ድለ

መን እዩ አሕሊፉ ዝህበካ ጎይታይ?

ኢየሱስ ብመንፈሱ ጕህዩ ንሓዋርያቱ 'ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ' በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጣማመቱ። . . . እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ ኢየሱስ ተጐዝጕዙ ዝነበረ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ። ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ' (ዮሓ13.21/30)።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ኢሳ 49፡1-6፥ መዝ. 71፡1-6, 15-17,  ዮሓ 13፡21-38።

ሓደ ካብቲ ዝኸበደ በደል ሰባት አብ ነነድሕዶም ክሕደት ክፍጽሙ እንከለዉ እዩ። አሚንካ ዝቐረብካዮ፥ አሚንካ ዝሃብካዮ፥ አሚንካ ዝነገርካዮ፥ አሚንካ ኩሉ ምስጢርካ ዝነገርካዮ እሞ ናተይ እትብሎ ክኽሕደካ እንከሎ፥ ንምሉእ ሕይወትካ ምስኡ/አ ክትነብር ኪዳን ዝአቶኻ/ያ ክሕደካ/ኪ እንከሎ፥ ልዕሊ ኹሉ ነቲ ኩሉ አምላኽ ዝገበረልካ/ኪ ክትክሕድ እንከሎኻ  ዝኸበደን ዝኸፍአን እዩ። ዝኸበደን ዝኸበድን ክሕደት ንአምላኽ ምኽሓድ ካብ መንገዱ ወጺእካ ካልእ መገዲ ምሓዝ ንሕይወትና አብ ዝኸፍአ ኩነት ስለ ዘውድቖ ዝኸፍአን ዝኸበደን እዩ።

ሰባት ምስ ተካሕዱ ቀልጢፎም ዝገብርዋ ሕነ ምፍዳይ እንተ ዘይተካእለ ኸአ ቂምታ ሒዝካ አብ ውሽጥኻ አብ ሕርቃንን ቂምታን ምንባር እዩ። አብ ልዕለይ ክፍአት ስለ ዝተፈጸመ መዓልተይ ተጸብየ ብዝገደደ ሕነይ ክፈዲ እየ ኢናበልካ ምንባር ንርእሱ አብ ስቓይ ከምእትነብር ይገብረካ። አብዛ እንነብራ ዓለም አብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ክሕደታት ከም እተፈጸመ ታሪኽ ይነግረና። ብሃገር ደረጃ ሕነ ንምፍዳይ ዝግበር ውግአትን ህልቂትን እንርእዮ ዘሎና እዩ። ሰባት ስለ ዝኸሓዱና ክንቀትሎም አሎና እናተባህለ ውግእን ሞትን አብ ኩሉ ሰፊኑ እንርእዮ ዘሎና እዩ።

አብ ታሪኽ እምነትና እንተ ተመልሰና እቲ ዝዓበየ ክሕደት እቲ ብይሁዳ አብ ልዕሊ እቲ ዘፍቅሮ መምህሩን ረድኡ ክኸውን ካብ ፍቕሪ ተላዕሉ ዝሓረዮ፥ ምናልባት ኢየሱስ ይሁዳ አብ ሕይወቱ ክርእዮ ዘይክአለ ጽቡቕን እሙንን ነገር ርእይሉ እዩ ዝሓረዮ። ይሁዳ እውን ንመጸዋዕታ ኢየሱስ ተኸታሊኡ ክኸውን ሕራይ ኢሉ ዝተቐበለ እዩ። ንሰለስተ ዓመት ምስኡ ኩሉ ኮይኑ ዝተማህረ ዝሰምዐ፥ አሚኑ ተሓዝ ገንዘብ ዝገበሮ ንቁንጣሮ ገንዘብ ክብል ግን ዝዓበየ ክሕደት ዝፈጺመ እዩ። ብርግጽ ይሁዳ አብተን ምስ ኢየሱስ ዝጉዓዘን ዝነበረ ዓመታት አብ ልቡ ክፉእ መንፈስ ይቀላቐል ነሩ እዩ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሰበይቲ አብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊአ ክቡር ቕዱይ ሽቱ እናበኸየት እግሩ ትደርዝ ንዝነበረት እዚ ክቡር ሽቱ ተሸይጡ ንድኻታትዶ አይምተዋህበን ምስ በለ ኢየሱስ ድኻታት ኩሉ ጊዜ ምሳኹም አለዉ እዚ ንሳ እትገብሮ ዘላ ግን ንዝኽሪ ሞተይ እዩ ኢሉ ከም ዝመለሰሉ አብ ዮሓ 12፡3 ንረክብ፥ ዮሓንስ ቅጽል አቢሉ እዚ ዝበለ ሰራቒ ስለ ዝነበረ እዩ ይብለና።

