ድለ

2019.03.09 Tentazione di Gesù, il diavolo tenta Cristo nel deserto 2019.03.09 Tentazione di Gesù, il diavolo tenta Cristo nel deserto 

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) የካቲት 20 2014 ዓ.ም.(2/27/22)

መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . .ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
ብድምጺ ንምክትታል!

1ቆሮ 10፡31-11፡1፥ 1ጴጥ 4፡1-11፥ ግ.ሓ. 2፡38-42፥ ማር 1፡40-45።    ምስባክ፡.  ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ መዝ. 2፡11።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል ንቕረቦ እናበለ አብ አምላኽ ዘቕርብ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ።

ጾምና ፍረ ክህልዎ ቅድም ንርእና ርኢና ክንክእል አሎና። ሓደ አብ መስትያት ንርእሱ ዝርኢ ኩሉ ግዳማዊ አካላቱ ርእዩ ከም ዘጸባብቕ ነቲ ከፊኡ ወይ እውን ዘየምልክዓሉ ርእዩ ዘጸባብቕ ጾም ከአ ንውሽጣዊ ሕይወትና ክንርኢ እሞ ምስ አምላኽን ሰብን ሓደ ከይንኸውን ዓጉቱ ሒዝና ዘሎ ርኢና ክንአልዮ ክንቅይሮ ዝሕግዘና እዋን ስለ ዝኾነ አብ ውሽጥና ንእቶ ድኽመትና ክፍአትና ተአሚና አብ አምላኽ ዝመልስ መገዲ ንሓዝ። እሞ አነ ከም አነ እንታይ አሎኒ ካብ አምላኽ ዝፈልየኒ ኢልና ክንሓትት ጽቡቕ እዩ።

አብ አምላኽ ከይንቐርብ ዝዓግት እንታይ አሎና?

አብ ዘዳግም 18፡15-20 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ንሙሴ ከምዚ ኢልዎ ከማኻ ዝበለ ነብይ ካብ ህዝቦም ከተንሥአሎም እየ፥ ቃለይ ክህቦ እየ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ድማ ኺነግሮም እዩ፥ ብስመይ ክዛረብ እዩ ንእኡ ምስማዕ ዝአበየ ሰብ ግና ኽቐጽዖ እየ። ኢየሱስ አብ ዓዱ ከም ማንም አይሁዳዊ ኮይኑ መጺኡ። ግን ነብይ ከአ እዩ፥ ከምዚ ሕጂ ብዙሓት ዝርድእዎ ንዝመጽእ ዝነበ ወይ ዝነግር ዘይኮነ ከም ሓደ ቃል አምላኽ ዝዛረብ ኮይኑ መጺኡ አብ መንጎና ሓዲሩ፥ በዚ ምኽንያት ከአ እዩ ሰባት ክሰምዕዎ ዘለዎም።

ወንጌል ማርቆስ ንሎሚ ዝተነበ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ ዝቐጸለ እዩ። ንሓደ ለምጻም ብዝኾነ መገዲ አብ ሰብ ክቐርቦ ዘይፍቀዶ አብ ክንዲ ካብኡ ዘርሕቖ ወይ ዝሰጎ ተንኪፍዎ አንጽሖ። እቲ ትሕቱ ልመና ለምጻም ፍቓድካ እንተ ደአ ኾይኑስ ከተንጽሓኒ ትኽእል ኢኻ ዝበል ከም ፈቃር መድኃኒን መምህርን ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ብቓልን ግብርን መሊስሉ ፍቓደይ እዩ ንጻሕ ኢልዎ።

እዋን ጾም እዋን ምሕዋይ እዩ። ኢየሱስ ምእንታና ሓሚሙ ምስ ተሰቕለን ሞተን ምስ ተንሥአን ደቂ ሰማይ ዝገብረና መገዲ ብምልኡ ከፊትቱልና። ድሕነት ሂቡና እንተ ኾነ ሰብ ነዚ ጸጋ ሓዲጉ ከምዘይድሓነ ስለ ዝኸይድ ቤተ ክርስትያና ነቲ ክርስቶስ ዘምጽአልና ጸጋ ድሕነት ርኢና ክንክእልን አብ አምላኽ ክንምለስን ጾም ትእውጀልና ስለዚ ጾምና ክነጽሕ ሓደስቲ ፍጥረት ኮና ምስ ኩሎም እሙናት አገልገልቲ አምላኽ ክንቁጸር ባብ ዝኸፍት ቅዱስ እዋን እዩ።

