ድለ

2022.05.18 Udienza Generale 2022.05.18 Udienza Generale  (Vatican Media)

ምስጋና ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ውሻጠ ወጺእና ኣብ ሻውላት ምስባኽ ከም እንፈቱ ኰና! ኣባ ክየራ

ኣባል ብልኡካነ ወንጌል ፕየሞንተ ዝፍለጡ ኣብ ሻውላት ሃገረ ብራዚል ዝርከብ ካዛ ዶ መኖር ዝበሃል መዕቆቢ ግዳም ሓደር ቈልዑት ዝመሥረቱ ኣባ ክየራ ሮቡዕ ዕለት 18 ግንቦት 2022 ኣብ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም ስለቲ ካብ ውሻጠ ወጺእካ ኣብ ሻውላት ንምግልጋል ዘቅረብዎ ድፍኢት ኣመስጊኖም ኣብ ጒነያ ቢሳው እውን ሓዲስ መዕቆብ ድኻታት ክምሥርቱ ምዃኖም ከምዝገለጹሎም ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣባ ረናቶ ክየራ ቅድሚ 45 ዓመታት ኣብ ሃገረ ብራዚል ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈሩሉ ግዜ ዘስካሕክሕ መነባብሮ ግዳም ሓደር ቈልዑን ካብኦም ዘይሕሹ ብድኽነትን ምዝመዛን መናባብሮ ዝሓሰሞም ኣብ ሻውላት ንዝነብሩ ሰባት ንምርዳእን ንምቅባልን ካዛ ዶ መኖር ማለት ገዛ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ዝብል መዕቆቢ መሥሪቱስ ድሮ ካባኡ ሓሊፉ ኣብ ሓንቲ ካብተን ብድኽነት ዝሳቀያ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጊኒ ቢሳው እውን ሓዲስ ተመሳሳሊ መዕቆቢ ክኸፍቱ መደብ ከምዘለዎም ንቅዱስነቶም ገሊጾምሎም። ድሕሪ እቲ ርክብ ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ንቅዱስነቶም ብመጀመርያ ስለቲ ኣብ ድኻታት ዘለዎም ፍቅሪ ምናዳ ኸኣ እቲ ማንም ዘይግደሰሉ ሻውላት ብምትኳር ናባኡ ገጽና ውጽእ ክንብል እሞ ኣባኡ ወንጌል ክንሰብኽን ፍቅሪ እግዚኣብሔር ክነስፍሕን ንዘቅረብዎ ጻውዒት ብምምስጋን ስለቲ ኩሎም ዝገብሩልና ሓገዝ እውን ኣመስጊነ ካብ ብራዚል ንኣፍሪቃ ገጽና ንብገስ ከምዘሎና ገሊጾሎም እንክብሉ ሓጺር ቃለምልልስ ገቢሮም።

ካብ ብራዚል ናብ ኣፍሪቃ!

ኣባ ረናቶ ክየራ ናይ ኩሉ መበገሲ እቲ ጐይታ ንድኻታት ዝገበርኩምዎ ንዓይ ዝገበርኩምዎ ብማለት መላእ ተልእኮ ቤተክርስትያን ብቀንዲ ከተኩረሉ ዘለዎ ጉዳይ ድኻታት ሽሕኳ ኣቀዲሙ ኣብ ብራዚል እንተጀመረ ኣብዘን መወዳእታ ዓመታት ከኣ ካብቲ ውሑስ እንብሎ ናብራ ውጽእ ቢልና ናብቲ ማንም ቁሊሕ ዘይብሎ ቦታት ዝርከቡ ድኻታት ክነተኩር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝገበርዎ ድፍኢት እውን ግደኡ ስለዘበርከተ ናብታ ካብ ዝደኸዩ ኣህጉር ዓለምና ሓንቲ ዝኾነት ኣፍሪቃ ገጽና ተልእኮና ኣስፊሕና፤ ርግጽ እቲ ጸገም ብዓንዲ ርእሱ ድኽነት እኳ እንተኾነ ኣብ ኣፍሪቃን ብራዚልን እቲ ተልእኮ ይፈላለ እዩ፤ ኣብ ብራዚል ቀንዲ ተልእኮና ናብ ግዳም ሓደር እንከተኩር እዞም ትሕቲ ዕድመ እዚኦም ብዝተፈላለየ ናይ ዓመጽ መጋበሪታት ብዕፀ ፋርስን ኣዘዋወርቱን ተመዝሚዞም ገሊኦም ክሳብ ዕጥቂ ሒዞም ኣብ ጥፍኣት ዝተዋፈሩ እውን እዮም። ኣብዚ ዘውደቆም ቀንዲ ጸገም ድኽነትን ሥራሕ ምስኣንን ብምዃኑ ቅድሚ ዝኣገረ ሰብ ንክኾኑ ኣብቲ መዕቆቢ ንምህሮም ንሕግዞም ብድሕሪኡ ሥራሕ ረኺቦም ርእሶም ክሳብ ዝኽእሉ ንሕግዞም። ኣብ ኣፍሪቃ ግን ቀንዲ ጸገም ድኽነት ብምዃኑ ኣብ ቊምስናታትን መራኸቢ ቦታትን ነቶም ብድኽነት ዝገርብርዎ ዝጠፍኦም መንእሰያት ዝተፈላለየ ኣገባባት ካብ ስፖርት ጀሚርካ ዝራኸበሉን ነቲ ሕይወት ናብ ንቡር ዝመልሱሉን ኣገባብ ንምፍጣር ብምሕጋዝ ኢና ንገብሮ፤ ኣብዚ እውን ኣገልግሎትና ኣብ መንእሰያት ዘተኰረ እዩ።ቀንዲ ተልእኮና ቋንቋ ፍቅሪ ምምሃር እዩ ኢሎም።

ቋንቋ ፍቅሪ!

ኣባቴ መግለጺኦም ብምቅጻል ‘ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብ ባፋታ እትብሃል ከተማ ጊኒ ቢሳው ኮይኑ እዛ ከተማ እዚኣ ግን ነበርታ መብዛሕትኦም ኣስላም እዮም።ኣብ ጐደናታት እዛ ከተማ እዚኣ ዘወን ዝብሉ ትሕቲ ዕድመን ኣጓቡዝ መንእሰያት እንክኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ጒጅለታት እምነት ዝመጹ እዮም። ኣብዚ ሓንቲ ክንገብራ እንኽእል ኩሎም ክርድእዎ ዝኽእሉ ቋንቋ ክንዛረብን ክንምስክርን ጥራይ እዩ ዘሎና፤ እዚ ቋንቋ እዚ ከኣ እንትርፎ ቋንቋ ፍቅሪ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።ብካልእ ኣዘራርባ ኣባኡ ብምህላውና ንሶም ክሳብ ነቲ ብተግባር እንገልጾ ሓይሊ ፍቅሪ ጐይታ ዝርድኡ እዩ’ እንክብሉ ምስ ኣብርሁ፤ ኣብ መወዳእታ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝገበርዎ ሕጺር ርክብ ቅዱስነቶም ንዝበልዎም ‘ወዲ 80 ዓመት ኢኹም ገና መን እሰይ ኢኹም ዘሎኹም ኣጆኹም ነዚ ሠናይ ተግባር ቀጽልዎ’ ብምድጋም ገና ንፍቅሪ ጐይታ ናብ ኩሉ ኣጽናፈ ዓለም ንከብጽሑ ዘለዎም ተስፋን ሃረርታን ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 May 2022, 13:36