ይሁዳ ኩሉ ጸጋን ዕድልን ተዋሂብዎ እዩ ግን ነቲ ዝተዋህቦ ቀስ ብቐስ እናአጉደሎ ከይዱ አብ መጨረሻ አብ ክሕደት በጺሑ። ንኢየሱስ ብቐረባ ክርእዮ ክሰምዖ ክኽተሎ ተጸዊዑ ንገለ ዓመታት እውን ስዒቡ እንተ ኾነ ሓንስባ ሰይጣን አብ ልቡ ክአቱ ምስ አፍቀደ እቲ ኩሉ ዝተዋህቦ ጸጋ ቀስ ብቐስ ክበንን ጀሚሩ። ጸጋ አምላኽ ብስም ተዋህበካ ጸዲቕካ ማለት አይ ኮነን ዕለት ዕለት ናታትና መልሲ ክውሃብ አለዎ። ይሁዳ አንጻራዊ መልሲ ስለ ዝሃበ አብ ዝዓበየ ክሕደት ጎይትኡን ቅትለት ርእሱን በጺሑ። ንሕና እውን ንክፍአትን ቂምታን ኃጢአትን አብ ልብና ክስዕርር እንተ ሓደግናዮ አብ መጨረሻ ካብ አምላኽ ፈልዩ አብ መንፈሳውን ሥጋውን ሞት የብጽሓና።

ዮሓንስ ወንጌላዊ ቅድሚ ሕማማት ኢየሱስ ንዝነበረ ኩነታት ብፍላይ አብታ መጨረሻ ድራር እንከሎ ምስ ሓዋርያቱ ዝገበሮ ዘረባ ከም ሓደ ቦምባ አብ ማእከሎም ዝወደቐ ኮይኑ ከም እተሰምዖም ይነግረና። ብርግጽ አብተን መወዳእታ ዕለታት ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ እናቀረበ አብ ዝኸደሉ ነገራት እናጸንከሩን ከበዱን እዮም ከይዶም። መብዝሕትና እቲ ዝገጠመ ሰሚዕናዮ እንፈልጦ እዩ፥ ብፍላይ ነቲ ዝተፈጸመ ክሕደት ንፈልጦ ኢና። እቲ ብሩህ ናይ ይሁዳ ክሕደት እዩ። ብዙሕ ጊዜ ንሱ ንኢየሱስ ብክሕደት ብቍንጣሮ ገንዘብ አሕሊፉ ከምዝሃበ እዩ ዝፍለጥ። እቲ ታሪኽ ብዛዕባ ናይ ጴጥሮስ ክሕደት እውን ይነግር እዩ፥ ግን ብዝተፈለ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል።

አብዛ ናይ መጨረሻ ድራር ሰለስተ ሰባት ዝተፈላለየ ጠባይን ግብርን ዝተፈላለየ መልሲ ንኢየሱስ ዝሃቡ ንርኢ። ዮሓንስ እቲ ፍቁረ እግዚእ ርእሱ አብ አፍልቢ ኢየሱስ ጽግዕ ዘበለ። ጴጥሮስ ሕይወተይ በጃኻ አኅሊፈ ክህብ እየ ዝበለ ግን አብ ቅድሚ መስቀል ምስኮነ ብፍርሓት ዝሃደመ። ይሁዳ አብ ልቡ ክሕደት ሒዙ ናብ ጸልማት ዝኸደ።  