ኢየሱስ ነቲ ለምጻም ምስ አሕዋዮ ብምሉእ ከም ዝነጽሐ ክነግር ኢሉ ካብ ሕጂ ንድሓር እዚ ለምጻም ዝነበረ ሰብ ዝተገለለ አይኮነን እንታይ ድአ ከም ኩሉ ሰብ ክድሕን ዝተወሰነሉ እዩ ኢሉ ሓዲስ ሰብ ገርዎ። ከምቶም ናይ ለዋውያን ካህናት ተልእክኦም ከም ዝሓወዩ ምስክር ምሃብ፥አብ ገለ እዋን አዋሪድካ ንሰባት ምስጓግን፥ ካብ ህዝቢ ከም ዝፍለዩ ምግባርን ዘይኮነ ፍቕሪን ምሕረትን አምላኽ ብግብሪ ካብ ቃል ንላዒ ዝዛረብ ገሩ ዝገለጸሉ ተአምራት አርእዩ።

ካብዚ ለምጻም እንምሃሮ ብዙሕ አሎ፡

1.   ምስ ምሉእ እምነት አብ ኢየሱስ መጺእካ ምኽአል። ከቢድ ጸገም አብ ጥዕናና አብ መነባብሮና ብሓፈሻ አብ ሕይወትና ምስ ገጠመና አብ መን ንኸይድ? እዚ ጽጉም ለምጻም ምሉእ እምነት ገሩ አብ ኢየሱስ እዩ መጺኡ ንሕና እውን ጸገምና አብ ኢየሱስ ክነቕርብ ከሎና ሓደ ዓይነት መልሲ ኢና እንረክብ ሓንትስ እምነት ገርና ንቕረብ።

2.   ጸሎትና ፍቓድካ እንተ ድአ ኾይኑስ ከተንጽሓኒ ትኽእል ኢኻ ይኹን። ንኹሉ ነገር አብ ኢድ አምላኽ ክንገብር ከሎና አምላኽ ይምልሰልና። ፍቕርን እምነትን ብሓደ ክኸዳ እንከለዋ ምሕረት እየን ዘውርዳ።አብ ከቢድ ፈተና ወይ ጸገም ምስ ወረድና አብ ኢየሱስ ክንምለስ ይግባእ።ንፍቓድ አምላኽ እንተ አለሊና ካልእ እንመርጾ የለን ስለዚ ክነለልዮ እዚ ለምጻም ይሕብረና። ንሱ አብ ኢየሱስ እዩ ከይዱ ድላዩ ኸአ ረኺቡ።  

3.   ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ነቲ ዝኾነ ሰብ ክትንክዮ ዘይክእል ቍስሉ ተንኪፍዎ እቲ ለምጹ ድማ ብቕጽበት ኃደጎ ይብለና። ሎሚ አብ ውሽጥና ከም ቍስሊ ኮይኑ ዘሳቕየና፥ ሰባት ዘይፈልጥዎ ከቢድ ቍስልና ክንሓዊ፥ ካብ ዘሎ ኃጢአትና ክንነጽሕ ብፍቕርኻን ምሕረትካን ተንክፈኒ ንበሎ። ንኢየሱስ ክንትንክፍ እንከሎና ምሉእ ምሕረት እዩ ዝወርደና። ክንትንክፎ አብ ቤት ንስሓ አቲና ኃጢአትና ንተአመን።

4.   ዝሓወየ ለምጻም ወላ እኳ አይትንገር እንተ ተባህለ ምሕዋዩ አብ ኩሉ ክሰብኽን ክእውጀን ጀመረ። ጸጋ አምላኽ ምስተ ቐበልና ክንዓቕሮ ንአይ ጥራሕ እንብሎ ዘይኮነ ክንገር ክእወጅ ካልኦት ክርእይዎ አሞ አብ አምላኽ ክምለሱ ክነግር አሎና። አብ ወንጌል ብዙሓት ዝሓወዩ ክነግሩ ክምስክሩ ኢና እንረኽቦም፥ ንሕና እውን ነቲ አምላኽ አብ ሕይወትና ዝገበረልና ሰናይ ሰበኽትን መስከርትን ክንከውን አሎና። ነቲ ኹሉ ዝተገብረልና ሰናይ ነገር ንስበኮ ንአውጆ።

5.   ህዝቢ ኻብ ኩሉ ወገን ናብኡ ይመጹ ነበሩ ይብለና። አብ ኢየሱስ መጺእካ ምኽአል የድሊ። ሰንበትን ብዓላትን አብ አምላኽ ክንመጽእ ትሑዛት ኢና። ሰባት ብሓቂ ቃል አምላኽ ክሰምዑ ይደልዩ እዮም። አብ ኢየሱስ ዘለዎ እነምጽኦም እንልአኽ ንሕና ኢና። አብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ክንመጽእ ንኹሉ ዝዓግት ሓይሊ ክንአልዮ አሎና።   

