ድለ

2022.05.13 funeral service of one of the first de La Salle brothers in eritrea 2022.05.13 funeral service of one of the first de La Salle brothers in eritrea 

ዜና ዕረፍት እኅው ሚካኤል ቀለተ (29 መጋቢት 1933 - 17 ሚያዝያ 2022)

'ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ፤ ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ።' (2 ጢሞ 4.7)
ብድምጺ ንምክትታል!

ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ሕይወት ሓው ሚኪኤል ቀለተ ኣባል ማሕበር ኣሕዋት ላሳል

ሓው ሚኪኤል ቀለተ ብዕለት 29 መጋቢት 1933 ካብ ክብራትን ሕያዎትን ወለዶም ኣቶ ቀለተ ዓይቡን ወ/ሮ መድሓኒት ደርማስን ኣብ ዓዶም ተረንኳ ተወልዱ፡ ካብቶም 8 ኣሕዋቶም መበል 6ይ ህጻን ነበሩ፡ ጸጋ ጥምቀት ኣብ ዚተቐበሉሉ መዓልቲ “ግርማጽን” ዝብል ስም ክርስትና ተቀቢሎም፡ ወለዶም ፈሪሃ እግዝኣብሔርን ፍቅሪ ኣሕዋትን ዝነብሮም ብምንባሮም፡ ንደቆም ግቡእ መንፈሳዊ ኩስኮሳ ብምግባር ወኒ ዘለዓዕል ካቶሊካዊ እምነትን፡ ሓያል ክብሪታት ስድራ ቤትን ኣስኒቆም ኣዕበይዎም።

ሓው ሚካኤል ምስ ወለዲ
ሓው ሚካኤል ምስ ወለዲ

እቶም ኣብ ገዳም ኣሕዋት ላሳል ተጸንብሮም ብመብጸዓ ክሳብ ዝውፈዩ ኣስፍሃ ብዝብል ስም ዝፍለጡ ዝነበሩ ሓው ሚኪኤል ፡ ናይ ፋልማይ ደረጃታት ትምህርቶም ኣብ ወስበንስረኽ ድሕሪ ምክትታል፡ ህርፋን ኣገልግሎት ኣምላኽ ሓዲሪዎም ኣብ መበል 19 ዓመቶም ብ1952 ኣብ ማሕበር ኣሕዋት ላሳል ብምጽንባር፡ ነቲ ናይ 70 ዓመታት ጉዕዞ ውፍይ ሂወቶም ኣብ ከረን ኣሃዱ ብምባል ፈለምዎ።

ክሳብ 1954 ኣብ ከረን ብምጽናሕ ድማ ኣድለዩ ዝኾነ ናይ ቀለምን ናይ መንፈስን ትምርህቲ ምእንቲ ኪረኽቡ ናብ እትርከብ ናብ ዓዲ ጣልያን ከተማ ቶረ ዶል ግረኮ (ጥቃ ናፓሊ) ካብ ዝተላእኩ ቀዳሞት ደቀባት ኣባላት ማሕበር ኣሕዋት ላሳል ነበሩ፥ ኣብኡ ከለው ድማ ብዕለት 18 ታሕሳስ 1954 “ሓው ሚኪኢል” ብዝብል ስም ምስ ሓው ዳንኢል ምስግና ልብሰ ምንኩስና ዝተቀበሉ፡ ንክልተ ዓመታት ዚኣክል ንሕይወት ምንኩስና ዜብቅዕ ትምህርቲ ምስ ፈጸሙን፥ ኩሉ ሕግታትን መንፈሳውነትን ማሕበር ብግቡእ ምስ ፈለጥዎን፡ ብ1956 ከም ኣባል ማሕበር ኣሕዋት ላሳል ቀዳማይ ማሕላ ፈጸሙ፡

