ድለ

፬ቱ እንስሳ ዓመታዊ ክብረ ብዓል ኅዳር 8, 2015 (11/17/2022)

ገጸ ሰብእ ወገጸ እንስሳ ገጸ ምስር ወገጸ አንበሳ ሰአሉ ለነ ፬ቱ እንስሳ ንድኅን እሞተ ኃጢአት።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  1ቆሮ፡15፡24-27(1ጢሜ 5፡21-ፍ)፥ ራእ 4:7-ፍ(1ጴጥ 3፡18-ፍ)፥ ግ.ሓ. 5፡29-ፍ፥ ማቴ 18:10-15።  ስብከት፡ ተፅዕነ ላዕለ ኲሩቤል ሠረረ፥ ወሠረረ በክንፈ ነፋስ፥ ወረሰየ ጽልመተ ምሥዋሮ መዝ. 18፡10-11።

ዓመታዊ ክብረ ብዓል ፬ቱ እንስሳ አብ ኅዳር 8 ተዘኪሩ ይብዓል። እዚ ክብረ ብዓል አብ ኤጳርቕና ከረን አብ ተሮንኳ፥ ጉሽ፥ ሓዲስ ዓዲ፥ ብርዖና ተዘኪሩ ይውዕል። አጀማማርኡ ብርግጽ ዓመታቱ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ብኄረ ብለን መጀመርያ አብዚ ቦታ ክመጽኡ ከለዉ ዘምጽእዎ እዩ ይብሃል። ነዚ ብዓል ፍሉይ ዝገብሮ አብ እዋን ቀውዒ ስለ ዝብዕል ሰብ ዓመታዊ መግቡ ዝረኽበሉ ከምኡ ብኹሉ አብ ተስፋን ሓጎስን ስለ ዝብዕል ብነፍስን ብሥጋን ቀሲኖም እዮም ዘብዕልዎ። ነጋዲያን በብወገኑ ብብዝሒ ይነግድዎ፥ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ካቶሊካውያንን ተዋህዶ ኦርቶዶክስን አስላምን ከይተረፉ ብሓባር ብምሉእ ሓድነትነትን ፍቕርን የብዕልዎ። ብሓባር ኩሎም ናይ ነፍሲ ወከፍ ታቦት ኡደት እናገበሩ ይጽልዩ፥ ኩሎም ንአጋይሾም ብሓባር እናተቐበሉ አብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ እኸለማዮም ብሓባር ይገብሩ እዚ ፍሉይ ፍቕሪ አብ ኩሉ ክዝርጋሕ ጽቡቕ አብነት እዩ።

፬ተ እንስሳ ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፥ አብ እምነትና ከመይ ንርድኦም? ስለምንታይ ነብዕሎም? ምስ አምላኽ አብ ዘሎና ርክብ እንታይ ተራ አልኦም? አብ ቅዱስ መጽሓፍ አበይ ንረኽቦም? 

አብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ፬ቱ እንስሳ ብዝያዳ እንረኽቦ አብ ትንቢት ሕዝቅኤል ነቢ እዩ። ሕዝ 1፡5-14 ዘሎ እንተ አንበብና ብዛዕባ እዞም አርባዕተ እንስሳ ይዛረብ፥ ንሳቶም መላእክቲ ኲሩቤላት ንመንበር አምላኽ ዝጾሩ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል አርባዕተ ገጽ ነበሮ፥ እወ ብሓደ ወገኑ ገጽ ብዕራይ፥ ብሓደ ወገኑ ገጽ ሰብ፥ ብሓደ ወገኑ ገጽ አንበሳ፥ ብሓደ ወገኑ ኸአ ገጽ ንስሪ ነበረ (ሕዝ 10፡14)። አብ ራእይ ሕዝቅኤል ንመንበረ ልዑል ጸሮም ይዕውዱ ንሶም ዝውክልዎ ነገር አልኦም ንመዃንንቲ (nobility)፥ ኃይሊ (strength)፥ ቅጽበታዊ/ፍጡን (Agility)። እዞም አብ ሕዝቅኤል እንረኽቦም ኲሩቤላውያን በቲ አብ ምስራቓዊ አገለልጻ ዝነበረ ዝተጸልወ እዩ፥ ብአምሳል ናይ ሰብ ምስሊ አልኦም፥አርባዕተ ገጸ ናይ ሰብ አንበሳ ላሕምን ንስርን። አርባዕተ መንገብገብን አእዳው ሰብን አልኦም። አብ ራእይ ዮውሃንስ እንረኽቦ ነዚ ብዝቐለለ መገዲ ክንርድኦ ምእንቲ አመሕያሹ የቕርቦ። ሕዝቅኤል ምድራዊ ቤተ መቕደስ አምሳል ናይ እቲ አብ ሰማይ በዞም ፬ቱ እንስሳ ዝኸብር ምዃኑ እዩ ዝሕብረና። ከምቲ ግርማ አምላኽ አብ ሰመያዊ ቤተ መቕደስ አብቲ ኲሩቤላውያን ዘኽብርዎ ዝዓሰለ፥ ከምኡ አብዚ ምድራዊ ታቦተ ኪዳን አብ ልዕሊኡ ግርማኡ አሎ።

