ ኢዩ፡ እዚ ሕልሚ ኮይኑ ክተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ትግባረ ክውዕልን ኣብ ውሽጥና ክሰርጽን ኢየ ዝምነ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 July 2022, 14:25