ገዳም ኣሕዋት ላሳል ኣብ ወርቃዊ ዘመና
ገዳም ኣሕዋት ላሳል ኣብ ወርቃዊ ዘመና

ካብኡ ቀጺሎም ንሮማ ብምኻድ ኣብ ኮለጆ ላሳል ኣብ ሓዋርያዊ ስርሖም ክሕግዞም ይኽእል’ዩ ኢሎም ኣሚኖም ንክልተ ዓመት ብስርሓት ሓጺንን ዕንጸይቲን ሞያዊ ትምህርቲ ወሲዶም ተመረቑ፡ ብ1958 ናብታ ዝፈትውዎ ዓዶም ተመሊሶም ድማ ኣብታ ዘዕበየቶም ገዳም ቅዱስ ዮሴፍ ከረን ንሓልዮት ነብሳትን፡ ንጉስነት ንኣሽቱ ኣባላት ማሕበርን ተተሓሓዝዎ፡ ሕጊ ማሕበር ኣሕዋት ላሳል ዝእዝዞ መሰረት ንሓሙሽተ ዓመታት ብንኡስ መብጸዓ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ካብ ህጻንነቶም ዝሓድሮም ህርፋን ምግልጋል ኣምላኽ ክውን ንምግባርን፡ ብምሉእ ልቦም ብዘይተጉላባነትን ንማሕበሮምን ንህዝቦምን ብዝከኣሎም ሂወቶም ሙሉእ ከገልግሉ ብ02 ሓምለ 1961 ኣብ ኣስመራ ብዓብይ መብጸዓ ህይወቶም ወፈዩ፡ ክሳብ ቅድሚ 10 ዓመት ብስእነት ጥዕናን ብዕድመ ምድፋእን ናብታ ንዝበለጸ ናብዩትን ጥዕናውን ምክትታልን መታን ክረኽቡ ናብ ሮማ ኮለጆ ላሳል መናበይ ኣረጋውያን ኣባላት ማሕበር ላሳል ዝኸዱ ድማ፡ ን60 ዓመታት ብተውህቦታቶምን፡ ብዕምቆት ዝመልኦ እምነቶምን፡ ክገብርየ ዝብል ውዕውዕ ስሚዕቶምን፡ ብተኣማንነትን፡ ብተወፋይነትን ንማሕበሮም ኣገልግሎን፡ ኣብ ዝተፈላልየ ቦታታት መሃሩን፡ ንኣባላት ማሕበር ብምምራሕ ብቐሊል ዘይግመት ዓቢ ኣበርክቶ ገበሩ፡ ገለ ካብቲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝፈጸሙሉ ቦታታት ከረን፥ ኣስመራ፥ ሽናራ፥ ደቀምሓረ፥ ኣዲስ ኣበባ፥ ናዝሬት፥ መቂ ይርከቦ።

ሓው ሚካኤል ምስ ተመሃሮ
ሓው ሚካኤል ምስ ተመሃሮ

ኣብዘን ዳሕረዎት ዓመታት ሓው ሚኪኢለ ኣብ ኮለ-ላሳል ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዕለት 17/ሚያዝያ/2022 (ብናይ ኣውሮፓውያን ኣቆጻጽራ ትንሳኤ መዓልቲ)ብኣቆጻጽራ ግዕዝ ድማ ሆሳዕና መዓልቲ፡ እቲ ንምሉእ ሕይወቶም ከታትዮም ዝጸንሐ እግዝኣብሔር ምስ ቅዱስ ዮውሓንስ መጥምቅ ዘላሳልን፡ ተኸቲሎሞም ዝፈረዮ ቅዱሳኒን፡ ክቡራት ወለዱን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ዘለውዎ ሓቢሮም ምእንቲ ክድስቱ ነዚ ምድራዊ ናብራ ውፍይ ሂወቶም ዛዚሞም ናብቲ ሰማያዊት ኢዩርሳሌም ወሰዶም። ሎሚ ንሓው ሚካኤል ኣብ መበል 89 ዓመቶም ንሰናበቶም ኣለና፥ ንድሕሪት ምስል ኢልና ነዘን ዕጹባትን ድንቅን ዝኾና 89 ዓመታት ሓው ሚኪኤል ኣብዚ ምድሪ እንክንዝክረን፥ ብዝሕ ዝበሃል ዝጽወን ነይሩና እንተኾነ ግን ብዝያዳ ክንጸቅጠሉ እንደሊ ኣብ ስራሖም ዘይኮነስ ኣብቲ ዘደንቅ ሰብኣውነቶም ርሕራሔኦምን ኢዩ። ብርግጽ ብርሑቅ ንዝፈልጦምን ንዘይቐረቦምን ሓው ሚኪኢል ኣመና ረዚን ተሪርን ኢዩም ዝመስሉ ነይሮም፡ እንተኾነ ግን ከምቲ “ዑምቖት ፍቅሪ፡ ክሳብ ኣብ ካልእ ሰብ መቓልሕ ዝገብር፡ ብልክዕ ክልካዕ ዘይከኣል”፡ ብድሕሪቲ ዘፍርሕ ዝመስል ምስሊ’ውን ዝቐረቦ ዝፈልጦን ዘስተማቐሮን ሕያውነት ርሕራሐን ከም ዝነበሮም ኣብ ትሕቲኦም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን፡ ዝቐርብዎም ደቂ ማሕበሮም ይምስክሩ፡ ርግጸኛታት ኢና ብዙሓት ካብዞም ሎሚ ኣብዚ ክንፋነዎም ተረኺብና ዘለና ነዚ እንብሎ ዘለና ፍቅርን ሕያውነትን ዝጠዓምና ኣለና፡ ስለዚ እታ ንሕና ዘስተማቐርናያ ፍቅሪ ንኻልኦት ነካፊላ።

