ድለ

2022.05.06 ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ናይ ሰበኻ ኣግቦቪለ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣለሲስ ቱዋብልይ ዩሎ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሓድሽ ኣቦ መንበር 2022.05.06 ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ናይ ሰበኻ ኣግቦቪለ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣለሲስ ቱዋብልይ ዩሎ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሓድሽ ኣቦ መንበር  

ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ መደብ መጽናዕቲ ንትግባሬ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ኵላትና ኣሕዋት”

“ህዝብና ጠምዩን ሰብኣዊ ፍጥረቲ ኣብ ጽኑዕ ስቓይ ከም ዝርከብን መንእሰያትና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሉጽን ዝሓሸን ሓምላይ መገሃጫ ንምርካብ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዜእቱ ጉዕዞታት ባሕሪ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡን ነዞም ሰባት እዚኣቶም ተስፋ ክንህቦም ጽዉዓት ኢና”

ናይ 16 ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዝሓቍፍ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ካብ ዕለት 2 – 9 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ብዛዕባ እታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ዞባታቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ኣንፈት ንምልላይ ፍሉዩ ዓውደ መጽናዕቲ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ክሳዕ ክንደይ ተማራዃስን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዘርእን እዚ እውን መግለጺ ሰብኣዊ ሕውነት ተገይሩ ክርአ ከም ዘለዎ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብመሰረት ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእክቲ ከም ዘዘኻኸረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ናይ ሰበኻ ኣግቦቪለ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣለሲስ ቱዋብልይ ዩሎ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ከም ዝሓረየ ኣፍሊጡ።

ተስፋ ከነቕርብ ዝተጸዋዕና

“ህዝብና ጠምዩን ሰብኣዊ ፍጥረቲ ኣብ ጽኑዕ ስቓይ ከም ዝርከብን መንእሰያትና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሉጽን ዝሓሸን ሓምላይ መገሃጫ ንምርካብ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዜእቱ ጉዕዞታት ባሕሪ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡን ነዞም ሰባት እዚኣቶም ተስፋ ክንህቦም ጽዉዓት ኢና” ነዚ ዝበሉ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፥ ኣስዒቦም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ለብዒ ኮቪድ - 19 “ኵላትና ሓንቲ ስድራ ቤት ምዃንና ኣፍልጦ ንኽንህብ ኣኽኢሉና እዩ። ንጸገማትና በይንና ወይ ብተነጽሎ ክንዋጽኦ ከም ዘይንእኽል ንኽንግንዘብ ኣኽኢሉና እዩ። ስለዚ ካብ ዘይተግዳስነት ዘንብርን ዘስፍሕን ባህሊ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ምእንቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ወትሩ ብሓድነት ክንዓዩ ይግባእ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንዅሉ ዓይነት ቀቢላነት ምውጋድ

ብጹዓን ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን” ዝብል ንእሱ ኣርእስቲ ዘለዋ፥ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝያዳ ሰብኣዊ ሕውነትን ምትሕብባርን ሓድነትን ዝሓትት ከምኡ እውን ውግእ ክንነጽግ ምሕጽንታ እተቕርብን ንትግባሬኡ ዘድሊ መገድታት ትሕብር ምዃና ኣመላኺቶም፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ማሕበረሰብና ዘሎ ሰላምን ፍቕርን ኣዕሚቑ ዘህልኽ ዘሎ ቀቢላውን ዓሌታውነትን ዘፍጥፍእ ናይ ሓቂ ሕውነት ክረኽቡ” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜናቭ ኣቲካን ኣፍሊጡ።

ጨው ምድሪ ኢና

ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፥ “ኣብቲ ዘካየድናዮ ምይይጥ እታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለምን ውጽኢታዊ ናይ ጒስነት ምምሕዳርን ዝያዳ ማሕበራዊ ዕርክነትን ኣብ ምምስራት ክትሕግዘና ከምእ ትኽእል ንጹር እዩ። ኵላትና ኣቡናት ካህናት ሰብ ውፉያን ማሕበራትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከምኡ እውን ምእመናን ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ጨው ምድሪ ምዃንና ተዘካኽረና (ማተ. 5, 13 ረኣ) መብዛሕቲኦም ህዝብና ይሳቐዩ ስለ ዘለዉ ሓዘኖም ንምንካይ ብህይወት ንኺቕጽሉ ምኽንያት ንምሃብ ዝያዳ ክርስቲያናዊ ቆራጽነት ከነርኢ ምሕጽንታ ተዋሂቢና ኣሎ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 May 2022, 16:40