1.   አብ ገለ እዋን ከም ዮሓንስ ኢና። አብ ገለ እዋን ዝበለጸ ምቅርራብ ምስ ኢየሱስ ንገብር፥ ዓሚቕ ጸሎትን ዘይዘናበል ፍቕሪ ነርኢ። አብ ኩሉ ግብርናን ሕይወትናን ናይ አምላኽ ሰብ ከምዝኾና ብግሁድ ይርአ እሞ ሰባት ናይ አምላኽ ሰብ ቅኑዕ ቅንዕቲ እናበሉ ብአና ይዛረቡ። ዮሓንስ እቲ እንኮ ሓዋርያ ካብ ኢየሱስ ከይተፈለ ክሳብ አብ መስቀል ሞቱ ዘሰነየ እሙን እዩ። ንሱ አብ ጊዜ ተአምራት፥ አብ ጊዜ ስቓያቱን ሕማሙን ንሞቱን ዝሰዓበ ከምኡ አብ መጨረሻ ኩሎም ክሃድሙን ክክሕዱን ከለዉ ምስ መምህሩ ደው ዝበለ ብሓቂ ፍቝረ እግዚእ እዩ። እዚ ኸአ አብ ዝኾነ እዋን አብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ከምዘሎና ዘርኢ እዩ። ብርግጽ ዓበይትን ንአሽቱን ፈተናታት ክገጥሙና እዮም እንተ ኾነ ከም ዮሓንስ አምላኽ ሒዝና ንኹሉ ክንሰግሮ ይግብአና። ምስ ዝነፈሰ እንተ ነፍስና ነገራት ካብ ቁጽጽርና ወጺኦም አብ ጥፍአት ክወስዱና እዮም።

ዮሓንስ ኢየሱስ ክመውት እንከሎ ምስ ማርያም ደው ኢሉ ንመስዋዕቲ ኢየሱስ ይካፈል ከምዝነበረ ባዕሉ ይነግረና። ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ኸአ ባዕሉ አብ ጽሑፍ አስፊሩ ነጊሩና። ምስ ኢየሱስ ደው ምባል ትብዓትን ምሉእ እምነት ክህልወና የድሊ። አብቲ ናይ ሕይወትን ሞትን እዋን ማርያምን ዮሓንስን ነግ ፈርግ አይበሉን። ዝአመነ ንሞት አይፈርሕን እዩ ምኽንያቱ ኲኖ ሞት ዘሎ ዓወት ርእዩ ስለ ዝኽእል።

 

2.    አብ ገለ እዋን ከም ጴጥሮስ ኢና። ካብ ልክዕ አብ ዝወጸ ስምዒት ንአቱ ሽዑ ከም ጴጥሮ ጎይታይ ሕይወተይ እኳ እንተ ኾነ በጃኻ አኅሊፈ ኽህብ እየ እናበለና ዓደኽዶኽ ንብል። ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ግን ብፍርሒ ተዋሒጥና ካብኡ ንሃድም። እወ ሰባት ክንሕጎስን ኩሉ ከምቲ እንደልዮ ክኾነልና እንከሎ እንረእዮ እምነትን ተቐባልነትን መወዳድርቲ የብሉን እንተኾነ ንእሽቶይ ፈተና ወይ መስቀል ክትጓነፈና እንከላ ግን ጠለምትን ከሓድትን ንኸውን። አብ ጸሎትን ሰናይ ግብርን ዝነበርና ብሓደ እዋን ሓዲግና አብ ክፍአትን ጥልመትን ንወርድ። 