ሓው ሚካኤል ኣብ ኲስኰሳ ወትሩ ንደቆም ምስ ኣሰነዩ
ሓው ሚካኤል ኣብ ኲስኰሳ ወትሩ ንደቆም ምስ ኣሰነዩ

ሓው ሚኪኢል ብባህሪኦም ላዕሊ ላዕሊ ዘይጥምቱን ትሑትን ሰብ ኢዩም ነይሮም፡ ከም ውጺኢት ድማ ስራሕ ከየማረጹ ንኹሉ ዝወሃቦም ብተኣማንነት ዝሰርሑ ኣዝዩም ጻዕረኛ ሰራሕተኛ ኢዩም ነይሮም፡ ሓው ሚኪኤል ጻዕረኛ ጥራይ ኣይነበሩን ደኺመ ሓሚመ ዘይብሉ፡ ብዘይተጉላባነት ዝሰሑ ኣዝዩም ሓያል ሰብ እውን ኢዩም ነይሮም፡ ፈለጥቶም ከም ዝገልጽዎም ሓው ሚኪኤል ዝያዳ ሰሪሖም ክንዲ ዝደኽሙ ሓይሎም መሊሱ ዝብርትዕ ፍሉይ ሰብ ኢዩም ነይሮም፡ በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ኢዩ ድማ ሓደ ካብ ኣባላት ቤተ ሰቦም ንሓው ሚኪኢል “ኩሉንትናኡ ንገዳማዊ ሂወት ዝበቅዕ ሰብ’ዩ ነይሩ” ክብል ዝገለጾም። ሓው ሚኪኤል ከም ማርያም ንኹሉ ኣብ ልቢ ዝዓቑር መስተውዓሊ ሰብ ኢዩም ነይሮም፡ እንተኾነ ግን ዓቓሪ ጥራይ ኣይነበሩን፡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝሰፈረ ፍርሃት እግዝኣብሔር፡ ጥበብን፡ ፍልጠት ኣእምሮን፡ ኣፈ ታሪኻትን፡ ተመክሮታት፡ ክመሃር ንዝደሊ ኩሉ ንምክፋል ወትሩ ድሉው መምህር ኢዩም ነይሮም፡

ኣብ ሮማ ጸሎተ ቅዳሴን ፍትሓትን ምፍናው ን
ኣብ ሮማ ጸሎተ ቅዳሴን ፍትሓትን ምፍናው ን

መዓስ እዚ ጥራይ ሓው ሚኪኤል ከምቲ መምህር ዝኾነ ክርስቶስ ጥበበና ኢዩም ነሮም፡ ምኽንያቱ ኣብ ዝምህሩሉ ብጽንጽዋያትን ምሳሌታትን ገይሮም ይምህሩ ስለዝነበሩ፡ እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ዋላ ሽድሽተ ዕቁድ ተማሃርቶም ዝነገርዎም ዛንታት ምስ ሞራላዊ ትምህርቱ ክሳብ ሎሚ ይዝክርዎ። ብሰንኪ እዚ ክእለት እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ድማ ሓደ ካብ ተማሃርቶም ዝኾነ ነባሪ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ንሓው ሚኪኤል ከም መምህር ልባቶም ከም ዝተንከፈምን፡ ከም ሰባኺ ኣብ ማሕበር ኢየሱስ ሱቑል መንፈሳውነቶም ከም ዘበራበረን፡ ብዝነበሮም ዝተፈላለዩ ሓለፍነታት ድማ እምነቶም ብዑምቐት ክርዱ ከም ዝገብሮም ምስክርነቱ ድሕሪ ምሃብ፡ ቀጺሉ ከምዚ ይብል እቲ ተማሃራዩም ነበር “ሓው ሚኪኤል ኣብ ሓንቲ ናይ ሞራል ክፍለ ግዜ ኣብ ዛንታ ናይ ሓደ ኣብ ሓጽሪ ግዜ ፊረ ከይተጸበየ ተኽሊ ተምሪ ብምትካሉ ብጉረቤቱ ዝተገንሔ ሓረስታይ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ልባትና ንወትሩ ህያም ኮይኑ ዝነበር ሞራል ኣስረጹልና” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ሽዑ ዝተዋህቦም ለበዎ ከምዚ ክብል ይዝክሮ “እዚ ሓረስታይ ኣርሒቁ ብምጥማት ንርእሰይ ይጥዕመኒ ከይበለ’ዩ ነታ ተኽሊ ተምሪ ዘሪኢዋ፡ ስለዚ ንስኹም’ውን ንግዜያዊ ረብኹም ከይቀደምኩም እንተሰሪሒኩም፡ ከምታ ተኽሊ ተምሪ ዓብያ ንኻልኦት ኣትክልቲ ተጽልልን፡ ካብ ፍግረ መሬት እትከላኽልን፡ ብውሱን ዓመታትዊ ማይ ብዙሕ ፊረ እትፈርን፡ ንስኹም’ውን ጽቡቅ ዘሪኢ ዝርኡ፡ ፍሪኡ ድማ ጽባሕ ክትዓዱ ኢኹም” ከምዝበሎም ከምዚ ሎሚ ይዝክሮ።