እዚ አርባዕተ እንስሳ ዝብል አብቲ ብዛዕባ ስርዓት ሰማያውያን ፍጡራት ህዋ ዝተምስረተ እዩ (Zodiac)። አብ ጥንታዊ ርድኢት ሰባት Zodiac ንምሉእ አብ ሰማይ ዝርከቡ ከዋኽብቲ ዝጥርንፍ ስርዓት ዝወከለ እዩ። ንሰማያት አብ አርባዕተ ይመቕሎ፥ አብ መንጎ እዞም አርባዕተ ክፍልታት አንበሳ፥ ሰብ፥ ላሕምን ንስርን ይርከቡ። ተመራመርቲ ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ እዚኦም ፬ተ እንስሳ ንኹሎም ንአምላኽ ዘምልኹ ፍጡራት ዝውክሉ እዮም ይብሉ። አብ ትውፊት እዞም አርባዕተ መላእኽቲ ነዚ ምድራዊ ዓለም ክመርሑ ሓላፍነት ዘለኦም እዮም ዝብል ንረክብ፥ ስለዚ ንኹሎም አብ ህዋ ዝርከቡ ፍጡራት ዝውክሉ እዮም። ዓሰርተ ኽልተ ነገደ እስራኤል እውን ምስቲ ናይ እዚ ህዋ ዘወሃህድ ስርዓት ዝተተሓሓዘ እዩ። አብ ጉዕዞ በረኻ እንከለዉ ዓሰርተ ክልተ ነገደ እስራኤል ንቤተ መቕደስ ብአርባዕተ መአዝን አኽቢቦም እዮም ዝቕመጡ ነሮም። ይሁዳ፥ ሮቤል፥ ኤፍረምን ዳንን አብ አርባዕተ ወገን ቤተ መቕደስ አኽቢቦም ይቕመጡ ነሮም። እቶም አርባዕተ ዓሌት ምስቲ ህዋዊ ምልክት ዝተተሓሓዘ እዩ። ይሁዳ ከም አንበሳ፥ ሮቤል ከም ሰብ፥ ኤፍረም ከም ላሕሚ ዳን ከአ ከም ንስሪ። አብ አምልኽኦም እስራኤላውያን ነቲ ናይ ሰማይ መገዲ እዮም ተኸቲሎም። አብ ስርዓት አምልኽኦም ከአ ነቲ ሰማያዊ ስርዓተ አምልኾ እዮም ቀዲሖም፥ አብ ሓዲስ ኪዳን ዘሎ ርድኢት ከአ ብርግጽ ቤተ ክርስትያን አብቲ ሰማያዊ ስርዓተ ልጡርግያ ትሳተፍ ምዃና ንአምን።

አብ ሓዲስ ኪዳን ብዛዕባ ፬ቱ እንስሳ ክንርእዮ ከሎና መሰረቱ አብቲ አብ ራእይ ዮውሓንስ አብቲ አብ ብሉይ ኪዳን እንረኽቦ አብ ትንቢት ነብያትን ዝምስረት እዩ። ነዚ ፬ተ እንስሳ ዝብል አብ ሕዝቅኤልን አብ ራእይን ዝርከብ አምሳል ናይ እቶም ፬ተ ወንጌላውያን እዩ ዝብል ካብ መጀመርያ ዝነበረ ርድኢት እዩ። በብእዋኑ እዚ ርድኢት ብፍላይ አብ ምስራቕ እናዓበየ ከይዱ ንኽልቲኡ አተሓሒዝካ ምኻድ እናዓበየ ከይዱ። ቅዱስ ኢረነዩስ እዩ ነዚ ፬ቱ እንስሳ ዝብል ምስቶም ፬ተ ወንጌላውያ ንመጀመርያ አተሓሒዙ ክገልጾ ዝጀመረ ምኽንያቱ ንክርስቶስ አብ ደቂ ሰባት ከም ዝበጽሕ ስለ ዝገብሩ።   