ጴጥሮስ ሓደ ካብቶም ፍሉይ ርክብን ምቅርራብን ምስ ኢየሱስ ዝነበሮ ኵሉ ዝርአየ አብ ደብረ ታቦር ንግርማ ኢየሱስ ምስ ረአየ አብዚ ምንባር ይሕሸና ዝበለ፥ ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኢሉ ምስ ሓተተ ንስኻ ወዲ እቲ ሕያው አምላኽ መስሕ ኢኻ ዝበለ፥ ንሰባት ካብ ሞት ከትንሥኦም ርእዩ ዝአመነ፥ ኮታስ አብ ኩሉ ምስ ኢየሱስ ዝተጓዕዘ ከንሱ አብ መጨረሻ ሞት ምስ መጽአት አይፈልጦን ኢሉ ሰለስተ ጊዜ ዓው ኢልይ ነዚ ሰብ አፍለጢን እየ እናበለ ዝኸሓደ እዩ። እዚ ናይ ጴጥሮስ ኩልና ደጋጊምን እንደግሞ እዩ። ትማሊ ዝነበርናዮ ረሲዕና አብ ሓዲስ ሕይወትን መንፈስን አቲና አብ ክሕደት እንነብር ውሑዳት አይኮናን። ትማሊ አማናይ ሰጋዳይ ቆራባይ ዝነበረ ሎሚ አብ ካልእ ጓይላ አትዩ አቦ ጓይላ ኮይኑ ዝስስዕ ክንደይ ዘይረአና ዝገደደ ነቲ ሓቂ ዝነበሮ ከም አብ ጸልማት ዝነበረ ገሩ ክዛረብ ክትሰምዕ ከሎኻ ክንደይ ይሁዳዳት አብ ዓለምና ከምዘለዉ ኢና እንርኢ።

3.   አብ ገለ እዋን ከአ ከም ይሁዳ ኢና። ነቲ ቀንዲ ምንጪ ብርሃን ሓዲግና አብ ዲግ ዝበለ ጸልማት አብ ኃጢአት ንአቱ። ይሁዳ ግጉይ ምርጫ ገሩ፥ ነቲ አፍቂሩ ዝመረጾ ክሒዱ እናረአየ ንጸልማት መሪጹ። ክምለስ ክጥዓስ ይኽእል ነሩ እንተ ኾነ ወንጌል ከምዝብለና ድኅሪ እታ ቍራስ እንጌራ ካብ ኢድ ኢየሱስ ምስተቐበለ ሰይጣን ናብኡ አተወ ይብለና። ሰይጣን መዓርግና ቅድስናና ወይ እውን እንታይነትና ብዘየገድስ ሓንሳብ ክአቱ እንተ አፍቂድናሉ ከጥፍአና ጊዜ አይወስደሉን እዩ፥ ክሳብ ጨሪሽና ካብ አምላኽ እንርሕቕ ካባና አይርሕቕን እዩ። እምብአር ልብና ንመን ተኸፊቱ አሎ ኢልና ክንሓስብ ሓጋዚ እዩ። ከምቲ ባዕሉ ጴጥሮስ አብ መልእኽቱ ዝብለና ጸላኢና ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም አንበሳ ይዛወር አሎ እሞ ተጠንቀቑ (1ጴጥ 5፡8)፥ ዝብለና ኩሉ ጊዜ ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ክንጥንቀቅ አሎና። ሕሱም ጸላኢና እዩ ዘሎና ስለዚ ከይደኸምና ሓለዋ ነፍስና ክንወጽእ አሎና።

አብዚ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ከምቶም ሓዋርያት አብታ ናይ መጨረሻ ድራር ኢና። ገለና ከም ዮሓንስ አብ ኢየሱስ ዝቐረብና ኢና፥ ገለና ኸአ አብ መጀመርያ ህንጡያትን ተገረምትን ከም ጴጥሮስ ኢና፥ ግን አብ ቅድሚ መስቀል ደው ምስ በልና ንሃድም። ገለ ኸአ ከም ይሁዳ ካብ ኃጢአትና ክንወጽእ ዘይንደሊ ምርጫና አብ ኃጢአት ምንባር ዝኾና አሎና።ኩልና ብዘይቀለዓለም ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ከም ይሁዳ ዝኾና አሎና። ይሁዳ ንሰላሳ ብሩር ክብል ነቲ ዘፍቅሮ ኢየሱስ መምህሩ ክሒዱ፥ አብ ርእስና ምልስ ኢልና ክንርኢ እንተ ኸአልና ብዙሕ ጊዜ ካብኡ ብዝውሕድ ዋጋ ንክሕዶ፥ አብ ሓላፊ ምቾት ክንወድቕ ከሎና፥ አብ መጺጽ ኩላሶ ሕመታ አብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኃን ክንሳተፍ እንከሎና፥ አብ ክንዲ ቅዳሴ ሰንበት ምስማዕ ካልእ ከም እስፖርትን ካልእ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ክንሰርዕ ከሎና ካልኦት ይሁዳ ኢና እንኸውን። ብርግጽ ከም ይሁዳ ዓው ኢልና አይክሓድናን ንከውን እንተ ኾነ ብእንገብሮ ተግባራትን ዘሎናዮ ሕይወትን ናይ ክሕደት መሰረት ክኸውን ይክአል እዩ።