መስራቲ ማሕበር ኣሕዋት ላሳል ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቅ ዘላሳል ካብ ዝበሎምን ጽሑፋቱን ምርኩስ ብምግባር ዝተጻሕፈት ዝተፈላለዩ ምሳሌታት ዝሓዘት “ማክሲምስ” ዝተባህለት ንምሉእ ዓመት እተገልግል መጽሓፍ ኣላ፡ ኣብታ ናይ 26 ሕዳር ንባባት ከምዚ ትበል “እቲ ቀዳማይ ዕላማ ናይ ጸዋዕታኻ፥ ምእንቲ ድሕነት ነብሳት ምስራሕ’ዩ፥ ንዓኡ ንምፍጻም ድማ ብፍቅሪ ኣምላኽን፡ ብውዕውዕ ተገዳሰነትን፡ ብቅንኢ ነብሳትን ተደሪኽካ፥ ክትጽዕር ኣለካ” ይብል፡ ሓው ሚኪኢል ነዛ መልእክቲ እዚኣ ብግቡእ ተረዲኦም ብምልኣት ዘተግበሮን ዝነበሮን ሓው’ዩም ነይሮም፡ መርኣያ ናይዚ ድማ እቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ መንፈሳውነት ማሕበር ኢየሱስ ስቑልን፡ ደሓር ድማ ከም ሕጋዊ ወኪል እቲ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ብምዃን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሓው ኢዩም ነይሮም። ሓው ሚኪኢል ብደቂ ማሕበሩ ከም መኻሪን፡ ገሳጽን ፡ ዓቓቢ ሕጊ ማሕበር፡ ኣላይ ኣሕዋቱን ደቂ ማሕበሩን ዝረኤ ዓቢ ሰብ ኢዩ ነይሩ፡ ንሱ ንዝብሎ ዝገብርን ዝነብርን፡ ንሕጊ ኣሕዋት ላሳል ብምልኣት ዝእዘዚን ሓው ኢዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ሓው ሚኪኢል ንተማሃርቶም ክገብርዎን ክነብርዎን ንዝደልዩም ኣቀዲሙ ኣብ ነብሱ ብምፍታን፡ ከተግብርዎ ይሓቶም ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብ ተማሃርቶም ዝኾነ ሓው፡ ሕይወት ሓው ሚኪኢል “ቤት ምርምር’ያ ነይራ” ክብል ይገልጻ።

ኣብ ጎልጎል መጋርሕ ጸሎተ ፍትሓትን ምፍናው ን
ኣብ ጎልጎል መጋርሕ ጸሎተ ፍትሓትን ምፍናው ን

 

እቲ ኣብ ማያት ብእግሩ ዝሰጎመ፡ ንምንዋጽ ማያት ባሕሪን ዘህድኤ፡ ነቲ መዎቲ ኣዝርእቲ ኣብ መሬት ምስ ወደቀ ህይወት ዝህብ፡እ እታ ነታ ኣብ ሓዘንን ጭንቅን ዝነበረት ማሪታ ሓው ዝኾና፡ ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ኣብ ዓዲ ምውታት፡ ንሓይሊ ሞት ሲዒሩ ንምቑሑ ሞት ብምዝለቐ፡ ህያው ዝኾነ፡ ካብ ምውታት እውን ህያው ብምዃን ቦኽሪ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣብኡ ተኣሚኖን ዝሞቱ ሓው ሚኪኢልን ኩሉቶም ነብሳተ ሙታኒን፡ ካብ ሓመድ እዛ ምድሪ ኣብታ ዘለዓለማዊት ዝኾነ ቤቱ ብክብሪ ከም ዘንብሮም ናይ ወትሩ እምንቶናን ጸሎትናን ኢዩ። ካብ ቀረባን ርሑቅን ክተቃብሩና ዝመጻእኩም ኣብዚ ናይ ሓዘን ግዜ ብጸሎት ዘሰነኹምናን ኣብ ቅዳሴ ዝተሳተፍኩም ምእመናን ፈለስትን ብልቢ ነመስግነኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብወገን ማሕበር ሓዘንና ኣብዚ ከምዝዓጸና ክሕብረኩም ንፈቱ።

13 May 2022, 16:41