ድለ

ቅነ ይሴባሕ፥ ዓለም ለኻዊ ፍጻሜታት ንኣምር “ይሴባሕ” ውሁድ ስነ - ህይወት ንምጒላሕ ቅነ ይሴባሕ፥ ዓለም ለኻዊ ፍጻሜታት ንኣምር “ይሴባሕ” ውሁድ ስነ - ህይወት ንምጒላሕ 

ቅነ ይሴባሕ፥ ዓለም ለኻዊ ፍጻሜታት ንኣምር “ይሴባሕ” ውሁድ ስነ - ህይወት ንምጒላሕ

ቅነ ይሴባህ ንዅሎም እቶም ንፍጥረት ኣምላኽ ኬድሕኑ ዚደልዩ ሰባት ከም ፈልፋሊ ኣስተንፍሶን ትምህርትን ኰይኑ ዘገልግል እዩ”

ነታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ይሴባሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ምክንኻን ፍጥረትን ናይ ሓባር ቤትናን ስልጣናዊ ትምህርቲ እተቕርብ ዓዋዲት መልእክቲ ዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ንምብዓል ካብ ዕለት 22 – 29 ግንቦት  ኣብቲ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ሸውዓተ ሸቶታት ንውሁድ ስነ ህይወት ምዕባለ ዘተኮረ መርሓ ፍጻሜታት ንምቕራብ ዝኣመተ መደብ ቅነ ይሴባሕ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 22 – 29 ግንቦት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ህያው ኣብ ምግባር እተመላኽቶ ዕቤት ንምጽንባል በቲ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እተደገፈ ስጒምቲ ንምውሳድ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንምጒላሕ ኣብ መደብ ቅነ ይሴባህ ክሕብሩ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሻብዓይ ዝኽሪ ናይታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ክንክን ፍጥረት እትሃንጽ ዓዋዲት መልእክቲ ዝኽበረሉ ሰሙናዊ ፍጻሜ፥ ተኸታታሊ ዓለም ለኻዊ በዓላትን ባህላዊ ዓውደ ርክባትን ዓውደ መጽናዕትን ክካየድ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ንራእይ ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ውሁድ ስነ-ህይወት እተብርህ ሓድሽ ፊልም ንምርኢት ከም ዝቐርብ እውን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራውን ዞባውን ፍጻመታት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቅነ ‘ይሴባሕ’ ምስ ሓደ ካብቲ ሸውዓተ ሸቶታት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ እተደገፈ ንዘይንጽል ውሁድ - ስነ ምሕዳር ንምርግጋጽ ባይታ ዝፈጥር መርሓ ፍጻሜታት መሰረት ኣህጉራውን ሃገራውን ዞባውን ፍጻሜታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ስለዚ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘተኮረ ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል ካቶሊካውያን ኣብ ልዕሊ ብዝሑነት -ህይወት ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምውጋድ ብኸመይ ክዋስኡ ዝድግፎም ሓሳብ ክቐርብን ጸዓት ነዳዲ ኣብ ግጭትን ቅልውላው መሓድሮ ዘለዎ ግደ፣ ኵላትና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንድኻታት ብኸመይ ክንቅበሎም ከም ዘሎናን እዚ ክልተ ሓሳብ እዚ ምስ ምክልኻል ውሁድ - ማሓድሮ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ክስትውዓል ዝሕግዝ መደብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኡጋንዳ ኢጣሊያ ኣየርላንድ ብራዚል ከምኡ እውን ኣብ ፊሊፒንስ ዓለም ለኻዊ ፍጻሜታት ክካየድ ምዃኑ ናይ ምንስቓስ ይሴባሕ ኣካያዲ ዕዮ ሓላፊ ቶማስ ኢንሱዋ ብዛዕባ ቅነ ይሴባሕ ኣማኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም “ቅነ ይሴባሕ - ኣህጉራዊ በዓል ክኸውን ተበጺሑ ኣሎ እዚ ኸኣ ምእመናን ብእሙን ስምዒት ምእንቲ ሓባራዊት ቤትና ዝያዳ ክዓዩን ክከናኸኑን ምንጪ ኣስተንፍሶ ብመሰረት እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘመላኽት እዩ” ከም ዝበሉ ዚሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣተሓሒዞም ከኣ “ኣብ መላእ ዓለም ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን እናሀለወ ክነሱ መዓልታዊ ሰዓበቲ እምነት ካቶኪካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣንጻር ህጹጽ ኵነታት ከባቢ ኣየርን ምህዳራዊ ቅልውላውን ንጹህ ስጒምቲ ክወስዱ እዮም። ቅነ ይሴባህ ንዅሎም እቶም ንፍጥረት ኣምላኽ ኬድሕኑ ዚደልዩ ሰባት ከም ፈልፋሊ ኣስተንፍሶን ትምህርትን ኰይኑ ዘገልግል እዩ” እቲ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቅነ ይሴባሕ ምእመናን ነቲ ብመርሓ ፍጻሜታት ግብሪ ኣቢሉ ስጒምቲ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ክቐርብን ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ዝቕጽል “ጒዕዞ” ብመንፈስ ሲኖዶሳውነት ንኺሳተፉን ተስፋ ይገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 May 2022, 09:33