አብ ብዙሓት አብያተ ክርስትያናት ስእሊ ፬ተ እንስሳ ንርኢ፥ ስእሊ ሰብ፥ አንበሳ፥ ላሕሚ፥ ንስሪ። አበው ቤተ ክርስትያን ማቴዎስ ብአምሳል ሰብ ይምሰል ምኽንያቱ ንወንጌሉ ብወለዶ ክርስቶስ ስለ ዝጅምሮ፥ ማርቆስ ብአምበሳ ይምሰል ወንጌሉ ብአብ በረኻ ዝጭርሕ ድምጺ ስለ ዝጅምሮ። ሉቃስ ብአምሳል ላሕሚ ምኽንያቱ ወንጌሉ ብቤተ መቕደስ ጀሚሩ ብቤተ መቕደስ ይውድኦ ቤተ መቕደስ ከአ ላሕምታት ንመስዋዕቲ ዘቐርብሉ እዩ። መጨረሽታ ዮውሓንስ ብአምሳል ንስሪ ወንጌሉ አብ ምስጢር ዕሞቕ መለኮት ክርስቶስ ስለ ዘተኵር።

አብ ራእይ ዮውሓንስ እዞም ፬ተ እንስሳ (ኲሩቤላውያን) አዒንቲ ዝመልኦም እዮም ይብለና እዚ ኸአ ፍሉጣት ምዃኖም ክገልጽ ኢሉ እዩ። ንሶም ልኡኻት አምላኽ እዮም ንኹሉ ነገር ርእዮም አብ አምላኽ ጸብጻብ የቕርቡ። እዚ ምስቲ አብ ኢሳያስ 6፡2 አብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ፥ ነፍሲ ወከፎም ሽድሽተ ኽንፊ አለዎም፥ ነፍሲ ወከፍ ከአ ብኽልተ ክንፊ ገጹ ይኸድን፥ ብኽልተ ኽንፊ ድማ አእጋሩ ይኸድን፥ ብኽልተ ኽንፊውን ይነፍር ነበር ዝብል የዘኻኽር፥ (እዚ አብ አብ ቅዳሴና አብ ዘሓዋርያት ቅድሚ ምልዋጥ ንጽልዮ)። ከም ሡራፌላውያን አብ ራእይ ኢሳያስ ኲሩቤላውያን እውን ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ (ኢሳ 6፡3) እናበሉ ይዝምሩ። አብ ቅድሚ መንበር ልዑል ኮይኖም ቀጺሎም ይሰግዱሉ። ነዚ ስርዓት አምልኾ አብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን አብ ዝቕርብዎ ልጡርግያ ይሳተፍዎ። እዚ አብ ራእ 5፡1 ክንርእዮ ንኽእል እቶም መላእኽትን ዕስራን አርባዕተ ሽማገለታትን ዕጣን የዕርጉ እዚ ኸአ ጸሎታት ናይ ህዝቢ አምላኽ እዩ። ቤተ ክርስትያን አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስ መላእኽትን ቅዱሳንን ኮይና ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበለት ክትዝምር እንከላ አብ ሰማያዊ ልጡርግያ እያ እትሳተፍ።

፬ቱ እንስሳ እምብአር አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ኮይኖም ክብሪ አምላኽ ዝነግሩ ከምኡ ናይ ደቂ ሰብ ጸሎት አብ አምላኽ ዘዕርጉ እዮም። ንሳቶም ፍጡራት አምላኽ እዮም እንተ ኾነ ንድላይ አምላኽ አብ ደቂ ሰባት ዘምጽኡ ንልመና ደቂ ሰብ ከአ አብ አምላኽ ዘዕርጉ እዮም።