ከመይ እንተ ገበርና ኢና ነዚ ከም ናይ ይሁዳ ዝኾነ ሕይወት ሓዲግና አብ አምላኽ እንምለስ ዝያዳ ከም ዮሓንስ እንኾነሉ ንይሁዳ ግን እንሓድገሉ? ካብ ፍርሂ ንዝጓነፈና መስቀል ክንወጽእ አሎና፥ አብ ክንዲ ብከናፍርና ጥራሕ እነገልግሎ ከም ጴጥሮስ ብምሉእ ልብና በቲ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ኃጢአት ተጣዕስና ናይ ምሕረትን ዕርቅን ጊዜ ክህበና እንታይ ንግበር?

1.   እምነትና ክንርኢ አሎና፥ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ምዃኑ ክንአምን አሎና። እሙን ምዃን ልዕሊ ዝኾነ ናይ እዚ ዓለም ነገር እዩ። አብዚ እንነብሮ ዓለም ንእምነትና ዝፈታተን መዓልታዊ ይገጥመና እዩ። ወላ እቶም ቅዱሳን ኩሉ ጊዜ ከም ዝፍተኑ ትውፊት ይነግረና። እሙን ምዃን አብ እምነትካ ሰላም ቅሳነት ተስፋ ኮታስ ንኹሉ ከም እትርኢ ገሩ ንጉዕዞ ሕይወትካ ብእምነት ከም እትጉዓዝ ይገብረካ። ብአንጻሩ እምነት ክጎድል ወይ ክጠፍእ ወይ እውን ክቕየር እንከሎ ሕይወት ሰብ አብ ደረጃ እንስሳ እዩ ዝወርድ። ጽኑዕ እምነት ሒዝና ሕይወትና ክንመርሕ ይግባእ።

2.   ርእስና መዓልታዊ ብጸሎት ተሰኒና አብ አፍልቢ ኢየሱስ ክንገብር የድልየና። እዝንና አብ ጥቓ ልቢ ኢየሱስ ክንገብር እንተ ዘይከአልና ከመይ ገርና ክነፍቅሮ ንኽእል ከምኡ ንከማና ዝበሉ አሕዋትና ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ክነፍቅር ንኽእል? አብ ሕይወትና መጀመርያ ፍቕሪ ኢየሱስ ክህልወና ምስ ከአለ ኢና ንኻልኦት እነፍቅርን እንሓልየሎምን። ንኢየሱስ ክነፍቅር አብኡ ምስኡ ክንከውን አሎና። ዕለት ዕለት ልብና ክንከፍተሉ አብ ግብሪ ኸአ ፍቕርና ክንገልጸሉ አሎና። ንኢየሱስ አፍቅር እሞ ድላይካ ግበር ዝብል ቃል ቅ. አጎስጢኖስ ሓቂ እዩ። መለክዒ ሕይወትና ፍቕሪ ኢየሱስ እንተ ኾነ ኢና ሓጎስ ዝመልኦ ሕይወት እንነብር።

3.   ጾምና ካብ ጥልላት፥ ካብ ዝኾነ ክፉእ ምግታእ፥ ምሕረት ምግባርን አብ ጊዜ ጾም ጥራሕ ዘይኮነ ዓመት መመላእታ እዩ ቀጻሊ ክኸውን ዘለዎ። ነቲ መስቀልና ከይንጸውር ዘፍርሓና ዘሎ ክንስዕር ሓግዘና ንበሎ። አብ ንአሽቱ ነገራት ክንጽመምን ተጋድሎ ትዕግስቲ ክንገብር እንከሎና አብ ዓበይቲ ነገራት ክነዘውትር ድላይ ክህልወና እዩ።

