ድለ

እቲ ናይ ዩክሬን ሕቶ ኣባልነት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ እወታዊ መልሲ ክረክብ ኔርዎ ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ሞልዶቫን ጆርጅያን ከምኡ እውን ካልኦት ኣብቲ ሕብረት ዘይተኻተታ ሃገራት ብተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕረባ ክምለሰለን ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ናይ ዩክሬን ሕቶ ኣባልነት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ እወታዊ መልሲ ክረክብ ኔርዎ ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ሞልዶቫን ጆርጅያን ከምኡ እውን ካልኦት ኣብቲ ሕብረት ዘይተኻተታ ሃገራት ብተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕረባ ክምለሰለን ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም። 

ቤተ ክርስቲያን ኣውሮጳ ክትሓብር ከምትድግፍ ትኣምን

ብምኽንያት ማዓልቲ ኣውሮጳ ዝፍለጥ ግንቦት 9 ዝተገብረ ኣኼባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብእምነትን ቅንዕናን ነዚ ዝካየድ ናይ ምሕባር ኣውሮጳ ጉዕዞን ኣካይዳን ክትድግፍ ምዃና ኣቦ ወንበር ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ገሊጾም።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ``ምሉእ እምነት ንኽብሪ ኣውሮጳ’’ ብዝብል መሪሕ ቃል፥ ዘሎ ኩነት ንምቕያር ክጠናኸር ክበራታዕን ወሳንነት ክህሉ ይግባእ ብምባል ኣብቲ መዓልቲ ኣውሮጳ ዝተሰምየ ጉባኤ ምኽሮም ለጊሶም። ኣብ 1950 ሹማን ``ሰላምን ሕብረትን ኣብ ኣውሮጳ” ኣብ ዘብዓልሉ ግዜ ዋንነት ፈረንሳን ምብራቕ ጀርመንን ዝነበረ ናይ ከሰልን ሓጺንን ብናይ ኣውሮጳ ማሕበረሰብ ትካል ከሰልን ሓጺንን ተባሂሉ ክስመ እማመ ኣቕሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ለውጢ ንምዕቅብ መንፈሳዊ ክብሪ ንምርኣይ

ኣብ መዓልቲ ኣውሮጳ ካርዲናል ሆለሪኽ ድልየቶም ሰላምን ድሕነትን ክመጽእ ቀጻልነት ዕብየትን ምርግጋእን ክህሉ ኣብ ምክብባርን ነጻነትን ምስራሕ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪን ምሕላው ዲሞክራሲን ልዕልና ሕጊን ምኽባር ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ክህሉ ብተምሳጥ ኣብ መግለጺኦም ኣተሓሳሲቦም። ብተወሳኺ ካርዲናል ሆለሪኽ ሎሚ መዓልቲ ምናልባት እምነት ዝመልኦ ፍሱህ ኩነታት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ለውጢ ክንርኢ ንኽእል፣ ብፍላይ ንለውጢ ክልተ መገዲ ኣለዋ ዕለት 9 ግንቦት ዝተዓጽወ ኣኼባ ንመጻኢት ኣውሮጳ ዝምልከትን እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክሬንን እዩ።

ኣዕጋቢ ውጽኢት

ትማሊ ናብ ኣውሮጳውያን ትካላት ዝቐረበ ብጉባኤ መጻኢት ሕብረት ኣውሮጳ ተዳልዩ ዘሎ 49 እማመ ጭቡጥ ናይ ትግባረ ስነ ሓሳብ፣ ብተባዕ ተሳትፎ ናይ ወከልቲ ህዝቢን ከምኡ እውን ተሳትፎ ጳጳሳት ክቕጽል ንትስፎ።

``ከም ቤት እምነት ንሕና ካብዚ ንላዕሊ ንጡፍ ተሳትፎ ክንገብር ቅሩባት ኢና’’ ብምባል ኣብቲ ሓሳብ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም። እዘን ትካላት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ኣዕሚቐን ክሰርሓሉ ንጽበዮ። ኣውሮጳ ትደልዮ ልዑል ምክብባር ሓላፍነት ምስካም ማሕበረሰብኣዊ ሓልዮት ከምኡ እውን ምርግጋእ ቁጠባ ዝኣመሰሉ ቁምነገራት ምዃኑ ካርዲናል የስምርሉ።

ኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ

መዓልቲ ኣውሮጳ ሎሚ ዓመት ማለት 2022 ኣውሮጳ ኣብ ዳግማይ ውግእ ዝኣተወትሉ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ኣብ እትፍጽመሉ ዘላ እዋን ዝዝከር ብምህላዉ ዘሕዝን ኣጋጣሚ እዩ።

``ነሕና ብተስፋ ንሰላም ንጽልይ ኣሎና’’

ብናይ ኣውሮጳ ሃገራት ንዩክሬን ዝግበር ሰብኣዊ ገንዘባዊ ከምኡ እውን ወተሃደራዊ ሓገዛት እኳ እንተሃለወ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ሓገዝ ከዛይድዎ ብፍላይ ኣብ ምክልኻልን ሃገራዊ ድሕነትን ርኡይ ምትሕብባር ክግበር ኣሎዎ ዝብሉ ከምዘለዉ ካርዲናል ከምዘስተውዓሉ ገሊጾም።

እዚ ኣምር እቲ ናይ ዩክሬን ሕቶ ኣባልነት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ እወታዊ መልሲ ክረክብ ኔርዎ ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ሞልዶቫን ጆርጅያን ከምኡ እውን ካልኦት ኣብቲ ሕብረት ዘይተኻተታ ሃገራት ብተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕረባ ክምለሰለን ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ምሕባር ኣውሮጳ ብምሉእ ድልየት ምቕባል

ምንም እኳ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከም መምርሒ ኣብ ፖለቲካ ከይንአቱ ዕቁባት እንተኾንና ኣውሮጳ ክትሓብር ብምሉእ ድሌት ንድግፍ ኢና። ቤተክርስያንና፣ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኣብቲ ትካል ከምኡ እውን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ንዘሎ ሓደስቲ ጸገማት ንምፍታሕ ዘሎ ኣማራጺ ኣቐዲሞም ስጉምቲ ክወስዱ ንድግፍ ኢና ክብሉ ካርዲናል ሆለርኽ መደርኦም ዛዚሞም።    

10 May 2022, 16:33