ናይ እዋን ሕማም ለምጺ፡

ሕማም ለምጺ ብሓቂ ዘስካሕክሕ ሕማም እዩ፥ እንተ ኾነ ከም ክርስትያን ካብኡ ንላዕሊ ክንርእዮ እንኽእል መንፈሳዊ ሕማም ለምጺ አሎ ንሱ ኸአ ኃጢአት ካብ አምላኽን ሰብን ዝፈልየና ከቢድ መንፈሳዊ ሕማም እዩ። ኃጢአት መጀመርያ ካብ አምላኽ ይፈልየና ድሕሪኡ ካብ ከማና ዝበሉ ሰባት ይፈልየና ብሳልሳይ ደረጃ ኸአ አብ ውሽጥና ሰላም ዕረፍቲ ከሊኡ ምስ ርእስና ይፈልየና። እዚ መንፈሳዊ ሕማም ከሰክፈና አለዎ።

ክንሓዊ እንተ ኾና ምጀመርያ ሕማምና ክንፈልጥ አሎና፥ ሎሚ ካብ አምላኽን ሰብን ዝፈልየኒ እንታይ አሎኒ ክንብል እሞ አብ ውሽጥና አቲና ክንፍትሽ የድሊ። ብቐለዓለም ብአምሰሉነት ሕይወትና ከይንመርሕ ምጥንቃቕ የድልየና። መንፈሳዊ ለምጽና ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ፈዋሲ ሕሙማት ክርስቶስ ንምጻእ ክንሓዊ ኽአ ኢና።

ክንሓዊ እንተ ድአ ንደሊ ኮና ከምዚ ለምጻም ምሉእ እምነት ገርና አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ሕድገት ኃጢአትና ንለምን። ፈውሲ ኃጢአት አብ አምላኽ ምምላስ እዩ፥ ካልእ እንሕተቶ ነገር የብልናን።

እምነት ምሕረት አምላኽ ክትረክብ ቀንድን ወሳንን እዩ። ብእምነት ተመሪሕና ክንጉዓዝ ከሎና ንዝጓነፈና ፈተናን ካልእ ጸገማትን ክንወጽኦ ቀሊል እዩ። እምነት ክጎድል እንከሎ መገዲ አምላኽ ጠፊኡና አብ ሸንኮለል ኢና እንነብር። ከምዚ ለምጻም እምነት ዝመርሖ ሕይወት ክንለብስ ከሎና ምሕረት አምላኽ ካባና ርሑቕ አይኮነን።

ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና አብ ቤትና ክንምለስ ምስ ማሕበር ክርስቶስ ክንሕወስ ትደልየና አላ። እዚ ለምጻም ጸገሙ ካብ ሕብረተ ሰቡ ተፈልዩ ከምኡ ዝኾነ ማሕበራዊ ሕይወት ክገብር ዘይክእል እዩ ነሩ። ሞራላውን ማሕበራውን ጸገማት ነርዎ። ንሰብ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ካብ ሰብ ክትፈልዮ ከሎኻ እዩ። ኢየሱስ ነዚ ኹሉ ጸግም እዩ ቀይርሉ። ጥዕና ስጋ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ወገኑን ህዝቡን ከም ዝሕወስ ኮይኑ። ምሉእ ሰብ ኮይኑ እቲ ብማዕዶ ወይ አብ ብዓቲ ንበይኑ ዝነብር ዝነበረ ሕጂ አብ ማእከል ወገኑ ክቕመጥ ጀሚሩ። ንኢየሱስ ብምሉእ እምነት ዝቐረበ ዝረኽቦ ለውጢ ከምዚ ናይ ለምጻም እዩ።  

አብዚ እንአትዎ ዘሎና ጾም አብ አምላኽ ክንምለስ ክሕግዘና ከምኡ ካብኩሉ ድኽመትና ክነጽሕ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን ኢና እንአቱ ዘሎና። ብሓቂ እንጅምሮ ዘሎና ጾም አብ ምሉእ ምንጻሕን ብአምላኽ ልብና ሕይወትና ዝትንከፍ ክገብረልና ነፍሲ ወከፍና ንጉዕዞ ንስሓን ዕርቅን ክንአትዎ በዚ ንጀምሮ።

ጾምና ዕዉት ክኾነልና ብልብና አብ ንስሓ ንእቶ ክንቅየር ፍቓደኛታት ንኹን ነዚ ክሕግዘና ነቲ ኩሉ ጊዜ እንዘውትሮ ጾም ጸሎት ምጽዋት ብዝተሓደሰ መገዲ ክንፍጽሞ ምሉእ ቁርጽ ፍቓድ ንግበር።

ዝኾነ መንፈሳዊ ጉዕዞ ምስ ማርያም ክንጅምሮ ከሎና ፍሉይ ውጽኢት አለዎ። አደ አምላኽ ሒዝና ጾምና ክንጅምር ከሎና እንደልዮ ጸጋን ምሕረትን ከውርደልና ይኽእል እዩ እሞ ኦ ማርያም አደና ነዚ እንአትዎ ዘሎና ጾም ንቅድስናን ተሓድሶ መንፈስ ክገብረልና ምሳና ክትጉዓዚ መገዲ ወድኺ ክትሕብርና ንልምነኪ አሎና ንበላ።

ብሩኽ ጾም ይግበረልና።  

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

 

26 February 2022, 19:29