 አብ ዋዜማ ፬ቱ እንስሳ ከምዚ እናበልና ንጽሊ “እምትጉሃን መላእክት እለ ኢይነውሙ ይስአሉ በእንቲአነ ፈኑ ለነ እግዚኦ መላእከተ ምሕረት ኄራን ወመሓርያነ በቃለ ቀርን ወበሰናይ ቃል”።

፬ቱ እንስሳ አብ ቅድሚ መንበር ልዑል ኮይኖም ከማልዱልና ይኽእሉ እዮም አምላኽ ልመናና ብአቶም ክበጽሖ ከሎ ይቐልል ካብ ብአና ምኽንያቱ ንሳቶም ብኹሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝኾነ ድኽመት የብሎምን በዚ ካብ አምላኽ አባና ይልአኹ ካባና ኸአ ናብ አምላኽ ልመናና የብጽሑ።

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ዝቖሙ መላእኽቲ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ንምሕረትን ጸጋን ካብ አምላኽ ከማልዱልና ዕድል ይወሃበና አሎ። ብዓለ ፬ቱ እንስሳ ፍሉይ ዝገብሮ ክልተ ነገር እዩ።

1. ፬ቱ እንስሳ ተባሂሎም ዘለዉ ንመላእኽቲ ሰማይ እዩ ዘመልክት። ረቀቕቲ ፍጥረት አብ ቅድሚ አምላኽ ዝቖሙ እዮም። መላእኽቲ ኢየሱስ ከም ዝብለና አብ ቅድሚ አምላኽ ዝቖሙ እዮም። ስርሖም መልእኽቲ አምላኽ ምብጻሕን ናይ እቶም ኩሎም ድኻታት ንአሽቱ ብሰባት ዝተፈንፈኑ አብ ቅድሚ አምላኽ ግን ክቡራት ምዃኖም ምንጋር እዩ። እግዚአብሔር ፍቕሩ ሓልዮቱ ብመላእኽቲ ገሩ እዩ ዝገልጸልና። አብ ዘፅ 23፡20-24 አብ መገዲ ክሕልወካ አብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ከእትወካ እንሆ አነ መልአኽ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ እግዚአብሔር ንህዝቢ ከም ዝሕልዎም ተስፍኡ ሂብዎም። እንተኾነ ነቲ መልአኽ ዝብሎም ክሕልዉ ክሰምዑ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም። አብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ ድምፁ ኸአ ስማዕ። እምቢ አይትበሎ፥ ስመይ አብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ በደልካ አይክሕደገልካን እዩ ይብሎም። ነቲ መልአኽ ዝብሎ እንተ ሰምዑ አነ ንጸላእትኻ ኽጸልኦም ንዚጻረሩኻ ድማ ኽጻረሮም እየ ይብሎም። መልአኽ ቀቅድሚኦም ከይዱ ንጸልእቶም ክስዕርዎም እዮም። መላእኽቲ እምብአር ሓገዝትና ረዳእትና እዮም።  ሎሚ ነዚ ኢና እንዝክር ዘሎና። ሓለዋ አምላኽ ብመላእኽቱ ክቕጽለልና። ሎሚ እውን  ሓገዝ ሓለዋ የድልየና አሎ። መገዲ አምላኽ ጠፊኡና ተደናጊርና ዘሎና ውሑዳት አይኮናን። ሕልናና ዝሰምዖ ስኢኑ የእዊ አሎ ስለዚ ክንሰምዕ ፍቓደኛታት ንኹን።

2. ፬ቱ እንስሳ ከምቲ አበው ቤተ ክርስትያን ዘስተምህሩና እዞም ፬ቱ እንስሳ ነቶም አርባዕተ ወንጌላውያን እውን የስምዕ እዩ። አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ንቃል ክርስቶስ ንትምህርትን ኩሉ አብ ጽሑፍ አስፊሮም አውሪሶምና። ቃል አምላኽ ንአና ሕይወት እዩ። ንቃል አምላኽ አብ ልብና አሕዲርና ክንጉዓዝ እንከሎና ሽዑ ኩሉ ንሕዝ። ቃለይ ዝሰምዕ አነ አብኡ እነብር ይብለና ክርስቶስ። ወንጌላውያን እምበአር ሎሚ እውን ነቲ ዘውረሱና ቃል አምላኽ ክንሰምዖ ክፍሊ ሕይወትና ገርና ክነብር ይደልዩና። ነቲ ዝሰማዕናዮ ቃል ክንሰብኮ ክንምስክሮ ይግባእ።