ንአምላኽ ዝግድሶ መወዳእታና እዩ። ጴጥሮስን ይሁዳን ክልቲኦም ክሒዶም ይሁዳ ክምለስ አይደለየን ንጥፍአት ናተይ ኢሉ ጸኒዑ ሒዝዋ በዚ ኸአ ውለደ ጸልማት ተባሂሉ። ጴጥሮስ ግን በቲ ዝኽሓዶ አምሪሩ ስለ ዝበኸየን ዝተጣዕሰን አምላኽ ምሒርዎ። አብ ትውፊት ከም ዝብሃል አብታ ዝኸሓደላ እዋን ተንሲኡ አምሪሩ ይበኪ ነሩ ይብሃል። እዚ እዩ አምላኽ ሎሚ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝደልዮ። ብኃጢአትና ብኽፍአትና አምሪርና ክንበኪ ክንሳሕ እዋኑ እዩ።

አምላኽ ብዝጠፋእናዮ ፀሓይና ክትዓርብ አይደልን እዩ፥ ክንምለሶ ክንሳሕ ኩሉ ጊዜ ይጽበየና። እዚ ወደይ እዛ ጓለይ ይምለሱኒዶ ይኾኑ እናበለ ነታ ንመገዲ ጥፍአት ዝወሰደትና መገዲ ብአአ ክንምለሶ ኩሉ ጊዜ ይጽበየና አሎ። እዚ ዘሎናዮ እዋን ናይ ምምላስን ምንሳሕ ጊዜ እዩ አብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊእና ብእከየ ወበዓቢ እከየ እናበልና አብ እግሪ ኢየሱስ ንመለስ ሽዑ ብዓይኒ ምሕረቱ ገጹ ክመልሰልና እዩ።

ሶሙነ ሕማማት ናይ ዕርቂ፥ ናይ ሰላም፥ ናይ ምሕረት ሶሙን እዩ። ጾምና ብዓወት ክንዛዝም ሎሚ ደቂ ትንሣኤ ክንከውን ንወስን፥ ብፍላይ ነቲ ካብ ቤት አምላኽን ምሕረት አምላኽን ከም መንደቅ ኮይኑ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ክፍአት ኃጢአትና ስዒርና አብ ቤት ሰማያዊ አቦና ንመለስ። ሽዑ ኢየሱስ መድኃኒና እዚ ወደይ እዛ ጓለይ መይቱ ነሩ ሓውዩ፥ ጠፊኡ ነሩውን ተረኺቡ እዩ እናበለ ብሓጎስ ክቕበለና እዩ። ሎሚ ደፊርና ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ ካብቲ ወዲቕናዮ ዘሎና ዓዘቕቲ ክፍአትን ኃጢአትን ቆሪጽና ንምሕረት ሰማያዊ አቦና ክንርኢ እሞ ንጎደና ንስሓን ዕርቅን ክንተሓሓዞ አብ ቤት አቦና ክንአቱ ምእንቲ።

ጉዕዞ ምሕረት ምስ ማርያም ክንከዶ ከሎና እዩ ብዝያዳ ዝሰልጠና፥ ንሳ ድላይ ወዳ እንታይ ምኻኑ ስለ እትፈልጥ ልዕሊ ኹሉ አብ ሶሙን ሕማሙን ሞቱን ምስኡ ትጉዓዝ ስለ ዝነበረት ዋጋ ድሕነትና ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ትርድኦ እያ። ሞት ወዳ ብላሽ ክኸውን አይትደልን እያ ስለዚ ሎሚ ታራና እዩ አብ እግሪ መስቀል ክንብርከኽ እሞ፥ ኦ ማርያም አደና ምእንቲ ክንድሕን ጉዕዞ ቀራንዮ ሓብርናን ምርሕናን ንበላ። አብ አምላኽ ንመለስ ንሱ ኸአ ክቕበለና እዩ።

ቅድስና ዝመልኦ ሶምን ሕማማት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

22 April 2022, 11:50