መልእኽቲ ዝኽረ ብዓል ፬ቱ እንስሳ ክንሓስብ ከሎና ነዞም ዝስዕቡ ክነስተንትን ይግባእ።

1. አብጻሕቲ ድለት አምላኽ ክንከውን። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ አብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ወንጌል አበስሩ እናበለ ልኢኽዎም ሎሚ ንነፍስወከፍና ክንልአኾ ይደሊ አሎ። ሰላም ፍቕሪ ምርድዳእ ክነግስ ክንልአኾ። አብጻሕቲ መልእኽቲ አምላኽ ንሕና ኢና።

2. ምስ አምላኽ ጥቡቕ ርክብ ክህልወና ይግባእ። መላእኽቲ ይኹኑ ወንጌላውያን ንድለት አምላኽ ከብጽሑ ምስኡ ፍሉይ ርክብ ነርዎም ንሕና እውን ነዚ ርክብ ክነደልድል ምስኡ ዘሎና ርክብ ብዝልዓለ ክንሕልዎ ይግባእ።

3. ሓድነት የድሊ። ፬ቱ እንስሳ ሓደ መልእኽቲ እዮም አብጺሖም ዝገራጮ መልእኽቲ አየብጽሑን። ሓድነት መሰረት ኵሉ እዩ። ንሕና አመንቲ ክርስቶስ እምነትና ሓደ ልብና ሓደ ኮና ክንካየድ ከሎና ጸገም አይክህልወናን እዩ።

4. አብ ዕለታዊ ርክባትና ብርሃን ክንከውን። መላእኽቲ ይኹኑ ወንጌላውያን ንሰባት እዮም ዝመርሑ። ሰባት ንፍቕሪ አምላኽ ርእዮም ክኽእሉ ይመርሑ። ሎሚ ንሕና ከምታ አብ እምባ ዝተደኮነት ከተማ ኮና ክንበርህ ንሕተት አሎና። ብርሃና ንኻልኦት አብ አምላኽ ከም ዝመልሶም ክንገብር።

5. ሓጊዝካ ምኽአል። መላኽቲ ሰማይ ከምኡ ወንጌላውያን ሓገዝቲ እዮም። ንሰብ ዝጎደሎ እንተሎ ከምኡ መገዲ ንዝጠፍኦ፥ አብ ኵሉ ክሕግዙ ንርእዮም። ሰብ ሎሚ ንአምላኽ ርእዩ ክኽእል ሓጋዚ የድልዮ አሎ። ንሓቀኛ ቃል አምላኽ ዝነግር፥ ተደናጊሩ አብ ጌጋ ንዘሎ ደፊሩ ዝሕብር የድሊ አሎ። አነን ንሱዅምን ኢና ክንሕግዝ ንሕተት ዘሎና።

ደቂ ፬ቱ እንስሳ ብፍላይ ነዚ ብዓል እተብዕሉ ፍሉይ ተሓድሶ መንፈስ ክተሕድሩ ይግባእ። ቤተ ክርስትያንኩም ታቦትኩም ሰናይ ቃል አምላኽ ዝስምዓሉ ክብሪ አምላኽ ዝግለጸሉ ክትገብሩ፥ ዓድኹም ሰላም ፍቕሪ ሓልዮት ዝርአዮ ጽጉም ዝሕገዘሉ ፍቕርን ሕውነትን ዝበዝሓሎ ክትገብሩ ሎሚ መብጽዓኹም ክተሕድሱ ይግባእ።

፬ቱ እንስሳ ጸሎቶምን ጽላሎምን አብ ሃገርና አብ ዓድና ክወርድ ብፍሉይ ንጸሊ።

፬ቱ እንስሳ እምብአር መላእኽቲ ይኹኑ አርባዕቱ ወንጌላውያን ሓገዝትና እዮም። ምስ አምላኽ ክንራኸብ ባብ ዝኸፍቱልና እዮም። ለምኑልና ሓግዙና ኢልና ክንልምኖም ድላይ አምላኽ እዩ። አብዚ መከራ ዝበዝሓ ሕይወትና ኩሉ ክቕየረልና መልአኽካ ልአኸልና ንበሎ።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

17 November 2021, 18:37